ሕቶ ሳጹን (1)
◼ ንጉባኤ ንምሕጋዝ ኢልካ ብሓራጅ ኣቝሑ ምሻጥ ወይ ካልእ ገንዘብ ኪእከበሉ ዚኽእል ንጥፈታት ምክያድ ግቡእ ድዩ፧
ሃይማኖታውያን ውድባት ከም ናይ ድራር ግብጃታት: መሸጣታት: ወይ ፈስቲቫላት ዝኣመሰለ ገንዘብ ኪእክባሉ ዚኽእላ ንጥፈታት ኬካይዳ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ገለ ሰባት እዚ ንሰናይ ዕላማ ዚግበር ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዖም: ከም ሓቂ ኺርአ ኸሎ ግን: እዚ ንጥፈታት እዚ ኻብ ለመና ፈሊኻ ዚርአ ኣይኰነን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣይረኽቡን እዮም።
ካልአይቲ ሕታም እታ ናይ ነሓሰ 1879 ግምቢ ዘብዐኛ ገንዘብ ብምልማን ንኣብያተ-ክርስትያን ከም ዘይንስዕብ ክትገልጽ ከላ: “‘ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ’ ናይ የሆዋ ደገፍ ኣለዋ ኢልና ኢና እንኣምን: እቲ ጕዳይ ከምኡ ኽሳዕ ዝዀነ ኸኣ: ናይ ሰብ ረዲኤት ኣይልምንን ወይውን ኣይሓትትን እዩ። እቲ ‘ኣብ ኣኽራን ዘሎ ወርቅን ብሩርን ናተይ እዩ’ ዝበለ ዜድሊ ገንዘብ ምሃብ ጠጠው ምስ ኣበለ: ሽዑ ምሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ጠጠው ዚብለሉ ግዜ ምዃኑ ኽንርዳእ ኢና” ትብል።
ነቲ: “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኢና እንስዕብ። (2 ቈረ. 9:7) ውልቀ-ሰባት ብፍታው ወፈያ ኺገብሩ እንተ ደኣ ደልዮም: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሳጹናት ውጽኢት ኣሎ። (2 ነገ. 12:9) ወፈያታት ንምርካብ ለመና ኪቐርብ የብሉን: ዝዀነ ይኹን ረብሓ ንኽትረክብ ኢልካ እውን ኪወሃብ የብሉን።