ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/02 ገጽ 3
  • ‘ኵሉ ሳዕ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ኵሉ ሳዕ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣርኣያ ኹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2008
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 7/02 ገጽ 3

‘ኵሉ ሳዕ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ’

1 ክርስትያናዊ ኣነባብራ ‘ኵሉ ሳዕ ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንምግባር ኢልካ ምግዳል’ ዝሓትት ኢዩ። (1 ተሰ. 5:⁠15) ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽንካፈል ከሎና ንኻልኦት ሰናይ ክንገብረሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ኣብዚ እዋናት እዚ ሰባት ይዕዘቡና ኢዮም: ኵሎም እቶም እንረኽቦም ሰባት ከኣ በቲ እነርእዮም ኣቀራርባ ብዛዕባና እተፈላለየ ርእይቶ ይህቡ ኢዮም። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ጽቡቕ ስምና ምእንቲ ኽንዕቅብ: ‘ንዅሉ ሰብ ከም እነኽብር’ ብተግባርና ኸነርኢ ኸድልየና ኢዩ። (1 ጴጥ. 2:⁠17) እዚውን ‘ንብጻይካ ድማ እምበር: ንርእስኻ ዝሕሸካ ጥራይ ዘይምጥማት’ ማለት ኢዩ። (ፊል. 2:4) እዚ ኣብ ባህርያት ናይ ደቅና እውን ብኸመይ ከም ዝውዕል ንሕሰበሉ።

2 ንቘልዑ ብኸመይ ሰናይ ከም ዝገብሩ ምምሃሮም:- ሓድሓደ ግዜ ዓበይቲ ከይተቘጻጸርዎም ብገዛእ ርእሶም ዝኸዱ ውሉዳት ሽግር ፈጢሮም ኢዮም። (ምሳ. 29:⁠15) ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ወለዲ ብኻልእ ንጥፈታት ትሑዛት ብምዃኖም እሞ ንደቆም ናጻ ስለ ዝገደፍዎም ንኣሕዋትን ንኻልኦት ሰባትን ሃዊኾም ኢዮም።

3 ስለዚ እምበኣር: ወለዲ ንደቅኹም ቅድሚ ናብ ዓቢ ኣኼባ ምኻድኩም ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜን ቦታን እንታይ ዓይነት ጠባይ ከርእዩ ከም ዘለዎም ግዜ ወሲድኩም ክትገልጹሎም ሓጋዚ ኢዩ። (ኤፌ. 6:⁠4) ንኣብነት ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ‘ዘይተስተሓፍር: ናታ ዘይትደሊ: ዘይትምረር’ ምዃና ጥቐሱሎም። (1 ቈረ. 13:5) ዓበይቲ እውን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ሰናይ ኣብነት ብምዃን ንሓቅነት ናይዚ ቓላት እዚ ኸረጋግጽዎ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ቈልዑ ንወለድኹም ብምእዛዝ: ንንብረት ካልኦት ብምጥንቃቕ: ነቶም ኣብ ጥቓኹም ዘለዉ ኸኣ ሓለይቲ ብምዃን ሰናይ ዘበለ ንምግባር ክትጋደሉ ትኽእሉ ኢኹም። (ቈሎ. 3:⁠20) ሓቢርና ንዅሉ ሰብ ሰናይ ክንገብር ምስ እንጽዕር ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ንስልሞ’ ኢና።​—⁠ቲቶ. 2:10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ