መዝሙር 26
ምስ ኣምላኽካ ተመላለስ!
(ሚክያስ 6:8)
1. ተመላለስ ብትሕትና፡
ፍቶ ሕያውነት፣
ንጹህ ኴንካ ተመላለስ፡
ኰስኵስ’ዚ ባህርያት።
ደድሕሪ ሓቂ ደኣ ኺድ፡
ንሰባት ኣይትስዓብ፡
ኣምላኽ ኪመርሓካ ፍቐድ፡
ኣብኡ ኸኣ ልገብ።
2. ተመላለስ ንጹህ ኴንካ፡
ሓጥያት ኣይትፈጽም፣
ሞገስ ኣምላኽ ንኽትረክብ፡
ናብ ብስለትውን ሰጕም።
ንጹህ፡ ተፈታዊ፡ ሓቂ፡
ፍቶ ቕኑዕ ተግባር፣
በዚ ነገር እዚ ሕሰብ፡
ኣብ ልብኻ ኣሕድር።
3. ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ፡
ሓሊኻ እምነትካ፣
ክትዓግብን ክትቀስንን
ክትድሰትን ኢኻ።
ምስ ኣምላኽካ ተመላለስ፡
ንዕኡውን ወድስ፣
መንግስቱ ኽትህበካ’ያ፡
ዝበለጸ ሓጐስ።
(ዘፍ. 5:24፣ 6:9፣ ፊል. 4:8፣ 1 ጢሞ. 6:6-8 እውን ርአ።)