ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/03 ገጽ 1
  • “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ሕቶ ሳጹን (1)
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • “ምድሓን ቀሪቡ” ዘርእስቱ ናይ 2006 ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2008
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 9/03 ገጽ 1

“ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ”

ናይ 2003 ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

1 የሆዋ በቲ እሙን ነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ኣታ ህዝበይ: ናባይ ኣድህብ: ኣታ ዓሌተይ: ጽን በለኒ” ኢሉ ኣዚዙና እዩ። (ኢሳ. 51:4) ኣብዚ ወሳኒ ዝዀነ ናይ መወዳእታ እዋን ንትእዛዛት የሆዋ ምድሃብ ካብ ካልእ ንላዕሊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ‘ጽን እንብለሉ’ መገዲ ንኣምልኾ ንኽንእከብ ዝሃበና ትእዛዝ ምኽባር እዩ። ነቲ ኣብ ዓዓመት ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታትና ዝቐርብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብሃንቀውታ እንጽበዮ!

2 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ተኣከብ:- ካብቲ በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ዝወሃበና ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም: እቲ ኣኼባ ተጀሚሩ ኽሳዕ ዝውዳእ ኣብኡ ኽንእከብ ኢና እንደሊ። (ማቴ. 24:45) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምእንቲ ኽትእከብ ንኣስራሒኻ ፍቓድ ክትሓቶ የድልየካ ድዩ፧ ነህምያ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ነቲ መካበብያ ኽሰርሕ ፍቓድ ቅድሚ ምሕታቱ: ‘ናብ ኣምላኽ ሰማይ ጸለየ።’ (ነህ. 2:4) ንስኻውን ብተመሳሳሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረሉ መዓልቲ ንኽትእከብ ንኣስራሒኻ ፍቓድ ቅድሚ ምሕታትካ ትብዓት ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣስራሒኻ ፍቓድ ንኽህበካ ሰጋእ መጋእ ዝብል እንተዀነኸ፧ ምናልባት እቲ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባና ዝወሃበና ትምህርቲ ቅኑዓትን ትጉሃትን እሙናትን ሰራሕተኛታት ንኽንከውን ከም ዝሕግዘና ምግላጽካ ፍቓድ ንኽህበካ ይድርኾ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚውን ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ​ቤት እንተ ሃልዮምና: ብእተኻእለና መጠን ኣቐዲምና ብዛዕባ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ መደባትና እንተ ነገርናዮም ሰናይ እዩ።

3 “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ” ስለ ዝዀነ: ብመንፈሳዊ ትኩራት ንኽንከውን ኣውራጃዊ ኣኼባታት ይሕግዘና እዩ። (1 ቈረ. 7:31) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኽትእከብ ምድላዋት ክትገብር ጻዕሪ ዘድልየካ እኳ እንተዀነ: እዚ ግን ብዙሕ ዓስቢ እዩ ዘለዎ። እዚ ኣብዛ ዓመት እንወስዶ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: የሆዋ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝፍጽሞ ፍርዲ ጸኒዕና ንኽንጽበ ተባሂሉ እተዳለወ እዩ። ካብቲ የሆዋ ዘዳ​ለወልና ትምህርቲ ንኸይንጥቀም ዋላ ሓንቲ ኽሓናዅለና ኣይነፍቅድ።​—⁠ኢሳ. 51:4, 5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ