ኣቦ ዘይብለን ስድራ ቤታት መለለዪ ናይዚ እዋን
እቲ ሎሚ ዘሎ ቀንዲ ማሕበራዊ ጸገም እንታይ ኢዩ ምበልካ፧ በቲ ዩ.ኤስ. ጋሎፕ እተባህለ ማሕበር ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ እተረኽበ ፍቕዲ ድምጺ ዳርጋ 80 ካብ ሚእቲ ናይቶም እተሓቱ “ናይ ኣቦ ኣብ ቤት ዘይምህላው” ኢዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ገሊጾም። ብመሰረት ጸብጻብ ጋሎፕ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልዕሊ 27 ሚልዮን ቈልዑ ካብ ኣቡኦም ወላዲኦም ተፈልዮም ይነብሩ: እቲ ቝጽሪ ኸኣ ብቕልጡፍ ይውስኽ ኣሎ። ሓደ ብማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ እቶም ካብ 1980 ንድሓር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተወልዱ 50 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ደቂ ጸዓዱ “ገለ ክፍሊ ካብ ህይወቶም ኣብ ንጽል ስድራቤት ከም ዘሕልፍዎ” ይገልጽ። ኣብቶም ጸለምቲ እቲ ገምጋም 80% ኢዩ ዝኸውን። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ዩኤስኤ ቱደይ ዝበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ካብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ቍጽሪ ናይ ኣቦ ዘይብለን ስድራቤታት ዘለዋ ሃገር” በላ።
ይኹን እምበር: ሓደ ዓንቀጽ ናይ ዘ ኣትላንቲክ ማንዝሊ (እንግሊዝኛ) ርእይቶ ክህብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ምብትታን ስድራቤታት ዝውስኽ ዘሎ ግን ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ኣይኰነን። ዳርጋ ኣብ ኵለን እተን ምዕቡላት ዝብሃላ ሃገራት ኣብ ጃፓን እውን ከይተረፈ ኢዩ ዝርአ ዘሎ።” ጸብጻብ ክርከብ ኣሸጋሪ እኳ እንተዀነ እተን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘጋጥመን ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ብመሰረት እቲ ኣብ ዎርልድ ዎች ዝበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ዝቐረበ ሓሳብ “[ኣብተን ድኻታት ሃገራት] ሰብኡት ብምኽንያት እናወሰኸ ዝኸይድ ቍጠባዊ ጸቕጥታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣንስቶምን ደቆምን ጠንጢኖም ይኸዱ።” ኣብ ሓንቲ ኣብ ባሕሪ ካሪብያን እትርከብ ሃገር እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝገልጾ ካብቶም ደቂ ሸሞንተ ዓመት ቈልዑ ዘለዉዎም ኣቦታት 22 ካብ ሚእቲ ጥራይ ኢዮም ምስ ደቆም ዝነብሩ።
ኣቦ ዘይብሎም ቈልዑ ኣብ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነይሮም ኢዮም። (ዘዳግም 27:19፣ መዝሙር 94:6) ይኹን እምበር: ኣብቲ ግዜ እቲ ቘልዑ ብዘይ ኣቦ ዝተርፉሉ ዝነበሩ ቀንዲ ምኽንያት ብሞት ኣቦታቶም ኢዩ ነይሩ። ደቪድ ብላንከን ሆርን እተባህለ ጸሓፊ ክገልጽ ከሎ “ሎሚ ቈልዑ ብዘይ ኣቦ ዝተርፉሉ ቀንዲ ምኽንያት ብምርጫ ናይቲ ኣቦ ኢዩ” ይብል። ብሓቂ ኸኣ ቀጺልና ከም እንርእዮ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ናይቶም ብዘይ ኣቦ ዝተርፉ ቈልዑ: ሎሚ ብዙሓት ሰባት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም” ዘይብሎም ከም ዝዀኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ዘረጋግጽ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-3
ዝዀነ ዀይኑ: ንኣሽቱ ቈልዑ ኣቡኦም ክስእኑ ዘሕዝን ፍጻመ ኢዩ። ንነዊሕ ግዜ ክቕጽል ዝኽእል ሳዕቤን ዘለዎ ናይ ቃንዛን ዕንወትን መዘዝ ኢዩ ዝጅምር። ኣብዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ብዛዕባ እዚ መዘዝ እዚ ክንመያየጥ ኢና: እዚ ግን ኣንበብቲ ተስፋ ንኽቘርጹ ዘይኰነስ ስድራቤታት ነዚ ኣዕናዊ ዝዀነ ኣንፈት ንኽገትእኦ ዝሕግዘን ሓበሬታ ንምሃብ ኢዩ።