ኣቦታት ካብ ደቆም ዝፍለዩሉ ዘለዉ ምኽንያት
“ኣቦይን ኣደይን ክብኣሱ ወይ ክቋየቑ ፈጺሙ ኣይዝከረንን። ኣነ ዝርድኣኒ ኣቦይ ምሳና ምንባሩ ኢዩ: ሓደ መዓልቲ ግን ብሃንደበት ካብ ገዛ ጠፍአ! ክሳዕ ሎሚ ኣቦይ ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን ኢየ። ፍቕሪ ኣቦ ኸም ዘይብለይ እፈልጥ ኢየ።”—ብሩስ
“ካብቶም ደቂ ቤት ትምህርተይ ምሳይ ዝነብር ኣቦ ዘይብሉን ኣብ ዓቢ ገዛ ዘይነብርን ቈልዓ ኣነ ጥራይ ኢየ ነይረ። . . . ኵሉ ግዜ ካብ ካልእ ሰብ ንበይና ዝዓይነተይ እመስለኒ ነበረ። ካብ ኵሎም መሳቶይ ኣጸቢቐ እተፈለኹ ኰይኑ እስምዓኒ ነበረ።”—ፓትሪሻ
ኣቦ ዘይብለን ስድራቤታት ምስ ምዕባለ ኢንዱስትሪ ተተሓሒዙ ዝጀመረ ሓደጋ ኢዩ። ናይ ፋብሪካ ስራሕ ንሰብኡት ካብ ቤቶም ከርሕቖም ምስ ጀመረ: እቲ ኣቦታት ኣብ ስድራቤት ዝነበሮም ጽልዋ ክዳኸም ጀመረ፣ እቲ ኣዴታት ውሉዳት ኣብ ምዕባይ ዝነበረን ግደ ኸኣ እናዓበየ ኸደ።a እንተዀነ ግን ሽዑ ብዙሓት ኣቦታት ምስ ስድራቤቶም ምንባር ቀጺሎም ኢዮም። ኣብ መፋርቕ 1960ታት ግን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገምጋም ፍትሕ ብሃንደበት ክውስኽ ጀመረ። እቲ ንፍትሕ ዝዓግት ዝነበረ ሃይማኖታዊ: ቍጠባዊ: ከምኡውን ማሕበራዊ ሓጹራት እናጠፍአ መጸ። በቲ ፍትሕ ንቘልዑ ኣይጎድእን ኢዩ አረ ንሰናዮም ኢዩ ዝብል ክኢላታት ኢና በሃልቲ ዝሃብዎ ምኽሪ ተደፋፊኦም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቍጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት ሰብ ሓዳር ክፋትሑ መረጹ። ብመሰረት እቲ ዲቫይድድ ፋሚሊስ—ዋት ሃፐንስ ቱ ቺልድረን ወን ፓረንትስ ፓርት ዝበሃል ብፍራንክ ኤፍ. ፈርስተንበርግ ጁንየር ከምኡውን ብኣንድሪው ጀይ. ቸርሊን እተጻሕፈ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዝብሎ “[ካብ 1960ታት ኣትሒዙ] ኣብ በልጅየም: ፈረንሳ: ከምኡውን ስዊዘርላንድ ገምጋም [ፍትሕ] ዕጽፊ ኰይኑ ኣሎ: ኣብ ካናዳ: ዓዲ እንግሊዝ: ከምኡውን ኔዘርላንድ ኸኣ ሰለስተ ዕጽፊ ኰይኑ ኣሎ።”
ድሕሪ ፍትሕ: ቈልዑ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣዴታቶም ዝተርፉ እኳ እንተዀኑ: ብዙሓት ካብቶም ዝፍለዩ ኣቦታት ምስ ደቆም ጽቡቕ ርክብ ክህልዎም ኢዮም ዝደልዩ። ብኽልቲኦም ወለዲ ዝግበር ምንባይ ሓደ ካብቲ ልሙድ ዝዀነ ናይቲ ግድል መፍትሒታት ኢዩ። እንተዀነ ግን እቲ ዘገርም ብዙሓት ካብቶም እተፋትሑ ኣቦታት ምስ ደቆም ብዙሕ ርክብ የብሎምን። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝገልጾ ካብ 6 ቘልዑ እቲ 1 ጥራይ ኢዩ ነቲ እተፋትሐ ኣቡኡ ወይ ኣቡኣ ሰሙን ሰሙን ዝርኢ ወይ እትርኢ። ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ቈልዑ ድማ ሓደ ዓመት ምሉእ ኣቦኦም ዘይረኣዩ ኢዮም!
ድኽመት ናይቲ ብኽልቲኦም ወለዲ ዝግበር ምንባይ
እተፋትሑ ሰብ ሓዳር ክልቲኦም ብሓባር ኣለይቲ ንኽዀኑ ኣብ መንጎኦም ምትሕብባርን ምትእምማንን ዝሓትት ኢዩ። እዚ ባህርያት እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይርከብ ኢዩ። ተማራመርቲ ፈርስተንበርግን ቸርሊንን ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብሉ:- “ሓደ ካብቲ ኣቦታት ደቆም ምብጻሕ ከም ዝገድፍዎ ዝገብሮም ቀንዲ ምኽንያት ምስተን ቅድም ኣንስቶም ዝነበራ ዘራኽቦም ዋላ ሓንቲ ነገር ክህልዎም ስለ ዘይደልዩ ኢዩ። ብዙሓት ኣንስቲ እውን ኣብቶም ቅድም ሰብኡተን ዝነበሩ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለወን።”
ሓቂ ኢዩ ብዙሓት እተፋትሑ ሰብኡት ንደቆም ስርዓታውያን ኰይኖም ይበጽሕዎም ኢዮም። እንተዀነ ግን ከም ቀደሞም ኣብ መዓልታዊ ህይወት ደቆም እቱዋት ስለ ዘይኰኑ ክራኸቡ ከለዉ ከም ኣቦታት ክዀኑ የሸግሮም ኢዩ። ብዙሓት ከም መጻውቶም ይዀኑ: ዳርጋ ብምሉኡ እቲ ብሓንሳብ ዝዀኑሉ ግዜ ኣብ ምዝንጋዕ ወይ ዕዳጋ የሕልፍዎ። ሓደ ወዲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ኣሪ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣቡኡ ዘሕልፎ ቀዳመ-ሰንበት ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “እተወሰነ መደብ ዝበሃል የለን: ወይ ከም ‘ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን እቶ’ ዝብል ቀይድታት የለን። ኵሉ ነገር ከም ድላይካ ኢዩ። ናጽነት መሊኡ ኢዩ። ኣቦይ ከኣ ኵሉ ግዜ ህያብ ይዕድገለይ።”—ብጂል ክረመንትስ እተዳለወ ሃው ኢት ፊልስ ወን ፓረንትስ ዲቮርስ (እንግሊዝኛ)።
ሓደ ፈቃር ኣቦ ‘ንደቁ ጽቡቕ ህያብ ብኸመይ ከም ዝህብ ክፈልጥ’ ኣለዎ። (ማቴዎስ 7:11) ህያብ ግን ነቲ ሓደ ወላዲ ክህቦ ዘለዎ ኣድላዪ መምርሕን ተግሳጽን ክትክእ የብሉን። (ምሳሌ 3:12፣ 13:1) ሓደ ወላዲ ነቲ ከም ኣቦ መጠን ዘለዎ ቦታ ሓዲጉ ከም መጻውትቲ ወይ ዝበጽሕ ጋሻ ምስ ዝኸውን እቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዘሎ ርክብ ምብልሻዉ ዘይተርፎ ኢዩ። ሓደ መጽናዕቲ ከምዚ ብምባል ይድምድም:- “ፍትሕ ነቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ዉሉድን ዘሎ ርክብ ንዅሉ ግዜ ክበትኮ ይኽእል ኢዩ።”—ጆርናል ኦቭ መርየጅ ኤንድ ዘ ፋሚሊ: ግንቦት 1994 (እንግሊዝኛ)
ገሊኦም ሰብኡት ኣብ ህይወት ደቆም ዘለዎም ግደ ብምቍራጹ ስምዒቶም ስለ ዝጕዳእን ዝሓርቁን ወይ ከኣ ምናልባት ብምኽንያት ዘይተገዳስነት ክኸውን ይኽእል: ንስድራቤቶም ይጥንጥኑን እቲ ዘድሊ ቍጠባዊ ደገፍ ምሃብ ይኣብዩን።b (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ሓደ ዝመረሮ ኰተቴ ብዛዕባ ኣቦኡ ከምዚ ይብል:- “ብዛዕባ ኣቦይ ዝፈትዎ ዋላ ሓንቲ ነገር የብለይን። ኣብ ስድራቤትና ዋላ ሓንቲ ግደ የብሉን: ፈጺሙ ኣይሕግዘናን ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዝጽልኣካ ነገር ኢዩ።”
ዘይተመርዓዉ ወለዲ
ብዝሒ ናይቶም ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝውለዱ ንቝጽሪ ኣቦ ዘይብሎም ቈልዑ ኣጸቢቑ ክብ ኣቢልዎ ኢዩ። እቲ ፋዘርለስ ኣመሪካ ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ዳርጋ ሓደ ሲሶ ናይቶም [ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ] ዘለዉ ቈልዑ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝውለዱ ኢዮም” ይብል። ካብቶም ዳርጋ 500,000 ዝዀኑ ነፍሲ ወከፍ ዓመት በቶም ኣብ መንጎ 15ን 19ን ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝውለዱ ቈልዑ እቶም 78 ካብ ሚእቲ ዘይምርዑዋት ኰተቴ ኢዮም። ናይ ኰተቴ ጥንሲ ግን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘጋጥም ጸገም ኢዩ። እቲ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ዛህዲ ዝወሃብ ምኽርታት: ነቲ ኰተቴ ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘለዎም ኣረኣእያ ንምልዋጥ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ውጽኢት ክህልዎ ኣይከኣለን።
እቲ ብብሪያን ኢ. ሮቢንሰን እተዳለወ ቲንኤጅ ፋዘርስ ዝብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ከይተመርዓኻ ምጥናስን ስክፍታ ዘይብሉ ኣረኣእያ ኣዝዩ ማዕቢሉ ስለ ዘሎ: ከይተመርዓኻ ምጥናስ ሎሚ ከምቲ ኣብ 1960ታት ዝነበሮ ሕፍረትን ውርደትን የብሉን። . . . እቶም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ብቐጻሊ ብረክላም: ሙዚቃ: ፊልም: ከምኡውን ብተለቪዥን ብዛዕባ ጾታ ብዘጋንን ሓሳባት ተጐቢኦም ኢዮም ዘለዉ። ናይ ኣመሪካ መራኸቢ ብዙሃን ንመንእሰያት ጾታዊ ርክብ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ከም ዝዀነ: ናይ ባህታ ስምዒትን ተድላን ከም ዘለዎ ገይሩ ኢዩ ዘቕርበሎም። እቲ ንእግረ-መገድኻን ብሸለልትነትን ዝፍጸም ናይ ጾታ ተግባራት ዘምጽኦ ክውንነታዊ ሳዕቤናት ግን ፈጺሙ ኣይገልጾን ኢዩ።”
ብዙሓት መንእሰያት ብምኽንያት ሸለልትነቶም ነቲ ብዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ ዝመጽእ ሳዕቤን ክሓስብሉ ኣይደልዩን ኢዮም። ንገለ ካብቲ ደራሲ ሮቢንሰን ዝሰምዖ ሓሳባት እስከ ኣስተብህለሉ:- “‘[ክትጠንስ] ትኽእል ኣይትመስልን ኢያ ነይራ’፣ ‘ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ጥራይ ኢና እኮ ጾታዊ ርክብ ንፍጽም ነይርና’፣ ወይ ከኣ ‘ንመጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ክጥነስ ዝከኣል ኣይመስለንን ኢዩ ነይሩ።’” ርግጽ ኢዩ: ገለ መንእሰያት ጾታዊ ርክብ ምፍጻም: ጥንሲ ከም ዘስዕብ ጽቡቕ ገይሮም ኢዮም ዝፈልጡ። ያንግ ኣንዌድ ፋዘርስ ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝገልጾ “ንብዙሓት [ደቂ ኸተማ] ኣወዳት: ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ኣገዳሲ ምልክት ስብእነት ኢዩ፣ ጾታዊ ማራኽነት ከም ናይ ዓወት ጕዳይ ኢዩ ዝኸውን። ብዙሓት ኣዋልድ ኣቓልቦ ናይ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ምእንቲ ክረኽባ ንጾታዊ ርክብ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእትውኦ።” ኣብ ገለ ከባቢታት ናይ ከተማ: ዘይወለዱ ኣወዳት ገና ከም “ደናግል” ዘለዉ ተሓሲቦም ባጫ ይወርዶም ኢዩ!
ንውጽኢት ናይቲ ብ1993 ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከባ ተማሃሮ ኣዴታት እተገብረ መጽናዕቲ ምስ እትርኢ እሞ እቲ ጕዳይ ዝገደደ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ክልተ ሲሶ ናይተን ኣዋልድ ዝጠነሳ በቶም ኰተቴ ኣዕሩኸን ዘይኰነስ ካብአን ብ20 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ብዝዓብዩ ሰብኡት ኢየን! አረ ሓድሓደ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ብዙሓት ዘይተመርዓዋ ኰተቴ ኣዴታት ትሕቲ ዕድመ ኸለዋ እተዓመጻ: ወይ ቈልዑ ኸለዋ ጾታዊ ማህሰይቲ ዝወረደን ኢየን። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ብዝበዛ ምህላዉ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ክሳዕ ክንደይ እተበላሸወን ዝሩግን ከም ዝዀነ ዘርኢ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:13
መንእሰያት ዝጥንጥንሉ ምኽንያት
ከይተመርዓዉ ዝወልዱ ኰተቴ ኣቦታት ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ብቐጻሊ ሓላፍነት ናይ ውሉዶም ኣይጾሩን ኢዮም። ሓደ ዓርኩ ዝጠነሰት ወዲ ከምዚ በለ:- “‘ርክብና ኣብቂዑ ኢዩ: ድሓን ኵኒ’ በልኩዋ።” ይኹን እምበር: ሓንቲ ዓንቀጽ ናይ ፋሚሊ ላይፍ ኤዱኬተር (እንግሊዝኛ) “ብዙሓት መንእሰያት ኣቦታት ምስ ደቆም ናይ ቀረባ ርክብ ክህልዎም ከም ዝብህጉ ይገልጹ ኢዮም” ትብል። ብመሰረት ሓደ ኣብ ዘይተመርዓዉ ንኣሽቱ ኣቦታት እተገብረ መጽናዕቲ: 70 ካብ ሚእቲ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ንደቆም ይበጽሑ። እታ ዓንቀጽ “እንተዀነ ግን: እቶም ቈልዑ ምስ ዓበዩ እቲ ምብጻሕ እናነከየ ይኸይድ” ብምባል ተጠንቅቕ።
ሓደ ወዲ 17 ዓመት ኣቦ ምኽንያቱ እንታይ ምዃኑ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ፈሊጠ ነይረ እንተ ዝኸውን: ፈጺሙ ከም ዘየጋጥመኒ ምገበርኩ ነይረ።” እቶም ስምዒታዊ ብስለት ወይ ወላዲ ናይ ምዃን ሓላፍነት ንምጻር ተመክሮ ዘለዎም መንእሰያት ዉሑዳት ኢዮም። ዝበዝሑ ናብራኦም ንኽገብሩ ዘድልዮም ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ክእለት የብሎምን። ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ብዘጋጥሞም ፍሽለት ዝስምዖም ውርደት ኣብ ክንዲ ዝዋጽኡሉ ንደቆም ክጥንጥኑ ኢዮም ዝመርጹ። ሓደ መንእሰይ ኣቦ “ህይወተይ ጸገምን ሽግርን ዝመልአት ኢያ” ብምባል ይእመን። ሓደ ካልእ ከኣ “ገዛእ ርእሰይ ክኣሊ ኣይክእልን ኢየ: [ንወደይ] ክኣሊ እንተ ዝግደድ እሞ ኸኣ እንታይ ምገበርኩ ነይረ ኣይርድኣንን ኢዩ” ይብል።
መጺጽ ዘቢብ
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ “ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ ነስናን እቶም ውሉድ ኰኸወ” ዝብል ምስላ ነበሮም። (ህዝቅኤል 18:2) ኣምላኽ ነቶም ኣይሁድ ከምኡ ክኸውን ከም ዘይብሉ ናይ ዝሓለፈ ጌጋ እንደገና ኣብ መጻኢ ምድጋም ከም ዘየድሊ ነገሮም። (ህዝቅኤል 18:3) እንተዀነ ግን ሎሚ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ቈልዑ እቲ ኣቦታቶም ዝበልዕዎ “መጺጽ ዘቢብ” ይዀኽዮም ኣሎ: ማለት ሳዕቤን ናይቲ ኣቦታቶም ዘርእይዎ ዘይብስለት: ሓላፍነት ዘይምጻር: ከምኡውን ፍሽለት ሓዳር ይፍደይዎ ኣለዉ። እቶም ብዘይ ኣቦ ዝዓብዩ ቘልዑ ንብዙሕ ኣካላውን ስምዒታውን ሓደጋታት እተቓልዑ ከም ዝዀኑ እቲ ዝግበር ዘሎ ምርምራት የርኢ ኢዩ። (ነቲ ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን ርአ።) ብፍላይ ዘሕዝን ከኣ ኣቦ ዘይብለን ስድራቤታት ከም ውርሻ ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ሓደ ወለዶ ይመሓላለፍ ምዃኑ ኢዩ: እዚ ድማ ቀጻሊ ዝዀነ ዑደት ናይ ስቅያትን መከራን ኢዩ።
ኣቦ ዘይብለን ስድራቤታት ንፍሽለት እተዓደላ ድየን፧ ፍጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ዑደት ናይ ኣቦታት ዘይብለን ስድራቤታት ክቋረጽ ዝኽእል ምዃኑ ምፍላጥ ብስራት ኢዩ። እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ እዚ ብኸመይ ከም ዝከኣል ክትድህስሶ ኢያ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ ዝገርም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢንዱስትሪ ቅድሚ ምምዕባሉ እቲ ዝወጽእ ዝነበረ ንኣተዓባብያ ቈልዑ ዝምልከት መጻሕፍቲ ብሓፈሽኡ ናብ ኣዴታት ዘይኰነስ ናብ ኣቦታት ዘቕንዐ ኢዩ ነይሩ።
b ብመሰረት እቲ ሴራ ማክላነሃን ከምኡውን ጋሪ ሳንደፈር እተባህሉ ተማራመርቲ ዝበልዎ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ዳርጋ 40 ካብ ሚእቲ ናይቶም ቀለብ ክወሃቦም ዝግባእ ቈልዑ [ብቤት ፍርዲ እተዋህበ ትእዛዝ] ፈጺሙ የብሎምን: ርብዒ ናይቶም ቤት ፍርዲ ቀለብ ክወሃቦም ዝፈረደትሎም ቈልዑ ዋላ ሓንቲ ኣይረኽቡን። እቶም ምሉእ ብምሉእ እቲ ዝግብኦም ቀለብ ዝረኽቡ ቈልዑ ካብ ርብዒ ዝውሕዱ ጥራይ ኢዮም።”
[ኣብ ገጽ ዘሎ ሳጹን/ስእሊ 7]
ብዘይ ኣቦ ኣብ ምዕባይ ዘሎ ሓደጋ
ብዘይ ኣቦ ምዕባይ ንቘልዑ ሓደገኛ ኢዩ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ሓበሬታ ንገሊኦም ሰባት ባህ ዘየብሎም እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ሓበሬታ ክህልወካ ግን ንምክልኻሉ ወይ ንምውሓዱ ዝውሰድ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኢዩ። ክትግንዘቦ ዘሎካ ኸኣ እቲ ዝቐርብ ጸብጻባት ብውልቀ-ሰባት እተገብረ ዘይኰነስ ብጕጅለ ሰባት እተገብረ ኢዩ። ኣቦ ኣብ ዘይብለን ስድራቤታት ዝዓብዩ ዋላ ሓንቲ ካብዚ ጸገማት እዚ ዘየጋጥሞም ብዙሓት ቈልዑ ኣለዉ። ናይ መወዳእታ ዓንቀጽና ከም እትገልጾ ድማ ናይ ወለዲ ጣልቃ ምእታውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባርን ነዚ ከጋጥም ዝኽእል ጸገማት ንምልጋሱ ብዙሕ ክሕግዝ ይኸእል ኢዩ። ገለ ካብቲ ኣቦ ዘይብሎም ቈልዑ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋታት ንመልከት።
◼ እናወሰኸ ዝኸይድ ሓደጋ ናይ ጾታዊ ማህሰይቲ
ኣብ ቤት ኣቦ ዘይምህላዉ እቲ ንቘልዓ ዘጋጥሞ ጾታዊ ማህሰይቲ ንኽወርዶ ዘለዎ ኣጋጣሚ እናዓበየ ከም ዝኸይድ እተገብረ ምርምር ብንጹር መገዲ ኢዩ ዘርኢ። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሓበሮ ካብቲ 52,000 ዝኸውን ዘጋጥም ጾታዊ ማህሰይቲ “72 ሚእታዊት ኣብቶም ሓደ ወይ ክልቲኦም ወለዲ ዘይብሎም ቈልዑ ዘጋጠመ ኢዩ ነይሩ።” እቲ ፋዘርለስ ኣመሪካ ዝብሃል መጽሓፍ ከምዚ ብምባል የረጋግጽ:- “እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ናይቲ ኣብ ቈልዑ ዘጋጥም ጾታዊ ማህሰይቲ ብቐዳምነት ካብቲ በብግዚኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ናይ ዘይምርዑዋት ኣቦታት ከምኡውን ቍጽሪ ናይ ሰብኣይ ኣደ: ዓርኪ ኣደ: ከምኡውን ካልኦት ዝምድና ዘይብሎም ወይ ንግዚይኡ ሓቢሮም ዝነበሩ ሰብኡት እናወሰኸ ብምኻዱ ዝመጽእ ኢዩ።”
◼ ኣብ ዘይዕድሜኻ ጾታዊ ዝምባለ ናይ ምሕዳር ልዑል ሓደጋ
ኣብቲ ንጽል ወላዲ ዘለዎ ኣባይቲ ናይ ወለዲ ምቍጽጻር ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ስለ ዝኽእል መንእሰያት ብዙሕ ግዜ ኣብ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ናይ ምጽማድ ልዑል ኣጋጣሚ ኣለዎም። እቲ ካብ ወለዲ ዝርከብ ስልጠና ምውሓዱ እውን ካልእ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ከም ዝብሎ “ብዘይ ኣቦ ዝዓብያ ኣዋልድ ክልተ ዕጽፍን ፈረቓን ክጠንሳ ዝያዳ ኣጋጣሚ ኣለወን።”
◼ ድኽነት
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጸለምቲ ኰተቴ ኣዋልድ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ካብ ዘይተመርዓዉ ወለዲ ዝውለዱ ቘልዑ መብዛሕትኡ ግዜ ብድኽነት እተጠቕዑ ኢዮም ዝዀኑ። እቶም ነቲ እተገብረ መጽናዕቲ ዝጸሓፉ ከም ዝገልጽዎ “ኣብ ዳርጋ 50% ናይቲ ጉዳያት እታ ኰተቴ ትምህርታ ክትቅጽል ዘይመስል ኢዩ።” ብዙሓት ካብተን ዘይተመርዓዋ ኣዴታት ኣብ ናይ ምንዝርን ሓሽሽ ምሻጥን ህይወት ይኣትዋ። እቲ ኵነታት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝሓሸ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “[ብ1995] ካብቶም ብኽልተ ወለዲ ዝዓብዩ ቈልዑ ኣብ ድኽነት 10 ካብ ሚእቲ ክዀኑ ኸለዉ እቶም ኣዴታት ጥራይ ኣብ ዝነበረኦ ስድራቤታት ዝዓብዩ ቈልዑ ግን 50 ካብ ሚእቲ ኣብ ድኽነት ኢዮም ነይሮም።”—ኣመሪካስ ቺልድረን:- ኪ ናሽናል ኢንዲከተርስ ኦቭ ወል-ቢይንግ 1997 (እንግሊዝኛ)
◼ ሸለልትነት
ገለ ካብተን ንጽል ወለዲ ዘለዉወን ስድራቤታት: እቲ ወላዲ ቤት ክኣሊ ስለ ዝግደድ ብሓላፍነት ይዕብለል እሞ ምስ ውሉዱ እኹል ግዜ ከሕልፍ ኣይክእልን። ሓንቲ እተፋትሐት ሰበይቲ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ብዙሕ ውጥረት ኢዩ ነይሩኒ: መዓልቲ እሰርሕ ምሸት ድማ እመሃር። ብርግጽ ድማ ነቶም ቈልዑ ሸለል ኢለዮም ነበርኩ።”
◼ ስምዒታዊ ጕድኣት
ኣንጻር እቲ ቈልዑ ድሕሪ ፍትሕ ቀልጢፎም ኢዮም ዝርስዕዎ ዝብል ገሊኦም ክኢላታት ዝህብዎ ሓሳባት ከም ዶ/ር ጁዲት ዋለርስታይን ዝኣመሰሉ ተማራመርቲ ፍትሕ ነባሪ ዝዀነ ስምዒታዊ ቍስሊ ከም ዝሓድግ ኢዮም ተረዲኦም። “ካብቶም ኣብ መንጎ ዓሰርተ ትሽዓተን ዕስራን ትሽዓተን ዘለዉ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን እቶም ሲሶ ስድርኦም ምስ ተፋትሑ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ህንጥዮቶም ይውሕድ ወይ ፈጺሞም ህንጥዮት የጥፍኡ። ኣብ ህይወት ዋላ ሓንቲ ሸቶ ዘይብሎም . . . ከምኡውን ተስፋ ዘይብሎም ኰይኖም ኢዮም ዝነብሩ።” (ሰከንድ ቻንስስ ብዶክተር ጁዲት ዋለርስታይን ከምኡውን ሳንድራ ብሌክስሊ እተሓትመ መጽሓፍ [እንግሊዝኛ]) ርእስኻ ኣትሒትካ ምርኣይ: መንፈስ ጭንቀት: ናይ ዕውልና ተግባራት: ከምኡውን ብቐጻሊ ናይ ሕርቃን ስምዒት ምህላው ገለ ካብቲ ኣብቶም ስድርኦም ዝፋትሑ ቈልዑ ዝርአ ባህርያት ኢዩ።
ዘ ሲንግል-ፓረንት ፋሚሊ ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ብዙሕ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ እቶም ክዓብዩ ከለዉ ጽልዋ ናይ ሰብኣይ ዘይረኸቡ ኣወዳት ኣብ ህይወቶም ብዛዕባ እቲ ተባዕታይ ጾታ ክህልዎ ዘለዎ ባህሪ ይጠራጠሩ: ነብሰ-ምትሓት የጥቅዖም: ጸኒሖም ድማ ኣብ ህይወቶም ናይ ማሕርሮ ርክብ ንኽገብሩ ይጽግሞም። ጽልዋ ሰብኣይ ብዘይምርካብ ኣዋልድ ዘማዕብልኦ ጸገማት ጐራዙ ክሳዕ ዝዀና ወይ ክሳዕ ድሕሪኡ ብዙሕ ኣይርአን ኢዩ: ምስ ዓበያ ግን ምስ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዕዉት ርክብ ንኽህልወን ይሽገራ።”