ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመላ
1. እታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ንምንታይ እያ እትጠቅም፧
1 እታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ንኽትሕግዘና ተባሂላ እያ ተዳልያ። ኰይኑ ግን፡ ዘርኢ ሓቂ ንምዝራእ እውን ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመላ ንኽእል ኢና። (መክ. 11:6) ብጽቡቕ ንኽንጥቀመላ ዚሕግዝ ርእይቶታት እንሆ።
2. ነታ ትራክት ዝርርብ ንምጅማር ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧
2 ዝርርብ ንምጅማር፦ ነቲ ብዓል ቤት ነታ ትራክት ሃቦ እሞ፡ ናብቲ ኣብ ገበር ዘሎ ሽዱሽተ ሕቶታት ብምምልካት፡ “ካብዚ ሕቶታት እዚ ኣየናዩ እዩ ዜተሓሳስበካ፧” ኢልካ ሕተቶ። መልሲ ምስ ሃበካ፡ ንሓደ ኻብ ሕቶታቱ ኻብቲ ኣብታ ትራክት ቀሪቡ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ኣንቢብካ ግለጸሉ፡ ንሓደ ኻብቲ እተሓበረ ጥቕስታት ከኣ ኣንብበሉ። ነቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እቲ ገበር ዘሎ ሓሳባት ኣንብቦ ወይ ኣሕጽር ኣቢልካ ገለጸሉ፡ ድሕሪኡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ሃቦ። ሽሕኳ ነታ መጽሓፍ እንተ ዘይተቐበለካ፡ እታ ዝወሰዳ ትራክት፡ ሓቂ ኣብ ልቡ ሱር ከም ዚትከል ክትገብር ትኽእል እያ።—ማቴ. 13:23።
3. በዓል ቤት ኣብ ዕዮ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
3 እቲ በዓል ቤት ኣብ ዕዮ እንተ ኣልዩ፦ ከምዚ ዚስዕብ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ፦ “ሕጂ ስለ ዘይጥዕመካ፡ እዛ ትራክት እዚኣ ኺገድፈልካ። እዛ ትራክት እዚኣ፡ ሽዱሽተ መሰረታዊ ሕቶታት ትዝርዝር፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ኸኣ ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህብ። ካልእ መዓልቲ ምስ መጻእኩ፡ ርእይቶኻ ኽሰምዕ ምደለኹ።”
4. ኣብ መገዲ ኸነገልግል ከለና ነታ ትራክት ንምብርካት እንታይ ክንብል ንኽእል፧
4 ኣብ መገዲ ኸተገልግል ከለኻ፦ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ሰላም። ገለ ኻብዚ ሕቶታት እዚ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ትራክት እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንጹርን ዜዕግብን መልሲ ትሕብር።” እቲ ሰብ እንተ ዘይተሃዊኹ፡ ንሓደ ኻብቲ ኣብታ ትራክት ቀሪቡ ዘሎ መልስታት ክትመያየጠሉን ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ከተበርክተሉን ትኽእል ኢኻ።
5. ነታ ትራክት ኣብ ቤቶም ንዘይተረኽቡ ሰባት ሓድሓደ ግዜ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
5 ኣብ ቤቶም ንዘይተረኽቡ ሰባት፦ ኣብ ገሊኡ ኽልታት፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ቤቶም ንዘይተረኽቡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብትሕቲ ማዕጾኦም ጽሑፋት የስልዅሎም እዮም። እዚ ኣብ ጉባኤኹም ልሙድ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ሓድሓደ ግዜ በዚ መገዲ እዚ ንምንታይ ዘይትገድፈሎም። ምስ ተመለስካ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ብኣምሆ መጺና ኸለና፡ ኣብ ገዛ ኣይነበርካን፡ ስለዚ ኸኣ ነዛ ትራክት እዚኣ ብትሕቲ ማዕጾ ኣእቲናልካ። ካብዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣየነይቲ ኽትምለሰልካ ምደለኻ፧”
6. እታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ኣብ ስብከት ውጽኢታዊት ከም እትኸውን ዚገብራ እንታይ እዩ፧
6 እታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ብቕልል ዝበለን ብቐጥታን እያ ንሓቂ እትገልጽ። ሃይማኖቶምን ባህሎምን ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት እትማርኽ እያ። ቀሊል ኣቀራርባ ስለ ዘለዋ፡ ንኣሽቱን ሓደስትን ኣስፋሕቲ እውን ከይተረፉ ኼበርክትዋ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታትዶ ትጥቀመላ ኣሎኻ፧