ኣቦ ዘይብለን ስድራቤታት—ነቲ ዑደት ምቍራጹ
እዚ ዘሎ ኣንፈት ከም ዘለዎ እንተድኣ ቐጺሉ ኣቦ ዘይብለን ስድራቤታት ምህላው ልሙድ ክኸውን ኢዩ። ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን እተዋህበ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ወላዲ ጥራይ ዘዕብዮም ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሓደ ነጥቢ ናይ ምምጻእ ኣጋጣሚ: ናይ ባህሪ ጸገማት: ከምኡውን ዝለዓለ ገምጋም ናይ ሕዱር ሕማምን ስነ-ልቦና ጸገምን ኣለዎም። . . . ኣደ ጥራይ ኣብ ዘላቶ ስድራቤት ምዕባይ ምስ ዝለዓለ ሓደጋ ናይ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ምውላድ: ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘይምውዳእ: [ከምኡውን] ምስ ማእሰርቲ ዝምድና ኣለዎ።”
ሊቃውንቲ ማሕበራዊ ናብራ: ናይ ስድራቤት ኣማኸርቲ: ሰብ ሞያ ትምህርቲ: አረ ፖለቲካውያን እውን ከይተረፉ እዚ ኣዕናዊ ዝዀነ ኣንፈት እዚ ጠጠው ክብለሉ ዝከኣል መገድታት ንምርካብ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ ኣለዉ። ኣቦ ምዃን ዘዅርዕ ምዃኑ ከም ዝርድኡን እቲ ኣቦታት ኣብ ስድራቤቶም ዘለዎም ግደ ከም ዝፍጽሙን ንምግባር ዝጕስጕስ ዓቢ ኣኼባታት ንሰብኡት ተገይሩሎም ኢዩ። ብዛዕባ ኣቦ ምዃን ዝገልጽ መጻሕፍቲ ንዕዳጋታት ኣዕለቕሊቑ ኣሎ። ኣቦታት ሓላፍነቶም ንኽፍጽሙ ንምግዳድ ጻዕሪ ተገይሩ ኢዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ደቆም ዘይኣልዩ ኣቦታት” ብፈራዶ ተቐጺዖም: ኣብ ቲቪ ክዛረቡ ተገዲዶም: ብህዝቢ ከም ዝዋረዱ ተገይሮም ኢዮም። እዚ ጻዕርታት እዚ ግን ጽቡቕ ውጽኢት ኣይተረኽቦን።
ናይ ተብተብ መፍትሒታት
ብተብተብ ዝግበር መፍትሒታት ኣጠራጣሪ ውጽኢት ኣለዎ። ንኣብነት ሓንቲ እተፋትሐት ሰበይቲ ደቃ ኣቦ ከም ዝረኽቡ ንምግባር ብሃወኽ እንደገና ትምርዖ ትኸውን። እንደገና ምምርዓው ዘምጽኦ ጥቕሚ እኳ እንተሎ ጸገማት ግን ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ቈልዑ ሓድሓደ ግዜ ንሓድሽ ሰብ ከም ኣቡኦም ገይሮም ክቕበልዎ የሸግሮም ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ፈጺሞም ኣይቅበሉዎን ኢዮም። ሓደ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ “ምስተን 50% ዝዀና ኣብ ዘይተበተነ ስድራቤት ዝዓብያ ኣዋልድ ተወዳዲሩ . . . ዳርጋ ክልተ ሲሶ ናይተን ምስ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዝዓብያ ኣዋልድ ደቂ 19 ዓመት ቅድሚ ምዃነን ካብ ቤተን ይወጻ።” ኣብተን ዕዉታት ዝዀና ሰብኣይ ኣደ ዘለወን ስድራቤታት እውን እቲ ሰብኣይ ኣደ በቶም ቈልዑ ተቐባልነት ንኽረክብ ብዙሕ ዓመታት ኢዩ ዝሓልፍ።a
ብተመሳሳሊ: ነቲ ኣብ እዋን ዕድመ ኰተቴ ዘጋጥም ጥንሲ ብተብተብ ዝግበር መፍትሒ የብሉን። ንኣብነት ጥንሲ ምስዳድ ሕጊ ኣምላኽ ዝጥሕስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ እታ መንእሰይ ኣደ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝዓቢ ዘሎ ደቂቕ ፍጥረት ንኸይትድንግጸሉ ዝገብራ ኢዩ። (ዘጸኣት 20:13፣ 21:22, 23 NW፣ መዝሙር 139:14-16፣ ምስ 1 ዮሃንስ 3:17 ኣረኣእዮ።) እዚ ስምዒታዊ በሰላ ከይሓደገ ክሓልፍ ይኽእልዶ፧ ውሉድካ ካልኦት ከዕብይዎ ምሃብ እቲ ብዙሓት ከም ሰብኣውነት ዘለዎ መፍትሒ ገይሮም ዝርእይዎ ኢዩ: እንተዀነ ግን እዚ እውን ኣብታ ኣደ ይኹን ኣብቲ ውሉድ ስምዒታዊ በሰላ ክሓድግ ይኽእል ኢዩ።
ብተብተብ ዝግበር መፍትሒታት ነቲ ናይ ኣቦ ዘይብለን ስድራቤታት ዑደት ከም ዘቋርጽ ኣይገብሮን ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ስድራቤታት ኣንፈት ክዕረ ዝኽእል ሰባት ኣብ ኣተሓሳስብኦም: ኣረኣእይኦም: ባህሪኦም: ስነ-ምግባሮም ዓሚቝ ለውጢ ክገብሩ ፍቓደኛታት ምስ ዝዀኑ ጥራይ ኢዩ። ሰባት ነዚ ሰፊሕ ለውጢ እዚ ክገብሩ ንኽለዓዓሉ ካብ ብኽእለት ምዝራብን ኣብ ሰባት ተቐባልነት ዘለዎ ስነ-ኣእምሮን ዝለዓለ ነገር ኢዩ ዘድሊ። እዚ “ዝለዓለ ነገር” እዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዝርከብ። ከም ሓቁ ስድራቤት ዘዳለወ ኣምላኽ ባዕሉ ኢዩ። (ኤፌሶን 3:14, 15 NW) ቈልዑ እንታይ ከም ዘድልዮም ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ንሱ ኢዩ ዝፈልጥ።
መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ: ስድራቤታት ንኽዕወታ ይሕግዝ
መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ሓደ ካብ ወለዶም ምስኦም ዘየለ ቈልዑ ግን ብሓቂ ክሕግዞም ይኽእልዶ ኢዩ፧ ኽዕረዩሉ ብዘይክእሉ መገዲ እተጐድኡዶ ኸይኰኑ፧ ብፍጹም ከምኡ ኣይኰነን። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓንቀጽ እዚ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝቐረበ: ዝርዝር ናይቲ እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ዘጋጥሞም ሓደጋታት ጠቒስና ነይርና ኢና። እቲ ጸብጻብ ምንም እኳ ከቢድ መጠንቀቕታ ዝህብ እንተዀነ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይድምድም:- “ብዙሕ ሓደጋ ክህሉ ከም ዝኽእል ዘየተሓታትት መርትዖ እኳ እንተሃለወ: እቲ እተገብረ ምርምር ግን መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ንጽል ወላዲ ዘለዎ ስድራቤታት ዝዓብዩ ቈልዑ ንቡር ኣተዓባብያ ከም ዝረኽቡ ኢዩ ዘርኢ።” እወ: እቲ ኣቦ ብዘይምህላዉ ዝመጽእ ሳዕቤናት ክለግስ ወይ ክጐድል ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ ከምዚ ዝኸውን ቈልዓ ኣብ ምዕባይ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝትግበር ኢዩ።
እዚ ብወገን ንጽል ወለዲ ብርቱዕ ጻዕሪ ይሓትት: ኣብ መጀመርታ ካብ መጠን ንላዕሊ ከቢድ ክመስል ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ኵነታት እዚ እንተድኣ ኣሊኻ: ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ምውካል ተምሃር። (ምሳሌ 3:1, 2) ገለ ካብተን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ዝነበራ ክርስትያን ኣንስቲ ከም መበለት ምዃን ዝኣመሰለ ዘሕዝን ኵነታት የጋጥመን ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ እዘን ከምዚአን ዝበላ ኣንስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “እታ ንበይና እትነብር: ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር: ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና: ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:5) የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ‘ኣቦ ዘኽታማት [“እቶም ኣቦ ዘይብሎም:” NW]’ ኢሉ ከም ዝጽውዓ ኣይትረስዕ። (መዝሙር 68:5) ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ደቃ ኣብ ምዕባይ ንእትገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ከም ዝድግፋ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ንደቅኻ ስርዓታዊ ኴንካ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ምስ ዓበዩ ሚዛናውያንን ብሱላትን ንኽዀኑ ዝሕግዞም ኣገዳሲ መገዲ ኢዩ። (ዘዳግም 6:6-9) ብዙሓት ንጽል ወለዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብፍላይ ንመንእሰያት ተባሂሉ እተዳለወ ከም መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታትንb (እንግሊዝኛ) ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ይጥቀሙሉ ኢዮም። እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓበሬታ እቶም ቈልዑ ነቲ ወለዶም ዝገበርዎ ጌጋ ንኸይደግሙ ዝሕግዞም ስነ-ምግባራዊ ኣቕዋም ንኸማዕብሉ ይድግፎም። ቈልዑ ንየሆዋ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ምስ ከዱ ብዛዕብኦም ኣጸቢቑ ዝግደስ ሰማያዊ ኣቦ ከም ዘለዎም ክርድኦም ይጅምር። (መዝሙር 27:10) እዚ ነቲ ከም እተጠንጠኑ ኰይኑ ዝስምዖም ክዋጽኡሉ የኽእሎም። ሓንቲ ኣብ ህይወታ ናይ ወለዳ ምፍልላይ ዘጋጠማ ጓል ዓዲ እንግሊዝ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ኣደይ ኵሉ ግዜ ጸሎት ምግባርን ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ምውካልን ኣድላዪ ምዃኑ ሰሪጻትለይ ኢያ። እዚ ኸኣ ኢዩ ንኽንዕወት ዝሓገዘና።”
ነቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ውሉድን ዘሎ ማእሰር ከም ዝኸርር ምግባሩ
መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ውሉድ ኣቦኡ ከምኡውን ኣዲኡ ከኽብር ከም ዘለዎ ብግልጺ ኢዩ ዝነግር። (ዘጸኣት 20:12) ፍትሕ ነቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ውሉድን ዘሎ ማእሰር ኣይበትኮን ኢዩ። እቲ ቅድም በዓል ቤት ዝነበረ ሕጂ ምስታ ስድራ ዘይነብር እኳ እንተዀነ: እቶም ቈልዑ ምስኡ ምዉቕ ርክብ ምስ ዝህልዎም ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም።c ጸገም ዝኸውን እታ ኣደ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቦ ናይ ሕርቃን ስምዒት ምስ ዝህልዋ ከምኡውን ምስቶም ቈልዑ ርክብ ክህልዎ ባህ ምስ ዘይብላ ኢዩ። እታ ኣደ ነዚ ስምዒታት እዚ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኵራ ናብ ጸርፊ ኸይደፍኣካ ተጠንቀቕ: ናብ መከራ ከይትምለስ ተጠንቀቕ’ ብምባል ጽቡቕ ምኽሪ ይህብ። (እዮብ 36:18-21) ብዛዕባ ሓደ ዝጐድኣኪ ወይ ዝጠንጠነኪ ሰብ ጽቡቕ ክትዛረቢ ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ንገዛእ ርእስኺ ከምዚ ኢልኪ ሕተትያ:- ‘ሓንቲ ጓል ኣቦኣ ርጉም ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ትንገር እንተድኣ ዀይና ንሰብኣይ ምእማን ክትምሃር ትኽእልዶ፧ ሓደ ወዲ ክቕጻዕ ከሎ “ልክዕ ከም ኣቦኻ ኢኻ” ዝብሃል እንተ ዀይኑ ርጉእ ናይ ሰብኣይ ባህሪ ክህልዎ ይኽእልዶ፧ ውሉዳት ኣቦኦም ክጸልኡ ወይ ፈጺሞም ምስ ኣቦኦም ከም ዘይራኸቡ ምግባሮም ኣብ ስልጣን ግቡእ ክብሪ ክህልዎም ይኽእልዶ፧’ እቲ ደቅኺ ምስ ኣቦኦም ዘለዎም ርክብ ከም ዝዳኸም ምግባር እምበኣር ጐዳኢ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንቕኑዕ ቍጥዐ ከም ዘይኵንኖ ምስ እትፈልጥ ይገርመካ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ” ይብል። (ኤፌሶን 4:26) ምቝጣዕ ሓጢኣት ኣይኰነን እንተዀነ ግን ህይወትካ ‘ብዅራ: ምንጽርጻር: ክፍኣት: ጸርፊ’ ትምራሕ እንተ ዀይና ሓጢኣት ኢዩ። (ቈሎሴ 3:8) ስለዚ ኣብ ቅድሚ ደቅኺ ‘ንኣቦኦም ምምንጫት’ ፈጺምኪ ግደፊ። ጭንቀትኪ ክትዛረብሉ ምስ እትደልዪ ነቲ ‘ዝሓደረኪ ጓሂ’ ምስ ደቅኺ ዘይኰነስ ምስ ሓንቲ ትኣምንያ ፈታዊት ብምዝራብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ሰዓቢ። (ምሳሌ 12:25) ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዚ ብሕሉፍ ነገራት ኣይተስቈርቍሪ። (መክብብ 7:10) ከምዚ ምግባርኪ ሕርቃንኪ ንምህዳእ ኣጸቢቑ ክሕግዘኪ ይኽእል ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቦ ኣብነት ዝኸውን ምምልላስ ምስ ዘይህልዎ እውን ውሉድ ኣቡኡ ከኽብር መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝእዝዝ ዘክሪ። (ኤፌሶን 6:2, 3) ስለዚ ደቅኺ ኣብቲ ናይ ኣቦኦም ድኽመት ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ክህልዎም ሓግዝዮም። ኣብ ሓንቲ ኣቦን ኣደን እተፈላለዩላ ስድራቤት ዝዓበየት ሰበይቲ ከምዚ ትብል:- “ኣቦይ ዝጋገ: ዘይፍጹም ሰብ ከም ዝዀነ ገይረ ብምርኣየይ ኣብኡ ዘለኒ ኣመለኻኽታ ሚዛናዊ ክኸውን ክኢሉ ኢዩ።” ደቅኺ ኣቦኦም ንኸኽብሩ ብምትብባዕኪ ነቲ ከም ወላዲት መጠን ዘለኪ ሓላፍነት ጥዑይ ኣረኣእያ ንኽህልዎም ትሕግዝዮም!
ነቲ ከም ወላዲት መጠን ዘለኪ ግደን ከም ውሉዳት መጠን ዘለዎም ግደን ኣይትሓዋውስዮ። ደቅኺ ገና ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ‘ትምህርቲ ወላዲት’ ኢዮም ዘለዉ። (ምሳሌ 1:8) ኣወዳት ከም ‘ሰብኣይ ገዛ’ ክዀኑ ትጽቢት እንተ ተገይሩሎም ክኸብዶም ይኽእል ኢዩ። ኣዋልድ ከኣ መማኽርቲ ኣዲአን ብምዃን ብሓላፍነት ክዕብለላ የብለንን። ቈልዑ ንስኺ ከም ወላዲት መጠን ክትኣልይዮም ምዃንኪ ክተኣማመኑ ድኣ ኢዩ ዘለዎም እምበር ግርምቢጥ ክኸውን የብሉን። (ምስ 2 ቈረንቶስ 12:14 ኣረኣእዮ።) ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን እንተለዎም ናይ ስድራቤቶም ኵነታት ከምቲ ግቡእ እንተ ዘይኰነውን ከም ዝቐስኑ ይገብሮም።
ኣብ ክንዲ ኣቦ ዀይኖም ዝኣልዩ
እቲ ኣቦ ኣብታ ስድራቤት ፈጺሙ ግደ ምስ ዘይህልዎኸ፧ እቶም ቈልዑ ምስ ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ሕብረት ብምግባር ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ኢዮም ክኢላታት ዝዛረቡ። ኣኮ ወይ ጐረቤት ኣብቲ ቈልዓ ተገዳስነት ምስ ዘርኢ ሰናይ ኢዩ: ብፍላይ ግን ካብቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝረኽቦ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጥዑይ ሕብረት ክጥቀም ይኽእል ኢዩ። የሱስ እታ ጉባኤ ደጋፊት ስድራቤት ከም እትኸውን ኢዩ መብጽዓ ኣትዩ።—ማርቆስ 10:29, 30
ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋን እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ብዘይ ደገፍ ናይ ኣማኒ ኣቦ እኳ እንተ ዓበየ ሓለፍ ዝበለ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክኸውን ክኢሉ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሳላ እተን ፈቃራት ኣዲኡን ዓባዩን ከም ዝዀነ ይገልጽ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:1-5) ይኹን እምበር: ምስ ክርስትያን ሰብኣይ ማለት ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምሕባሩ እውን ተጠቒሙ ኢዩ። ጳውሎስ “ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ” ብምባል ጸዊዕዎ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 4:17) ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ” ዝብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክስዕቡ ይተባብዑ ኢዮም። (ያእቆብ 1:27) ቅኑዕን ሚዛናውን ተገዳስነት ብምርኣይ ነቲ ‘ዘኽታም ከናግፉ’ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ። (እዮብ 29:12) ሓንቲ ኣኔት እትብሃል ጐርዞ ነቲ ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ዘርኣያ ተገዳስነት ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ኣብ ህይወተይ ልክዕ ከም ኣቦ ዝዀነኒ ንሱ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።”
ነቲ ዑደት ምቍራጹ
እዚ መምርሒታት እዚ እቶም ኣቦ ዘይብሎም ውሉዳት ንኽዕወቱ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ግዜ ቍልዕነቶም ጸገም እንተ ኣጋጠሞም እኳ ሚዛናውያንን ኣፍረይትን በጽሕታት ካብኡ ሓሊፎም ከኣ ፈቃራት: እሙናት: ከምኡውን ሓላፍነት ዝስምዖም ወለዲ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸላኺልካ ጥዕና ይሓይሽ። ሰብኡትን ኣንስትን ከም ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻም ከምኡውን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡትን ኣንስትን ሰብ ሓዳር ዝህቦ መለክዒታት ምስዓብ ዝኣመሰለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ክትግብሩ ምስ ዝውስኑ ጥራይ ኢዩ እቲ ናይ ኣቦ ዘይብለን ስድራቤታት ዑደት ከቋርጽ ዝኽእል።—1 ቈረንቶስ 6:9፣ ኤፌሶን 5:21-33
ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ቤቶም ኣቦታት ኣለዉዎም እንተዀነ ግን ኣቦ ዘይብሎም ተባሂሎም ክጽውዑ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ብዛዕባ ጕዳይ ስድራቤት ክኢላ ዝዀነ ሰብኣይ ከምዚ ይብል:- “እቲ ሎሚ ንቘልዑ ዘጋጥሞም ዝዓበየ ጸገም . . . ምስ ወለዶም ዘሕልፍዎ ግዜ ዘይምህላዉን ካብ ወለዶም ቈላሕታ ዘይምርካብን ኢዩ።” ቃል ኣምላኽ ነዚ ጸገም እዚ ብቐጥታ ይዛረበሉ ኢዩ። ንኣቦታት ብዛዕባ ደቆም ከምዚ ኢሉ ይእዝዞም:- “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም።” (ኤፌሶን 6:4፣ ምሳሌ 24:27) ኣቦታት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ክስዕቡ ከለዉ: ውሉዳት ከይጥንጠኑ ኣይሰግኡን ኢዮም።
ሰባት ብብዝሒ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ክስዕቡ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ግን ርትዓዊ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን። (ማቴዎስ 7:14) ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሚልዮናት ስድራቤታት ብናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ኣብ ናብራ ስድራቤቶም ሓጐስ ክረኽቡ ሓጊዞምዎም ኢዮም።d ርግጽ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኵሎም እተመርዓዉ ሰባት ብምኽንያት ዘይፍጽምና “ብስጋ መከራ ይረኽቡ” ምዃኖም የጠንቅቕ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:28) እቶም ብሓቂ ንቓል ኣምላኽ ዘኽብሩ ሰባት ግን ነቲ ዘጋጥሞም ሽግር ክፈትሕዎ ይጽዕሩ ድኣ እምበር ጸገም ከጓንፎም ምስ ጀመረ ናብ ፍትሕ ኣይጓየዩን ኢዮም። ሓቂ ኢዩ ሓደ ክርስትያን ምፍልላይ ወይ ፍትሕ ክመርጽ ግቡእ ዝዀነሉ እዋናት ኣሎ። (ማቴዎስ 5:32) ይኹን እምበር: እዚ ስጕምቲ እዚ ምውሳድ ኣብ ልዕሊ ደቆም ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ብምርዳእ: ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ እቲ ሓዳር ክቕጽለሉ ዝኽእል መገዲ ኢዮም ዝደልዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ሕጂ ስድራቤትካ ንምዕቃብ ጥራይ ዘይኰነስ: ካልእ ጥቕሚውን ኣለዎ። ንዅሉኹም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ይኸፍተልኩም! የሱስ ከምዚ ኢሉ ነይሩ:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃንስ 17:3) ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ምኽሪ ምንባቡን ኣብ ተግባር ምውዓሉን ሓደ ካብቲ ስድራቤትካ ንዘለኣለም ገለ ጕድኣት ከይወረዳ እትቕጽለሉ ዝበለጸ መገድታት ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ነተን ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን ስድራቤታት ዝሕግዝ ሓበሬታ ኣብ ብጸይቲ ናይዛ መጽሔት ዝዀነት ግምቢ ዘብዐኛ: ሕታም ናይ 1 መጋቢት 1999 ወጺኡ ኣሎ።
b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እትሓትመት።
c ሓደ ቘልዓ ካብ ኣቡኡ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ማህሰይቲ ዝወርዶ እንተ ዀይኑ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ግብሪ ኣይውዕልን ኢዩ።
d እታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት እትብሃል መጽሓፍ (ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት) ንስድራቤታት ክሕግዝ ዝኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብዙሕ ምኽሪ ኣለዋ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ካብቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓታት ብምስዓብ ሓደ ንጽል ወላዲ ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ዕዉት ክኸውን ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ብዙሕ ግዜ ክርስትያን ሰብኡት ቅኑዕን ሚዛናውን ተገዳስነት ብምርኣይ ነቲ ‘ኣቦ ዘይብሉ ከናግፉ’ ይኽእሉ ኢዮም