ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/03 ገጽ 3
  • ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣርኣያ ኹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣርኣያ ኹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ኵሉ ሳዕ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንየሆዋ ተጸበዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 7/03 ገጽ 3

ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣርኣያ ኹን

1. ብፍላይ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብዛዕባ ጠባይና ጥንቁቓት ክንከውን ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧

1 ዓበይቲ ኣኼባታት ክንገብር ከለና: ሰባት ነቲ እንገብሮ ተግባራትን ንኻልኦት እነርእዮ ጠባይን የተኵሩሉ እዮም። እምበኣር ነፍሲ ወከፍና: ነቲ ‘ለባም ኩን: ንሰናይ ግብሪ ዘበለውን ርእስኻ ኣርኣያ ግበር’ ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ማዕዳ ብፍላይ ከነቕልበሉ ኣሎና። (ቲቶ. 2:6, 7) ‘ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዝሕሾ ምእንቲ ኸይጥምት’ ተወሳኺ ጻዕሪ ምግባር የድሊ። (ፊል. 2:4) ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባና ነዚ ምትብባዕ እዚ ኽንዓየሉ እንኽእል እተወሰነ መዳያት እስከ ንርአ።

2, 3. ውሉዳት ንየሆዋ ውዳሰ ኸምጽኡ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም: ወለዲኸ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧

2 ወለድን ውሉዳትን:- ኣብዛ ስነ⁠-​ስርዓት ዘይብሎም ቈልዑ ዝበዝሕዋ ዓለም ደቅና ፍልይ ኢሎም እዮም ዝረኣዩ: እዚ ድማ ንየሆዋን ማሕበሩን ውዳሰ የምጽእ። ሓድሓደ ግዜ ግን ውሉዳት ብዘይ​ ቍጽጽር ምስ ዝፍነዉ ሽግር ይፈጥሩ እዮም። (ምሳ. 29:15) ወለዲ ንደቆም ኣብ መዕረፍ ኣጋይሽ ኰነ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ኻብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ኽገድፍዎም የብሎምን።

3 ገሊኣቶም ወለዲ ቕድሚ እቲ ኣኼባ ንደቆም እንታይ ዓይነት ጠባይ ከርእዩ ኸም ዘለዎም ምግላጾም ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። (ኤፌ. 6:4) ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ‘ስዲ ኸም ዘይኰነትን ንዓይ ይጥዓመኒ ብዝብል ከም ዘይትምራሕን’ ንደቆም የረድእዎም እዮም። (1 ቈረ. 13:5 ትርጕም 1990 ) ኣውራጃዊ ኣኼባ ብየሆዋ ንኽንመሃር ተባሂሉ እዩ ዝዳሎ: ቈልዑ ዀኑ ዓበይቲ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ዀነ ኣብ ካልእ ቦታታት ብዘርእይዎ ጠባይ ነዚ ምድላው እዚ ዘለዎም ኣኽብሮት የርእዩ።​—⁠ኢሳ. 54:13

4. ሰናይ ኣካይዳና ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል፧

4 ሰናይ ኣካይዳና ነቲ ሰባት ዝነበሮም ግጉይ ምርዳእ ኣብ ምዕራይን ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምስሓብን ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:16፣ 1 ጴጥ. 2:12) ነቶም ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝረኽቡና ዅሎም ብግብርናን ምሳታቶም ብዝህልወና ርክብን ጽቡቕ ምስክርነት ንሃቦም። በዚ ኸምዚ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእስና ኣርኣያ ንገብር:’ ንየሆዋ ኸኣ ክብሪ ነምጽኣሉ።​—⁠ቲቶ. 2:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ