ካብ ደም ንኽንክልከል ዚሕግዝ ሓድሽ ምድላው
ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ናይ ብሕቲ ሕክምናዊ መምርሒ ዚበሃል ሰነድን ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድን ኣብ ሓንቲ ሰነድ ብምጥርናፍ: “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ካርድ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ኣጽዲቑ ኣሎ።
እዚ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ እዩ ዜገልግል: ናብ ካልእ ዓዲ ኽትገይሽ ከለኻ እውን ከይተረፈ ኣቕዋምካ ዚገልጽ እዩ። እዚ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ዚበሃል ካርድ እዚ ኸም ብሓድሽ ክትመልኦ ዜድልየካ በዘን ዚስዕባ ኽልተ ምኽንያታት እዩ:- (1) ኣብ ድሌትካ ዚገልጽ ክፋል: ኣብ ኣድራሻኻ: ኣብ ቍጽሪ ተሌፎንካ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ነገራት ለውጢ ኽትገብር ምስ እትደሊ ወይውን (2) እቲ ካርድ ምስ ዚጠፍእ ወይ ምስ ዚበላሾ።
ነቲ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ኣብ ገዛ ዄንካ ብጥንቃቐ ኽትመልኦ ኸለኻ ብጸሎት ሕሰበሉ። ኣብቲ ካርድ ቅድሚ ምፍራምካ: ነቲ ሕጋዊ መምርሒታት ብጥንቃቐ ኽትስዕብ ኣሎካ። ንኣብነት: ክትፍርም ከለኻ ኽልተ መሰኻኽር ኪርእዩኻ ኸም ዘለዎም እቲ ካርድ ዚገልጽ እንተደኣ ዀይኑ: ክትፍርም ከለኻ እቶም መሰኻኽር ምሳኻ ኺህልዉ ኣለዎም። ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ነቶም ሓድሽ ካርድ ዘይመልኡ ኣሕዋት ሓገዝ ዜድልዮም እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ በብግዜኡ ኺሓትዎም ይኽእሉ እዮም።
ነቲ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ዚበሃል ካርድ ቕድሚ ምዕጻፍካ: ምሳኻ ርክብ ንዘለዎም እተፈላለዩ ሰብ ሞያ ሕክምና ዚኸውን ጽቡቕ ፎቶኮፒ ግበር። ንኣባላት ስድራቤትካን ንናይ ጉባኤኻ ጸሓፍን እውን ፎቶኮፒ ኽትህቦም ትደሊ ትኸውን። እቲ ቕዳሓት ኣብ A4 ዝዓቐኑ ዓብዪ ወረቐት ኰይኑ ብሓደ ወገን ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ዚበሃል ካርድ ኣብ ማእከል ኪኸውን ይግባእ። እቲ ውልቀ-ሰብ ነቲ ቐንዲ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ደኣ እምበር: ፎቶኮፒ ኣይኰነን ኪሕዝ ዘለዎ።
እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ዘለውዎም ዘይተጠምቁ ቘልዑ ነቲ ብዕለት 3/99 እተሓትመ ወረቐት መንነት ኪጥቀሙ ኣለዎም። ወለዲ እቲ ካርድ ብግቡእ ከም እተመልአን ከም እተፈረመሉን ከምኡውን ኣብ ዜድልየሉ እዋን ምስቲ ቘልዓ ከም ዚጸንሕን ኬረጋግጹ ኣለዎም።
ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኻብቲ ኣብ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ዚበሃል ካርድ ዘሎ ኸምኡውን ካብቲ ኣብ ወረቐት መንነት ዘሎ ሓሳባት ብምውሳድ: ንገዛእ ርእሶምን ንደቆምን ዚኸውን መምርሒ ኺጽሕፉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ንዅሎም እቶም ኣብታ ዓመት እቲኣ እተጠምቁ ሓደስቲ ጥሙቓት “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ኺህቦም ኣለዎ።