ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/02 ገጽ 8
  • “ንዘኽታማት” ሕለየሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንዘኽታማት” ሕለየሎም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቦ ዘኽታማት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንጽል ወላዲ ዘለወን ስድራቤታት ክዕወታ ይኽእላ ኢየን!
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ንንጽል ወለዲ ሕለየሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣቦ ዘይብለን ስድራቤታት—ነቲ ዑደት ምቍራጹ
    ንቕሑ!—2000
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 11/02 ገጽ 8

“ንዘኽታማት” ሕለየሎም

1 የሆዋ “ኣቦ ዘኽታማት” ኢዩ። (መዝ. 68:⁠5) ንዖኦም ዘለዎ ሓልዮት ኣብቲ ንጥንታዎት እስራኤላውያን “ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም። እንተ ገፋዕካዮም: እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ: ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ” ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ተንጸባሪቑ ኣሎ። (ዘጸ. 22:22, 23) ብዘይካዚ ሕጊ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብስጋ ንምድጋፍ እተገብረ ምድላዋት ነይርዎ ኢዩ። (ዘዳ. 24:⁠19-21) ኣብ ክርስትና እውን ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ‘ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ክበጽሕዎም’ ተማዒዶም ኣለዉ። (ያእ. 1:27) የሆዋ ኣብቶም እናበዝሑ ዝኸዱ ዘለዉ ብንጽል ወላዲ ወይ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ዝዓብዩ ውሉዳት ዘለዎ ሓልዮት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

2 መንፈሳዊ ምልምማድ:- እቶም ንጽል ወለዲ ዝዀኑ ወይ ዘይኣማኒ በዓል ሓዳር ዘለዎም ወለዲ: ንደቆም ስርዓታዊ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ በዳሂ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ውሉዳቶም ሚዛኖም ሓልዮም ብሱላት ኰይኖም ንኽዓብዩ ትርጕም ዘለዎ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሑሎም የድሊ። (ምሳ. 22:⁠6) ኣብ ርእሲ እዚ እውን መዓልታዊ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ከዘራርብዎም ይግባእ። (ዘዳ. 6:⁠6-9) እዞም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘለዉ ወለዲ ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ይቘርጹ ይዀኑ: እንተዀነ ግን በዚ ኽሕለሉ የብሎምን። ንውሉዳቶም ‘ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ንምዕባይ’ የሆዋ ሓይልን መምርሕን ክህቦም ክልምንዎ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ኤፌ. 6:⁠4

3 ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነቶም ንምስካም ሓገዝ እንተ ደልዮም: ንሽማግለታት ክነግሩ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ሽማግለታት ድማ ጠቓሚ ሓሳባት ክህብዎም ወይ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ንኽህልዎም ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም።

4 ካልኦት ብኸመይ ከም ዝሕግዙ:- ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጢሞቴዎስ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እኳ እንተ ዓበየ: ቀናእ ኣገልጋሊ የሆዋ ዀነ። ኣዲኡን ዓባዩን ገና ብንእሽቶኡ ኸሎ ቕዱሳት ጽሑፋት ንኽምህራኦ ዝገበራኦ ሓያል ጻዕሪ ብዙሕ ከም ዝጠቐሞ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ግብ. 16:⁠1, 2፣ 2 ጢሞ. 1:⁠5፣ 3:⁠15) እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግን: ምስ ካልኦት ክርስትያናት እንተላይ ምስቲ “ብጐይታ ፍቑርን እሙንን ወደይ” ኢሉ ዝጸውዖ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምሕባሩ እውን ተጠቒሙ ኢዩ።​—⁠1 ቈረ. 4:⁠17

5 ሎሚውን ብተመሳሳሊ ብመንፈስ ብሱላት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ዘኽታማት ሓልዮቶም ምስ ዘርእይዎም ብዙሕ ኢዮም ዝጥቀሙ። በብስሞም ትፈልጦም ዲኻ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን ተዘራርቦም ዲኻ፧ ምሳኻ ናብ ግራት ኣገልግሎት ክኸዱ ዓድሞም። ምናልባት ሓድሓደ ግዜ ምስቲ ንጽል ወይ ኣማኒ ወላዲኦም ኣብ ናይ ስድራቤትካ መጽናዕቲ ኽመጹ ወይ ጥዑይ መዘናግዒ ብምድላው ኽትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወሉዳት ከም ዓርኮም ገይሮም ክርእዩኻ ምስ ጀመሩ: ነቲ እተርእዮም ኣብነት ክቐድሕዎን ነቲ እትህቦም ምትብባዕ ክቕበሉኻን ይቐሎም ኢዩ።​—⁠ፊል. 2:⁠4

6 የሆዋ ንዘኽታማት ኣጸቢቑ ይሓልየሎም ኢዩ። ሓቂ ናታቶም ንኽገብርዋ ንምድጋፎም እንገብሮ ጻዕርታት እውን ይባርኾ ኢዩ። ብንጽል ወላዲ ወይ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ዝዓበዩ ብዙሓት ውሉዳት ከምዚ ዝኣመሰለ ምትብባዕ ብምርካቦም ሕጂ ፓይነራት: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ሽማግለታት: ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ሚስዮናውያን: ወይ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኵላትና ንሰማያዊ ኣቦና ብምምሳል ንዘኽታማት ፍቕርና ‘እነግፍሓሎም’ መገድታት ንድለ።​—⁠2 ቈረ. 6:⁠11-13

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ