ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣርኣያ ኹን
1. ብፍላይ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብዛዕባ ጠባይና ጥንቁቓት ክንከውን ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧
1 ዓበይቲ ኣኼባታት ክንገብር ከለና: ሰባት ነቲ እንገብሮ ተግባራትን ንኻልኦት እነርእዮ ጠባይን የተኵሩሉ እዮም። እምበኣር ነፍሲ ወከፍና: ነቲ ‘ለባም ኩን: ንሰናይ ግብሪ ዘበለውን ርእስኻ ኣርኣያ ግበር’ ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ማዕዳ ብፍላይ ከነቕልበሉ ኣሎና። (ቲቶ. 2:6, 7) ‘ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዝሕሾ ምእንቲ ኸይጥምት’ ተወሳኺ ጻዕሪ ምግባር የድሊ። (ፊል. 2:4) ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባና ነዚ ምትብባዕ እዚ ኽንዓየሉ እንኽእል እተወሰነ መዳያት እስከ ንርአ።
2, 3. ውሉዳት ንየሆዋ ውዳሰ ኸምጽኡ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም: ወለዲኸ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧
2 ወለድን ውሉዳትን:- ኣብዛ ስነ-ስርዓት ዘይብሎም ቈልዑ ዝበዝሕዋ ዓለም ደቅና ፍልይ ኢሎም እዮም ዝረኣዩ: እዚ ድማ ንየሆዋን ማሕበሩን ውዳሰ የምጽእ። ሓድሓደ ግዜ ግን ውሉዳት ብዘይ ቍጽጽር ምስ ዝፍነዉ ሽግር ይፈጥሩ እዮም። (ምሳ. 29:15) ወለዲ ንደቆም ኣብ መዕረፍ ኣጋይሽ ኰነ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ኻብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ኽገድፍዎም የብሎምን።
3 ገሊኣቶም ወለዲ ቕድሚ እቲ ኣኼባ ንደቆም እንታይ ዓይነት ጠባይ ከርእዩ ኸም ዘለዎም ምግላጾም ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። (ኤፌ. 6:4) ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ‘ስዲ ኸም ዘይኰነትን ንዓይ ይጥዓመኒ ብዝብል ከም ዘይትምራሕን’ ንደቆም የረድእዎም እዮም። (1 ቈረ. 13:5 ትርጕም 1990 ) ኣውራጃዊ ኣኼባ ብየሆዋ ንኽንመሃር ተባሂሉ እዩ ዝዳሎ: ቈልዑ ዀኑ ዓበይቲ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ዀነ ኣብ ካልእ ቦታታት ብዘርእይዎ ጠባይ ነዚ ምድላው እዚ ዘለዎም ኣኽብሮት የርእዩ።—ኢሳ. 54:13
4. ሰናይ ኣካይዳና ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል፧
4 ሰናይ ኣካይዳና ነቲ ሰባት ዝነበሮም ግጉይ ምርዳእ ኣብ ምዕራይን ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምስሓብን ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:16፣ 1 ጴጥ. 2:12) ነቶም ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝረኽቡና ዅሎም ብግብርናን ምሳታቶም ብዝህልወና ርክብን ጽቡቕ ምስክርነት ንሃቦም። በዚ ኸምዚ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእስና ኣርኣያ ንገብር:’ ንየሆዋ ኸኣ ክብሪ ነምጽኣሉ።—ቲቶ. 2:7