ምህናጽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ
1 ኣብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘሎ ግራት ክንርኢ ከለና እቲ ብምድራዊት ማሕበር የሆዋ ዝርከብ ዘሎ ዓቢ ወሰኽ ምርኣይ ዘሐጕስ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብዘላ ዓለም ብጠቕላላ 3,288 ጉባኤታት ተወሲኸን ኢየን። ነዚ ዅሉ ወሰኽ እዚ ርኢኻ ዝያዳ ኣደራሻት መንግስቲ ናይ ምህናጽ ኣድላይነት ምህላዉ ኣየገርምን ኢዩ።
2 ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምህናጽ ኣደራሽ መንግስቲ ግዜኦምን ንብረቶምን ብወለንታ ብምውፋይ ሓለፍ ዝበለ ቅንኢ ኣርእዮም ከምኡውን ንማሕበር የሆዋ ደገፎም ሂቦም ኢዮም። እተን ከባቢያዊ ናይ ህንጻ ኮሚተታት ነቲ ፕሮጀክት ንምዕዛብ ሕድሪ ተቐቢለን ኢየን: እቲ ጻዕርታተን ድማ ዝምስገን ኢዩ። ብምልኡ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ንምህናጽ ዝግበር ምድላው በቲ ክርስትያናዊ መንፈስ ናይ ምሃብን ርእሰ-መስዋእትን—ኣንጻር እቲ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዝርአ ዘሎ መንፈስ—ኢዩ ዝፍጸም።—2 ጢሞ. 3:2, 4
3 ወለንተኛታት ነቲ ሰናይ ዕዮ ይድግፉ:- ማሕበር ነቶም ኣብ ምህናጽ ኣደራሽ መንግስቲ ዝሳተፉ ብዙሓት ወለንተኛታት ተመስግኖም ኢያ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ወለንተኛታት ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ምህናጽ ገዛእ ርእሶም ከቕርቡ ክትርእዮም ከሎኻ ብሓቂ ዘሓጕስ ኢዩ። ብምኽንያት እቲ በቶም ምስ ጉባኤኦምን ስድራቤቶምን ኰይኖም ከሕልፍዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ግዜኦም ዝሰውኡ ወለንተኛታት ሰራሕተኛ ዝርአ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፍቓደኝነት: ናይ ልግሲ ከምኡውን ናይ ምትሕብባር መንፈስ: እዚ መደብ እዚ ዓወት ክረክብ ኢዩ። (መዝ. 110:3፣ ቈሎ. 3:23) ስለቲ ዘርእይዎ ፍቕራዊ መልሰ-ግብሪ: ናእዳናን ሞሳናን ምሉእ ደገፍናን ክንገልጸሎም ዝግባእ ኢዩ።—ሮሜ 12:10፣ እብ. 13:1
4 ኵሎም እቶም ነቲ ከባቢያዊ ናይ ህንጻ ኮሚተታት ብዘይ ምቍራጽ ክሕግዙ ብቑዓት ዝዀኑ ሰባት ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ወለንተኛ ሰራሕተኛ መሕተቲ ቅጥዕታት (S-82) ክመልኡ ኣለዎም። እታ ጉባኤ ነቲ ናይ ሓደ ሰራሕተኛ ብቕዓታትን ክእለትን ብምሕባር ነቲ ቅጥዒ ናብቲ ከባቢያዊ ኮሚተ ትልኣኮ። ኣብቲ ናይቲ ወለንተኛ ሰራሕተኛ ኵነታት ለውጢ እንተድኣ ኣጋጢሙ ማለት ሓደ ሰብ ቦታ ምስ ዝቕይር ወይ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዀይኑ ምስ ዝምዘዝ ሓድሽ ቅጥዒ ብቕልጡፍ ተመሊኡ በቲ ጸሓፊ ናይታ ጉባኤ ክለኣኽ ኣለዎ። እቲ ወለንተኛ ሰብ ድሕሪ ደጊም ዘይበቅዕ እንተድኣ ዀይኑ እቶም ሽማግለታት ነቲ ከባቢያዊ ኮሚተ ብደብዳቤ ገይሮም ብቕልጡፍ ክሕብርዎ ኣለዎም። ዝያዳ ቅጥዒ እንተድኣ ኣድልዩ: በቲ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቅጥዒ ገይሮም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ እውን ኣብቶም ኣብዚ ቅዱስ ኣገልግሎት ክሳተፉ ዝደልዩ ይግደስ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንሱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነታ ጉባኤ ዝበጽሓላ ግዜ: ነቲ ቅዳሓት ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ወለንተኛ ሰራሕተኛ መሕተቲ ዝሓዘ መዝገብ ይርኣዮ።
5 ነቲ ናይ ምህናጽ ወጻኢታት ምቕናስ:- እተን ከባቢያዊ ናይ ህንጻ ኮሚተታት: ብሓደ ብቑዕ ሽማግለ ዝእለ ናይ ምዕዳግ ክፍሊ ከቝማ ተሓቢረን ኣለዋ። እቶም ኣብዚ ክፍሊ እዚ ዝሰርሑ ኣሕዋት ዋጋታት ብምንጽጻር እቲ ዝሓሰረ ምእንቲ ክረኽቡ ብትግሃት ክጽዕሩ ኣለዎም። እተን ከባቢያዊ ናይ ህንጻ ኮሚተታት እቲ ገንዘብ ብእተኻእለ መጠን ብጥንቃቐ ኣብ መዓላ ከም ዝውዕል ንምርግጋጽ ካብቲ ንመህነጺ ዝኸውን ገንዘብ እተወስደ ኵሉ ወጻኢታት ኣቐዲመን ክርእዮኦ ኣለወን። ዝዀነ ይኹን ናይ መንግስቲ ኣደራሽ ፕሮጀክት ማለት ሓድሽ ይዅን ምሕዳስ ምስ ዝህሉ እሞ ካብቶም ኣብቲ ኣደራሽ ዝእከባ ጉባኤታት (እትእከብ ጉባኤ) ወጻኢ ዝዀኑ ወለንተኛታት ዓየይቲ ዝሓዘ እንተድኣ ኰይኑ እታ ከባብያዊ ኮሚተ ነቲ ፕሮጀክት ክትቈጻጸሮ ኢያ።
6 ዋላ እኳ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ፍቕሪ ናይ ብዙሓት ደቅሰብ እንተ ዘሓለ: ህዝቢ ኣምላኽ ግን ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ከም ዘለዎም መርትዖ ምሃብ ክቕጽሉ ኢዮም: እዚ ፍቕሪ እዚ ዓሌትን ዶብን ዘይግድቦ ፍቕሪ ኢዩ። (ማቴ. 24:12) ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ብምምሳል: ኣብ ምህናጽ ኣደራሽ መንግስቲ ብፍታው ሓገዝ ብምሃብ ከምዚ ዝበለ ፍቕሪ ንምርኣይ እንቕጽል ይግበረና። ከምዚ እንተድኣ ገይርና ናይ የሆዋ በረኸትን ተቐባልነትን ከምጽኣልና ኢዩ።—ሚል. 3:10፣ እብ. 6:10