መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓ.
“ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ህዝቢ ዓለም ኣብ መዓልቲ ብትሕቲ ኽልተ ዶላር ኣመሪካ ኸም ዝመሓደሩ ትፈልጥዶ፧ እዝኸ ፍታሕ ዝርከበሉ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ንድኽነት ዝኸውን ነባሪ ፍታሕ ትገልጽ።”—መዝሙር 72:12, 13, 16 ኣንብብ።
Awake! Aug. 8
“ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ሕማቕ ኵነታት ኣየር ዘስዓቦ ዕንወት ኣብ መላእ ዓለም ኣስፋሕፊኡ እዩ ዘሎ። እዚ ዘስዕቦ ሓሳረ መከራ ንምንካይ እንታይ ክግበር ዝከኣል ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ ኵነታት ኣየር ዘሎ ለውጥታት ዘስዕቦ ዘሎ ጸገማት ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መፍትሒኡ ትምርምር።”—ኢሳይያስ 35:1 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ነሓ.
“ዝበዝሑ ሰባት ጽቡቕ ስም ክህልዎም ይደልዩ እዮም። አረ ገሊኣቶምስ ድሕሪ ሙማቶም ብምንታይ ከም ዝዝከሩ እውን ይሓስቡ እዮም። ብዛዕባዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ መክብብ 7:1 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ሰባትን ኣምላኽን ጽቡቕ ስም ብኸመይ ከም ዝህልወና እያ እትገልጽ።”
Awake! Aug. 22
“ኣባል ስድራቤትካ ብኻልኦት ዝድንደን እንተ ዀይኑ: እዚ ኽሳዕ ክንደይ ዘበሳጩ ምዃኑ ትፈልጦ ኢኻ። [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ነቶም ኣደዳ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ዝዀኑ ግብራዊ ሓሳባት ትህብ እያ። ብዛዕባቲ ኻብዚ ዅሉ ጸገማት ሓራ እንዀነሉ ኣምላኽ እተመባጽዖ እዋን ድማ ትገልጽ።”—ሚክያስ 4:4 ኣንብብ።