ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/03 ገጽ 1
  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 10/03 ገጽ 1

ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ

ኣብዚ እዋን እዚ ባህ ዘብልን ነዊሕን ዕምሪ ምእንቲ ኽህልወና: ናይታ ደም እትጭንጕዕ ልብና ጥዕና ንኽንሕሉ ብዙሕ ሓበሬታ ንረክብ ኢና። ኵነታት ምሳልያዊ ልብና ግን ካብዚ ዝዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። እምበኣር እቲ ኻብ 2004 ኣትሒዝካ ዝውሰድ “ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ነገልግሎ” ዘርእስቱ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ ኣገዳሲ እዩ። (1 ዜና 28:9) ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ኢና ኽንመሃር፧

እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “ካልኦት ንየሆዋ ንኸገልግሉ ብፍታው ነፍሲ ምሕጋዞም” ዘርእስቱ ዝርርብ ከቕርብ እዩ። እቲ ኣብኡ ዝግበር ቃለ⁠-​መጠይቓት ነቶም ንኣምላኽ ከገልግሉ ዝደልዩ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጅምሩ ብምግባር ዝርከብ ሓጐስ ዘጕልሕ እዩ። ኵሎም ተኣከብቲ ኻብቲ እቲ በጻሒ ተዛራባይ ዘቕርቦ “ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ንልብና ንሓልዎ” ዘርእስቱ ዝርርብ ምጽንናዕን ምትብባዕን ከም ዝረኽቡ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ናይ ንግሆ መደብ ብናይ ጥምቀት ዝርርብ ክዛዘም እዩ።

ኣብ ድሕሪ ቐትሪ ድማ “ሓገዝ ምሃብ” ኣብ ዘርእስቱ ኽፍሊ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እንሕግዝ ክንርኢ ኢና። ወለዲ ንኣልባብ ደቆም ካብ ሕማቕ ጽልዋታት ንምዕቋብን ንየሆዋ ንኽቀርብዎ ንምሕጋዝን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ “ደቅኹም ብየሆዋ ንኽሕጐሱ ሓግዝዎም” ዘርእስቱ ኽፍሊ ብዛዕባዚ ሓሳባት ክህበናን እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ኸርእየናን እዩ።

ንዅሉ እቲ የሆዋ ምሳልያዊ ልብና ጥዑይን ድልዱልን ኰይኑ ንክቕጽል ዝገበረልና ምድላዋት ንጥቀመሉ ዲና፧ እቲ በጻሒ ተዛራባይ ዘቕርቦ ናይ መወዳእታ ዝርርብ “ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ወትሩ ፍጹም ልቢ ይሃልኹም” ዘርእስቱ ዀይኑ: መንፈሳውነትና ንኽንዕቅብ ኣብ ዘኽእለና ኣርባዕተ መዳያት ዘተኵር እዩ። ንዕቱብ ጸሎት: ንመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ: ብቕንኣት ንዝፍጸም ኣገልግሎት: ከምኡውን ምስ ካልኦት ክርስትያናት ንዘሎና ርክብ ክንደይ ዝኣክል ግዜን ጻዕርን ኢና እንውፊ፧ ኣብዚ መዳያት እዚ ምምሕያሽ ክንገብር ንኽእልዶ፧

የሆዋ “ልብኻ ናብ ተግሳጽ: ኣእዛንካ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ” ብምባል ጻውዒት የቕርበልና ኣሎ። (ምሳ. 23:12) ኣብዚ መንፈሳዊ ትምህርቲ እትረኽበሉ ኣኼባ ንኽትእከብ ካብ ሕጂ መደብ ግበር። ከምዚ ምግባርካ ንየሆዋ ብፍጹም ልብኻን ብፍታው ነፍስኻን ንኸተገልግሎ ኸበራትዓካ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ