ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/03 ገጽ 1
  • ዕረፍቲ ዘምጽእ ዕዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕረፍቲ ዘምጽእ ዕዮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣርዑተይ ጹሩ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • “ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • “ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • የሱስ ዕረፍቲ የምጽእ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 8/03 ገጽ 1

ዕረፍቲ ዘምጽእ ዕዮ

1 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ንዅሎም እቶም ዝቕበልዎን ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎን ዕረፍቲ የምጽኣሎም እዩ። (መዝ. 19:7, 8) ካብ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ጐዳኢ ልምድታትን ሓራ ንኽወጹ ይሕግዞም: ኣብ መጻኢ ዘተኣማምን ተስፋ ንኽህልዎም ድማ የኽእሎም። እንተዀነ ግን: እቶም ነቲ ብስራት ዝቕበልዎ ጥራይ ኣይኰኑን ዝጥቀሙ። እቶም ነቲ ዕረፍቲ ዘምጽእ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ዘካፍሉ እውን ዕረፍቲ ይረኽቡ እዮም።​—⁠ምሳ. 11:25

2 ካብ ኣገልግሎት ብርታዐ ምርካብ:- የሱስ እቶም ነቲ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዘጠቓልል ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ናይ ምዃን ኣርዑት ዝስከሙ: ‘ንነፍሶም ዕረፍቲ ኸም ዝረኽቡ’ ተዛሪቡ ነይሩ። (ማቴ. 11:29) ንሱ ንባዕሉ እውን ንኻልኦት ምምስካር ዘበራትዕ ኰይኑ እዩ ረኺብዎ። ልክዕ ከም ብልዑ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 4:34) ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ ኽሰብኩ ምስ ሰደዶም: የሆዋ ንጻዕርታቶም ከም ዝባረኾ ርእዮም ተሓጐሱ።​—⁠ሉቃ. 10:17

3 ሎሚውን ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ዕዮ ስብከት ብምስታፍ ይበራትዑ እዮም። ሓንቲ ሓብቲ “ኣገልግሎት ንህይወተይ ኣንፈትን ዕላማን ዘለዋ ስለ ዝገብራ ዕረፍቲ ዘምጽእ ኰይኑ እየ ረኺበዮ። ኣብ ኣገልግሎት ክካፈል ከለኹ ናይ ብሕቲ ጸገማተይን ኣብ መዓልታዊ ናብራይ ዘጋጥመኒ ውጥረትን እርስዖ እየ” በለት። ካልእ ቀናእ ኣገልጋሊት ድማ “[ኣገልግሎት] ንየሆዋ ኣብ መዓልታዊ ናብራይ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ገይረ ንኽርእዮ ኣኽኢሉኒ: ብኻልእ ዝዀነ ይኹን መገዲ ኽርከብ ዘይከኣል ሰላምን እተወሰነ ውሽጣዊ ሓጐስን ከም ዝረክብ እውን ገይሩኒ እዩ” በለት። “መዓይይቲ ኣምላኽ” ክንከውንሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!​—⁠1 ቈረ. 3:9

4 ኣርዑት ክርስቶስ ፈኲሽ እዩ:- የሱስ ንክርስትያናት ‘ክጋደሉ’ እኳ ምሕጽንታ እንተ ሃቦም: ካብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ግን ኣይሓተተን። (ሉቃ. 13:​24) እወ: ብፍቕሪ ተደሪኹ ምስኡ ‘ኣርዑቱ ኽንጸውር’ ጻውዒት የቕርበልና እዩ። (ማቴ. 11:29) እቶም ጸገማት ዘጋጥሞም እቲ ኻብ ልቦም ዘቕርብዎ ኣገልግሎት: ዋላ እውን እተወሰነ እንተዀነ: ንኣምላኽ ዘሐጕስ ምዃኑ ኽተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም።​—⁠ማር. 14:6-8፣ ቈሎ. 3:23

5 ነቲ ምእንቲ ስሙ ዝገበርናዮ ዝዀነ ይኹን ነገር ዘማስወሉ ኣምላኽ ምግልጋልሲ ኽሳዕ ክንደይ ዕረፍቲ ዘምጽእ ኰን እዩ! (እብ. 6:10) ሃየ እምበኣር ኵሉ ሳዕ ዝከኣለና ዘበለ ንምግባር ንጽዓር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ