ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2008
1. (ሀ) እቲ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ዝሃቦም ምኽሪ: ብፍላይ ሎሚ ብህጹጽ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) (ለ) ንምኽሪ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዚሕግዘና ኸመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኣሎና፧
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት: እታ መዓልቲ ኣዝያ ትቐርብ ከም ዘላ ርእዮም “ብዝበለጸ” ንሓድሕዶም ኪተባብዑን ኣኼባኦም ከይሓድጉን ተማሕጸኖም። (እብ. 10:24, 25 ትርጕም 1990) እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ መርትዖታት ከም ዚሕብሮ: እታ ጳውሎስ እተዛረበላ “መዓልቲ” ኣጸቢቓ ትቐርብ ኣላ! ስለዚ: ኣብዚ ሓደገኛ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኪመርሓና ዚኽእል መንፈሳዊ መምርሒታት ምእንቲ ኽንረክብ: ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንእከብ ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ከነናዲ ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:1) እዚ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ኣውራጃ 2008 ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ።
2. (ሀ) ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ምክፋል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ ኣኼባ ንምክፋል ምቅርራባት ክንጅምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ ተኻፈል:- ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ኽትካፈል ነተባብዓካ። ‘ኣኼባና ምስ ዘይንሓድግ’ እቲ ኣብኡ ዚቐርብ ኣድላዪ መንፈሳዊ ምግቢ ኣይኪሓልፈናን እዩ። (እብ. 10:25) ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ምቅርራባት ጀምር። ኣስራሒኻ ኣድላዪ መሰናድዎታት ምእንቲ ኺገብር: ብዛዕባ እዚ ኣቐዲምካ ኽትሕብሮ ትደሊ ትኸውን። ደቅኻ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ትምህርቲ እንተ ደኣ ኣሊዎም: መደባትካ ንመምህራኖም ሓብር። ኣኼባ ኣውራጃ ኽፍሊ ኣምልኾኻ ምዃኑ ግለጸሎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ኢልካ እትገብሮ ጻዕርታት የሆዋ ኸም ዚባርኾ ርግጸኛ ኹን።—ማቴ. 6:33
3. ንኻልኦት ከም እነስተብህለሎም በየናይ መገድታት ከነርኢ ንኽእል፧
3 ካልኦት ንኺካፈሉ ሓግዞም:- ጳውሎስ ንኣሕዋቱ: “ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” ኢሉ እውን ተማሕጺንዎም እዩ። (እብ. 10:24) ኣብታ እትእከቡላ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣኼባ ኣውራጃ ምእንቲ ኺካፈሉ ሓገዝ የድልዮምዶ፧ ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሎም ሰባት: ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ምሳኻ ንኺካፈሉ ኽትሕግዞም ትኽእልዶ፧ ነቶም ኣመንቲ ዘይኰኑ ኣባላት ስድራቤትካ ብዛዕባ እቲ ንኣኼባ ኣውራጃ ዘሎካ መደባት ክትነግሮም ከለኻ: ናብቲ ኣኼባ ምሳኻ ኪኸዱ ዓድሞም። እቲ እትገብሮ ፍቕራዊ ጻዕርታት: ዘይተጸበኻዮ በረኸት ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ።
4. ነቲ ፍሉይ ሓገዝ ንዜድልዮም ዚኸውን ናይ መዕረፊ መሕተቲ ፎርም ዚምልከት ሒደት መዘኻኸሪታት እንታይ እዩ፧
4 ፍሉይ ሓገዝ ዜድልዮም:- ሓደ ኣስፋሒ መዕረፊ ኺወሃቦ ምስ ዚሓትት: እቲ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ: እቲ ኣስፋሒ ፍሉይ ሓገዝ ንዜድልዮም ዚኸውን ናይ መዕረፊ መሕተቲ ፎርም ኪመልእ ዚበቅዕ እንተ ዀይኑ ኺውስን ኣለዎ። እቲ ጸሓፊ ነዚ ፎርም እዚ ናብቲ ኽፍሊ መዕረፊ ኣኼባ ኣውራጃ ቕድሚ ምልኣኹ: እቲ ኣብቲ ፎርምን ኣብታ ብ14 ታሕሳስ 2007 ናብ ኵሎም ኣካል ሽማግለታት እተላእከት ደብዳበን ዘሎ መምርሒታት ኪርአ ኣለዎ።
5. ማቴዎስ 4:4 ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እቲ መደብ ብኣቓልቦ ምስማዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ብኸመይ እያ እተጕልሕ፧
5 የሱስ: ህይወትና ‘ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዚወጽእ ኵሉ ቓል’ ኣብ ምስማዕ ከም እትምርኰስ ተዛረበ። (ማቴ. 4:4) ኣብ ዓመታዊ ኣኼባታት ኣውራጃና: የሆዋ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ “በብጊዜኡ” መንፈሳዊ ምግቢ የዳልወልና። (ማቴ. 24:45) ነዚ መንፈሳዊ ድግስ ንምድላውን ንምቕራብን ብዙሕ ዕዮ እዩ ተዓዩ። ኣብቲ ኣኼባ ብምምጻእን ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እቲ መደብ ብኣቓልቦ ብምስማዕን ንፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ዘሎና ሞሳ ነርኢ።
[ኣብ ገጽ 1 ዘሎ ስእሊ]
ዚካየደሉ ግዜያት:-
ዓርብን ቀዳምን
9:20 ቅ.ቀ. - 4:55 ድ.ቀ.
ሰንበት
9:20 ቅ.ቀ. - 4:00 ድ.ቀ.