ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰላሰል ኣሎ
1 ብ1983 ኣብቲ “ሓድነት መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባታት: ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝግበር ህንጸትን ምትዕርራይን ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን ፍሉይ ማዕከን ከም ዝዳሎ ምልክታ ተነጊሩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ካብዚ ንእሽቶ መበገስታ ጀሚርና ብዙሕ በረኸት ክንረክብ ምዃንና ኣይንፈልጦን ኢና ኔርና። ድሕርዚ: ፍጻሜ ናይ መዝሙር 92:4 ብዝያዳ ኢና ብዓይንና ኽንርእዮ ጀሚርና፣ እታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል:- “ዎ እግዚኣብሄር: ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ: ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።”
2 ኣብዚ ግዜና ዝሰላሰል ዘሎ ዕዮ ኣዝዩ ኢዩ ዘሐጕሰና። ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምህናጽ ዕዮ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ኵላትና ብእተፈላለየ መገዲ ኣብዚ ንጥፈት እዚ ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ኣሎና። ኣብ መላእ ዓለም ናይ ኣምልኾ ቦታታት ንምህናጽ ዝኸውን ገንዘብ ከከም ዓቕምና ወፈያ ብምግባር ኣብዚ ንሳተፍ ኢና። ብዙሓት ኣሕዋት እውን ነዚ ፕሮጀክት እዚ መሳርሒታቶምን ግዜኦምን ክእለቶምን ይውፍዩ ኢዮም። እዚ ምድላው እዚ ኣሳልጦ ኽረክብ ዝኽእል ኣብ ልዕሊ እቲ ጻዕርታትና መሪሕነትን ደገፍን በረኸትን የሆዋ ምስ ዝውሰኾ ኢዩ።—መዝ. 127:1
3 ሓያሎ ጨንፈራት እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተኣታተወ ኣሰራርሓ ስዒበን ኢየን። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከባ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ: ንማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን ገንዘብ ዝውፈየሉ ሳጹን ኣለወን። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ናይ መጋቢት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ምልክታ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣብዚ ፕሮግራም እዚ ምትዕርራይ ገበረ። እቲ ምልክታ ኸምዚ ይንበብ:- “ብ1983 ናይ ማሕበር ማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝዳሎ ኣትሒዙ: ኣሕዋት ብልግሲ ወፈያ ብምግባሮም ንህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ልቓሕ ክወሃብ ተኻኢሉ ኢዩ። ድሮ 2,700 ዝዀና ኣብዛ ሃገር ዝርከባ ጉባኤታት ካብዚ ምድላው እዚ ተጠቒመን ኢየን። እዚ ምድላው እዚ እንተ ዘይግበር ብዙሓት ጉባኤታት ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክሃንጻ ወይ ነቲ ዘለወን ክጽግና ኣይምኸኣላን ነይረን። ኣብዚ እዋን እዚ ገለ ኻብዚ እተወፈየ ገንዘብ ብቝጠባ ኣብ እተደቝሳ ሃገራት ንዝርከባ ጉባኤታት ልቓሕ ክንህብ ኣድላዪ ዀይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ማሕበር ኰነት እተን ካብዚ ወፈያታት ዝጥቀማ ጉባኤታት ነዚ ዘየቋርጽ ደገፍኩም ኣዝየን ኢየን ዘማስዋሉ።”
4 እዚ ምልክታ እዚ ኣብቲ ቕልጡፍ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምግባር ዝወጸ ፕሮግራም ንምስታፍ ጻውዒት ዝገብር ነበረ። ማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ካልእ ሃገራት ዘለዉ ኣሕዋት ዘድልዮም ነገራት እውን ዘማልእ ኰነ: ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝግበር ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ልቓሕ ምሃብ ድማ ቀጸለ። ኣብ ናይ ነሓሰ 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ዓንቀጽ ከምዚ በለት:- “ኣብ መላእ ዓለም ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ክህነጽ የድሊ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ጥራይ እኳ 3,288 ሓደስቲ ጉባኤታት ቈይመን ኢየን። መብዛሕትአን ካብዘን ጉባኤታት ድማ ኣብ ኣፍሪቃ: እስያ: ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ: ከምኡውን ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ኢየን ቈይመን።”
5 ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እንታይ ፍረ ተረኽበ፧ ናይ 2001 ዓመት መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሂባ ኣላ:- “እዚ ምድላው እዚ ኣብ 30 ሃገራት ኣብ ዝዕየየሉ ዘሎ እዋን ክሳዕ ሕጂ 453 ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተዛዚሙ: 727 ከኣ ይህነጽ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር በቲ ኣብቲ ዓዲ ዝርከብ ንዋትን ሜላታትን ጌርካ ሕደ ዓይነት ንድፊ ዘለዎ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ተጻዒሩ ኢዩ። ኣብ ኬንያ በእማን፣ ኣብ ቶጎ ብሕጡብ፣ ኣብ ካሜሩን ከኣ ብብሎኬቲ ይሃንጹ እሞ ይልስንዎ ኣለዉ። በዚ ኸምዚ ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ኣሕዋት ኣብቲ ፕሮግራም ኣገዳሲ ግደ ንኽህልዎም ዘድልዮም ክእለት ቀልጢፎም የጥርዩ ኣለዉ።”
6 የሆዋ ነዚ ፕሮግራም እዚ ይባርኾ ኸም ዘሎ ኣብታ ዓባይ ኣህጉር ዝዀነት ኣፍሪቃ ይርአ ኣሎ። ነዚ ገለ ኻብቲ እተሃንጸ ኣደራሻት መንግስቲ ዘርኢ ስእልታት ክትዕዘብ ከሎኻ: እዚ ህንጸት እዚ ኣብ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ኸም ዝገበረ ኣስተንትነሉ። እወ: እዚ ህንጸት እዚ ኣብ ሰለስተ መዳያት ጽልዋ ገይሩ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሓድነት ዓለምለኻዊ ሕውነት: ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከቡ ሰባት: ከምኡውን ኣብ ብዝሒ ተኣከብቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኢዩ። እዚ እታው እዚ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ እተሃንጸ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኵር እኳ እንተዀነ: ኣብ መጻኢ ዝወጽእ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ካልኦት ክፍልታት ዓለም ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ብኸመይ ይሰላሰል ከም ዘሎ ኽሕብረና ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ
ቢምቦ: ባንጒ
በጉወ: ባንጒ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኡኮንጋ: ታንዛንያ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣክራ: ጋና
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ሳላላ: ላይበርያ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ካሮይ: ዚምባብወ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣላዳ: በኒን—ቀደም ዝነበረ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
ኣላዳ: በኒን—ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ፐሚ: ቶጎ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ሶኮዴ: ቶጎ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ፊጅሮስ: በኒን
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ሊንጋ: ዛምብያ—ቀደም ዝነበረ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ሊንጋ: ዛምብያ—ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ኪንሻሳ: ኮንጎ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ሙሳምቢራ: ሩዋንዳ