ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/03 ገጽ 9
  • ካብ ደም ንኽንክልከል ዝሕግዘና ምድላው

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ደም ንኽንክልከል ዝሕግዘና ምድላው
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ደም ንኽንክልከል ዚሕግዝ ሓድሽ ምድላው
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንህጹጽ ሕክምና ሕጂ ተዳሎ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ንካርድታት ኣድራሻ JW.ORG ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 12/03 ገጽ 9

ካብ ደም ንኽንክልከል ዝሕግዘና ምድላው

ኣቐዲሞም ዕለት ዘይተጻሕፎ ወይ 3/99 ዝብል ዕለት ዘለዎ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ወይ ወረቐት መንነት ዝመልኡ እተጠምቁ ኣስፋሕቲ: ኣብዚ ዓመት ከም ብሓድሽ ክመልኡ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብቲ 29 ታሕሳስ ኣብ እትጅምር ሰሙን ዝነበረ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ: እቲ ጸሓፊ ነቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ኣስፋሕትን ንደቆምን ነቶም ካርድታቶም ክቕይሩ ዝደልዩን ዝኸውን እኹል ካርድታት ክህልዎ ኣለዎ። ጉባኤታት ከይኣዘዛ እዚ ካርድታት እዚ ስለ ዘይለኣኸለን: እኹል ካርድታት እንተ ዘይብልኩም: እቲ ጸሓፊ ነታ ኣብ ጥቓኹም ዘላ ጉባኤ ኽሓትት ወይ ምስቲ ናይታ ጉባኤ ጽሑፍ መሕተቲ ገይሩ ተወሳኺ ካርድታት ንኽለኣኸሉ ኽእዝዝ ይኽእል እዩ።

ነዚ ካርድታት ኣብ ቤትኩም ኴንኩም ተጠንቂቕኩም ክትመልእዎ ይግባእ: ክታም ግን ከተንብሩሉ የብልኩምን። ክታም: ምስክርነት: ከምኡውን ዕለት ኣብታ ቐጺላ ዘላ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ብሓገዝ እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ እዩ ኽግበር ዘለዎ። እቶም መሰኻኽር ኰይኖም ዝፍርሙ ነቲ ወናኒ እቲ ሰነድ ክፍርም ከሎ ኽርእይዎ ኣለዎም።

ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኻብ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ወይ ካብ ወረቐት መንነት ሓሳባት ብምውሳድ: ንገዛእ ርእሶምን ንደቆምን ዝኸውን መምርሒ ኽጽሕፉ ይኽእሉ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ