‘ኵሉ ሳዕ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ’
1 ክርስትያናዊ ኣነባብራ ‘ኵሉ ሳዕ ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንምግባር ኢልካ ምግዳል’ ዝሓትት ኢዩ። (1 ተሰ. 5:15) ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽንካፈል ከሎና ንኻልኦት ሰናይ ክንገብረሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ኣብዚ እዋናት እዚ ሰባት ይዕዘቡና ኢዮም: ኵሎም እቶም እንረኽቦም ሰባት ከኣ በቲ እነርእዮም ኣቀራርባ ብዛዕባና እተፈላለየ ርእይቶ ይህቡ ኢዮም። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ጽቡቕ ስምና ምእንቲ ኽንዕቅብ: ‘ንዅሉ ሰብ ከም እነኽብር’ ብተግባርና ኸነርኢ ኸድልየና ኢዩ። (1 ጴጥ. 2:17) እዚውን ‘ንብጻይካ ድማ እምበር: ንርእስኻ ዝሕሸካ ጥራይ ዘይምጥማት’ ማለት ኢዩ። (ፊል. 2:4) እዚ ኣብ ባህርያት ናይ ደቅና እውን ብኸመይ ከም ዝውዕል ንሕሰበሉ።
2 ንቘልዑ ብኸመይ ሰናይ ከም ዝገብሩ ምምሃሮም:- ሓድሓደ ግዜ ዓበይቲ ከይተቘጻጸርዎም ብገዛእ ርእሶም ዝኸዱ ውሉዳት ሽግር ፈጢሮም ኢዮም። (ምሳ. 29:15) ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ወለዲ ብኻልእ ንጥፈታት ትሑዛት ብምዃኖም እሞ ንደቆም ናጻ ስለ ዝገደፍዎም ንኣሕዋትን ንኻልኦት ሰባትን ሃዊኾም ኢዮም።
3 ስለዚ እምበኣር: ወለዲ ንደቅኹም ቅድሚ ናብ ዓቢ ኣኼባ ምኻድኩም ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜን ቦታን እንታይ ዓይነት ጠባይ ከርእዩ ከም ዘለዎም ግዜ ወሲድኩም ክትገልጹሎም ሓጋዚ ኢዩ። (ኤፌ. 6:4) ንኣብነት ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ‘ዘይተስተሓፍር: ናታ ዘይትደሊ: ዘይትምረር’ ምዃና ጥቐሱሎም። (1 ቈረ. 13:5) ዓበይቲ እውን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ሰናይ ኣብነት ብምዃን ንሓቅነት ናይዚ ቓላት እዚ ኸረጋግጽዎ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ቈልዑ ንወለድኹም ብምእዛዝ: ንንብረት ካልኦት ብምጥንቃቕ: ነቶም ኣብ ጥቓኹም ዘለዉ ኸኣ ሓለይቲ ብምዃን ሰናይ ዘበለ ንምግባር ክትጋደሉ ትኽእሉ ኢኹም። (ቈሎ. 3:20) ሓቢርና ንዅሉ ሰብ ሰናይ ክንገብር ምስ እንጽዕር ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ንስልሞ’ ኢና።—ቲቶ. 2:10