ኣቱም መንእሰያት ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ኣንብሩ
1. ክርስትያን መንእሰያት ድልድልቲ እምነት ከማዕብሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
1 ኣብ ኣእምሮኻ ቐዳማይ ቦታ ሒዙ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ እትሓስብ፧ እቲ ብቐዳምነት ዘተሓሳስበካ ነገር እዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ነገራት ድዩ ወይስ ናብ መጻኢ ብምጥማት ኣብቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ኢኻ እተተኵር፧ (ማቴ. 6:24,31-33፣ ሉቃ. 8:14) ካብ ኣብነት ኣብርሃምን ሙሴን ከም እንርእዮ: ኣብቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓታት ተመርኲስካ ስጕምቲ ንኽትወስድ ድልድልቲ እምነት ተድልየካ። (እብ. 11:8-10, 24-26) ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ከመይ ጌርካ ኸተማዕብል ትኽእል፧ “ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት” ከተንብር እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧—1 ጢሞ. 6:19
2. ካብቲ ንጉስ ዮስያስ ዝገደፎ ኣብነት እንታይ ኢና እንመሃር፧
2 ንየሆዋ ድለዮ:- ምስ ስድራቤትካ ኣዘውቲርኩም ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ትካፈሉ እንተ ዄንኩም: እዚ ዝነኣድ እዩ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዘኣመሰለ ልማዳት ጥራይ ድልድልቲ እምነት ከም ዘፍሪ ጌርካ ኣይትሕሰብ። “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ንኽትረኽቦ: ብብሕትኻ ንየሆዋ ኽትደልዮ ኣሎካ። (ምሳ. 2:3-5፣ 1 ዜና 28:9) ንጉስ ዮስያስ ገና ንእሽቶ ኸሎ እዩ ኸምኡ ገይሩ። መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ኣብ ዘየተባብዕ ሃዋሁ እኳ እንተ ዓበየ: ወዲ 15 ዓመት ከሎ “ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ።”—2 ዜና 34:3
3. ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት ንየሆዋ ኽደልይዎ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
3 ንየሆዋ ብኸመይ ክትደልዮ ትኽእል፧ ነቲ እትኣምነሉ ተጠንቂቕካ ብምምርማርን ሓቂ ሒዝካ ኸም ዘለኻ ‘መርሚርካ ብምፍላጥን’ ኢኻ ኽትገብሮ እትኽእል። (ሮሜ 12:2 ትርጕም 1990) ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደም እንታይ ከም ዝብል ክትገልጾ: ወይ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ክትገዝእ ምጅማራ መርትዖ ኸተቕርብ ትኽእልዶ፧ ርጡብ “ፍልጠት ሓቂ” ምጥራይ: ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ንኸተንብር ዘኽእለካ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።—1 ጢሞ. 2:3, 4
4. ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ብመንፈስ እናዓበዩ ይኸዱ ኸም ዘለዉ ብኸመይ እዩ ዝግለጽ፧
4 ዮስያስ ንኣምላኽ ብምድላዩ ጽቡቕ ፍረ እዩ ኣፍርዩሉ። ወዲ 20 ዓመት ቅድሚ ምዃኑ: ነታ ሃገር ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንኸጽርያ ብትብዓት ስጕምቲ ወሰደ። (2 ዜና 34:3-7) ንስኻ እትገብሮ መንፈሳዊ ዕቤት እውን ብተግባራትካ እዩ ዝግለጽ። (1 ጢሞ. 4:15) ዘይተጠመቕካ ኣስፋሒ እንተደኣ ዄንካ: ኣገልግሎትካ ኸተመሓይሽ ጽዓር። ጽሑፋት ብምብርካት ጥራይ ኣይትዕገብ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጥቀም: ንሰባት ንኸተረድእ: ከምኡውን ነቲ ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ንኽትከታተል ሸቶ ግበር። (ሮሜ 12:7) እዚ ኸኣ ብመንፈስ ንኽትዓቢ ኽሕግዘካ እዩ።
5. ንእተጠምቁ ክርስትያናት እንታይ ኣገልግሎቶም ከስፍሑሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚታት እዩ ተኸፊቱሎም ዘሎ፧
5 ዘዝበለጸ ንየሆዋ ሃቦ:- ንየሆዋ ርእስኻ ኸም ዝወፈኻ ብጥምቀት ምስ ኣርኣኻ: ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኴንካ ኢኻ ተመዚዝካ። (2 ቈረ. 3:5, 6) እዚ ኸኣ ብምሉእ ግዜኻ ንየሆዋ ንኸተገልግሎ ኣጋጣሚታት ዝኸፍት እዩ። ብምሉእ ግዜ ምግልጋል ክበሃል ከሎ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከምኡውን ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የጠቓልል። ካልእ ቋንቋ እንተ ተማሂርካ ወይ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዘድልዩሉ ቦታ እንተ ግዒዝካ እውን ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትኽእል ኢኻ።
6. ኵላትና ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ከነንብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 ልክዕ እዩ: ኵላቶም ክርስትያናት ኣይኰኑን ኣብዚ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ክሳተፉ ዝኽእሉ። እንተዀነ ግን: ኵላትና ንየሆዋ ዘዝበለጸ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 22:37) ኵነታትካ ብዘየገድስ: ንየሆዋ ምግልጋል ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ሃቦ። (መዝ. 16:5) ከምዚ ምስ እትገብር: ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ኢኻ እተንብር።