መደብ 23 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
23 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 39ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 5 ሕ.ጽ. 1-8 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መዝሙር 19-25 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መዝሙር 23:1–24:10 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሰማያዊ ህይወት ነቶም ስጋ ክርስቶስ ዝዀኑ እተሓዝአ እዩ—td 2ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ሮሜ 8:21 እትፍጸም ብኸመይን መዓስን እያ፧ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ምልክታታት። “ነታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትበሃል ፎርም ብኸመይ ንጠቐመላ፧” ምይይጥ።
10 ደቒቕ፦ ሰለስተ መዳያት ውጽኢታዊ መእተዊታት። ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒንግ፡ ኣብ ገጽ 9፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ነዚ ሓሳባት ድሕሪ ምቕራብካ፡ ነቲ ኣብ ሰነ ዚብርከት ጽሑፍ ክንዕድል ከለና ኽንጥቀመሉ እንኽእል መእተዊ ዜርኢ ኽልተ መርኣያ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ፦ ፈቲንካዮዶ፧ ምይይጥ። ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጻ ዓንቀጻት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ ሓበሬታ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ብመልክዕ መደረ ኣቕርብ፦ “ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመላ፡” “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር እትሕግዝ ሓዳስ ዓንቀጽ” (km 10/12)፡ ከምኡውን “ንስድራ ቤታት ዚኸውን ሓገዝ” (km 11/1)። ነቲ ሓሳብ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓልዎን ብኸመይ ከም እተጠቕሙን ኪገልጹ ንሰማዕቲ ዓድሞም።
መዝሙር 6ን ጸሎትን