ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/06 ገጽ 4
  • ሕቶ ሳጹን (1)

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን (1)
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ምድሓን ቀሪቡ” ዘርእስቱ ናይ 2006 ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2008
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 12/06 ገጽ 4

ሕቶ ሳጹን (1)

◼ ንጉባኤ ንምሕጋዝ ኢልካ ብሓራጅ ኣቝሑ ምሻጥ ወይ ካልእ ገንዘብ ኪእከበሉ ዚኽእል ንጥፈታት ምክያድ ግቡእ ድዩ፧

ሃይማኖታውያን ውድባት ከም ናይ ድራር ግብጃታት: መሸጣታት: ወይ ፈስቲቫላት ዝኣመሰለ ገንዘብ ኪእክባሉ ዚኽእላ ንጥፈታት ኬካይዳ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ገለ ሰባት እዚ ንሰናይ ዕላማ ዚግበር ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዖም: ከም ሓቂ ኺርአ ኸሎ ግን: እዚ ንጥፈታት እዚ ኻብ ለመና ፈሊኻ ዚርአ ኣይኰነን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣይረኽቡን እዮም።

ካልአይቲ ሕታም እታ ናይ ነሓሰ 1879 ግምቢ ዘብዐኛ ገንዘብ ብምልማን ንኣብያተ-ክርስትያን ከም ዘይንስዕብ ክትገልጽ ከላ: “‘ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ’ ናይ የሆዋ ደገፍ ኣለዋ ኢልና ኢና እንኣምን: እቲ ጕዳይ ከምኡ ኽሳዕ ዝዀነ ኸኣ: ናይ ሰብ ረዲኤት ኣይልምንን ወይውን ኣይሓትትን እዩ። እቲ ‘ኣብ ኣኽራን ዘሎ ወርቅን ብሩርን ናተይ እዩ’ ዝበለ ዜድሊ ገንዘብ ምሃብ ጠጠው ምስ ኣበለ: ሽዑ ምሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ጠጠው ዚብለሉ ግዜ ምዃኑ ኽንርዳእ ኢና” ትብል።

ነቲ: “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኢና እንስዕብ። (2 ቈረ. 9:7) ውልቀ-ሰባት ብፍታው ወፈያ ኺገብሩ እንተ ደኣ ደልዮም: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሳጹናት ውጽኢት ኣሎ። (2 ነገ. 12:9) ወፈያታት ንምርካብ ለመና ኪቐርብ የብሉን: ዝዀነ ይኹን ረብሓ ንኽትረክብ ኢልካ እውን ኪወሃብ የብሉን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ