ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
1, 2. ናይ ፓይነር ኣገልግሎት እንታይ በረኸት እዩ ዘምጽእ: ስለምንታይከ፧
1 ሓደ ፓይነር “ነቲ ሓቂ ንኻልኦት ብምክፋል ዝርከብ ዕግበት ካልእ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ከምጽኣለይ ከም ዘይክእል እፈልጥ እየ” በለ። ሓንቲ ኻልእ ድማ “ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጥዑም ድቃስ እድቅስ: ልበይ ድማ ብሓጐስ እዩ ዝመልእ” በለት። እቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዝርከቡ እሞ ፓይነር ብምዃን ዝርከብ በረኸት ዝጠዓሙ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዞም ፓይነራት ዝበልዎ እዩ ዝስምዖም።—ምሳ. 10:22
2 ንኻልኦት ሰባት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ህይወት ዘድሕን ፍልጠት ንኽረኽቡ ምሕጋዞም: ናይ ሓቂ ዕግበት የምጽእ። (ግብ. 20:35፣ 1 ተሰ. 2:19, 20) ሓደ ንነዊሕ እዋን ፓይነር ኰይኑ ዘገልገለ ሓው “ሰባት . . . ኣነባብራኦም ንኽልውጡ ድራኸ ኣብ ምሕዳር ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ክትርኢ ባህ ዘብልን እምነትካ ዘደልድልን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። እወ: ፓይነራት ንሰባት ንምሕጋዝን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ድሉዋት ብምዃኖም: ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸት ይረኽቡ እዮም።
3, 4. ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንሓደ ሰብ ኣብ የሆዋ ንኽውከል ትምህርቲ ዝዀኖ ብኸመይ እዩ: እዚኸ ብመንፈስ ንኽዓቢ ብኸመይ ይሕግዞ፧
3 ኣብ የሆዋ ምውካል:- ፓይነራት ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ኸለዉ መዓልታዊ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ምስ ዝውከሉ: “ፍረ መንፈስ” ንኸፍርዩ ይሕግዞም: ዕቝባ ኸኣ ይዀኖም። (ገላ. 5:16, 22, 23) ብዘይካዚውን ንቓል ኣምላኽ ብቐጻሊ ስለ ዝጥቀሙሉ: ብጥቕሲ ጌርካ ንሓቂ ኣብ ምጥባቕን ንኻልኦት ኣብ ምብርታዕን ዝመጸ ክኢላታት እዮም። (2 ጢሞ. 2:15) ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ፓይነር ኰይኑ ዘገልገለ ሓው “ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዓሚቝ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ: እወ: ንብዙሓት ሰባት ንየሆዋን ዕላማታቱን ክፈልጡ ንምሕጋዝ ዝጥቀመሉ ዘለኹ ፍልጠት ከጥሪ ሓጊዙኒ እዩ” በለ። እዝስ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ!
4 ስርዓታውያን ፓይነራት ኣብ ካልእ ብዙሕ መዳያት እውን ኣብ የሆዋ ኽውከሉ ኣለዎም። ብስጋ ዘድልዮም ነገራት ንምርካብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ብኸመይ ከም ዝባርኾ ኽርእዩ ኸለዉ: እምነቶም ትድልድል እያ። ሓደ ን55 ዓመት ፓይነር ኰይኑ ዘገልገለ ወዲ 72 ዓመት ፓይነር “የሆዋ ፈጺሙ ኣይደርበየንን” በለ። ኣብ ርእሲ እዚውን ፓይነራት ቀሊል ናብራ ብምንባር: ካብቲ ኣብ ናብራ ህይወት ከጋጥም ዝኽእል ሓያሎ ጭንቀታት ዕቝባ ይረኽቡ እዮም። እዝስ ይስሕበካ ድዩ፧—ማቴ. 6:22፣ እብ. 13:5, 6
5. ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንሓደ ሰብ ናብ የሆዋ ንክቐርብ ዝሕግዞ ብኸመይ እዩ፧
5 ንኣምላኽ ምቕራቡ:- ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ካብ ኵሉ ዝበልጽ ነገር እዩ። (መዝ. 63:3) በቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ተደሪኽና ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ምስ እንሳተፍ: እዚ ርክብ እዚ እናደልደለ እዩ ዝኸይድ። (ያእ. 4:8) ንልዕሊ 18 ዓመት ፓይነር ኰይኑ ዘገልገለ ሓው “ናይ ፓይነር ኣገልግሎት መዓልቲ መዓልቲ ምስ ፈጣሪና ዝያዳ ርክብ ከም እንሃንጽ ብምግባር: ‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ክንጥዕምን ክንርእን’ ዘኽእለና እዩ” በለ።—መዝ. 34:8
6. ፓይነራት እንታይ ክህልዎም ኣለዎ: ካብ ርእሶም ሓሊፎምከ ንመን እዮም ዝጠቕሙ፧
6 ፓይነር ንምዃን ኵነታትካ ዘፍቅደልካ ክኸውን እኳ እንተለዎ: ኣብ ርእሲኡ ግን ፓይነራት ድልድልቲ እምነት ዘጥረዩ: ንኣምላኽን ንሰባትን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘላቶም: ከምኡውን መስዋእትታት ንክኸፍሉ እተዳለዉ ክዀኑ ኣለዎም። (ማቴ. 16:24፣ 17:20፣ 22:37-39) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝርከቡ ፓይነራት ብሩህ ገጽ ከም ዝምስክሮ: እቲ ፓይነር ካብ ምዃን ዝርከብ በረኸት ሓለፍ ዝበለ እዩ። (ሚል. 3:10) እዚ በረኸት እዚ ኣብቶም ፓይነራት ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኰነን: የግዳስ ስድራቤቶምን ጉባኤኦምን እውን ካብቲ ፓይነራት ዘርእይዎ ሰናይ መንፈስ ብዙሕ ይጥቀሙ እዮም።—ፊል. 4:23