“ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ”
ናይ 2003 ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር
1 የሆዋ በቲ እሙን ነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ኣታ ህዝበይ: ናባይ ኣድህብ: ኣታ ዓሌተይ: ጽን በለኒ” ኢሉ ኣዚዙና እዩ። (ኢሳ. 51:4) ኣብዚ ወሳኒ ዝዀነ ናይ መወዳእታ እዋን ንትእዛዛት የሆዋ ምድሃብ ካብ ካልእ ንላዕሊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ‘ጽን እንብለሉ’ መገዲ ንኣምልኾ ንኽንእከብ ዝሃበና ትእዛዝ ምኽባር እዩ። ነቲ ኣብ ዓዓመት ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታትና ዝቐርብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብሃንቀውታ እንጽበዮ!
2 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ተኣከብ:- ካብቲ በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ዝወሃበና ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም: እቲ ኣኼባ ተጀሚሩ ኽሳዕ ዝውዳእ ኣብኡ ኽንእከብ ኢና እንደሊ። (ማቴ. 24:45) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምእንቲ ኽትእከብ ንኣስራሒኻ ፍቓድ ክትሓቶ የድልየካ ድዩ፧ ነህምያ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ነቲ መካበብያ ኽሰርሕ ፍቓድ ቅድሚ ምሕታቱ: ‘ናብ ኣምላኽ ሰማይ ጸለየ።’ (ነህ. 2:4) ንስኻውን ብተመሳሳሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረሉ መዓልቲ ንኽትእከብ ንኣስራሒኻ ፍቓድ ቅድሚ ምሕታትካ ትብዓት ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣስራሒኻ ፍቓድ ንኽህበካ ሰጋእ መጋእ ዝብል እንተዀነኸ፧ ምናልባት እቲ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባና ዝወሃበና ትምህርቲ ቅኑዓትን ትጉሃትን እሙናትን ሰራሕተኛታት ንኽንከውን ከም ዝሕግዘና ምግላጽካ ፍቓድ ንኽህበካ ይድርኾ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚውን ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራቤት እንተ ሃልዮምና: ብእተኻእለና መጠን ኣቐዲምና ብዛዕባ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ መደባትና እንተ ነገርናዮም ሰናይ እዩ።
3 “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ” ስለ ዝዀነ: ብመንፈሳዊ ትኩራት ንኽንከውን ኣውራጃዊ ኣኼባታት ይሕግዘና እዩ። (1 ቈረ. 7:31) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኽትእከብ ምድላዋት ክትገብር ጻዕሪ ዘድልየካ እኳ እንተዀነ: እዚ ግን ብዙሕ ዓስቢ እዩ ዘለዎ። እዚ ኣብዛ ዓመት እንወስዶ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: የሆዋ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝፍጽሞ ፍርዲ ጸኒዕና ንኽንጽበ ተባሂሉ እተዳለወ እዩ። ካብቲ የሆዋ ዘዳለወልና ትምህርቲ ንኸይንጥቀም ዋላ ሓንቲ ኽሓናዅለና ኣይነፍቅድ።—ኢሳ. 51:4, 5