ካብ ደም ንኽንክልከል ዝሕግዘና ምድላው
ኣቐዲሞም ዕለት ዘይተጻሕፎ ወይ 3/99 ዝብል ዕለት ዘለዎ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ወይ ወረቐት መንነት ዝመልኡ እተጠምቁ ኣስፋሕቲ: ኣብዚ ዓመት ከም ብሓድሽ ክመልኡ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብቲ 29 ታሕሳስ ኣብ እትጅምር ሰሙን ዝነበረ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ: እቲ ጸሓፊ ነቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ኣስፋሕትን ንደቆምን ነቶም ካርድታቶም ክቕይሩ ዝደልዩን ዝኸውን እኹል ካርድታት ክህልዎ ኣለዎ። ጉባኤታት ከይኣዘዛ እዚ ካርድታት እዚ ስለ ዘይለኣኸለን: እኹል ካርድታት እንተ ዘይብልኩም: እቲ ጸሓፊ ነታ ኣብ ጥቓኹም ዘላ ጉባኤ ኽሓትት ወይ ምስቲ ናይታ ጉባኤ ጽሑፍ መሕተቲ ገይሩ ተወሳኺ ካርድታት ንኽለኣኸሉ ኽእዝዝ ይኽእል እዩ።
ነዚ ካርድታት ኣብ ቤትኩም ኴንኩም ተጠንቂቕኩም ክትመልእዎ ይግባእ: ክታም ግን ከተንብሩሉ የብልኩምን። ክታም: ምስክርነት: ከምኡውን ዕለት ኣብታ ቐጺላ ዘላ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ብሓገዝ እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ እዩ ኽግበር ዘለዎ። እቶም መሰኻኽር ኰይኖም ዝፍርሙ ነቲ ወናኒ እቲ ሰነድ ክፍርም ከሎ ኽርእይዎ ኣለዎም።
ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኻብ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ወይ ካብ ወረቐት መንነት ሓሳባት ብምውሳድ: ንገዛእ ርእሶምን ንደቆምን ዝኸውን መምርሒ ኽጽሕፉ ይኽእሉ እዮም።