ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/04 ገጽ 1
  • ሞሳኻ ኣርኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሞሳኻ ኣርኢ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “መማሰውቲ ኹኑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “መማሰውቲ ኹኑ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ንየሆዋ ወድሶ እሞ ተባረኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መግለጺ ምስጋና
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 5/04 ገጽ 1

ሞሳኻ ኣርኢ

1 እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን “ኽፉእ ዘመን” እኳ እንተዀነ: ንየሆዋ እነማስወሉ ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:1) ቅድም ቀዳድም ወዱ ኣብ ክንዳና ኺሓልፍ ብምፍቃድ ክቡር ውህበት ሂቡና እዩ። (ዮሃ. 3:16) ብዘይካዚ: እቶም ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዉ ብመንፈስ ኪጠምዩ ኸለዉ: ንሕና ግን ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ንምገብ ኣሎና። (ኢሳ. 65:13) ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኢና: ኣብቲ ዜሐጕስ ምድንፋዕ እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምክፋል ድማ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ። (ኢሳ. 2:3, 4፣ 60:4-10, 22) ስለቲ ብዙሕ በረኸቱ: ንየሆዋ ብኸመይ ኢና ሞሳና ኸነርእዮ እንኽእል፧—ቈሎ. 3:15, 17

2 ብሓጐስን ብምሉእ ልብን ዚግበር ኣገልግሎት:- ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ስጋዊ ልግሲ ኺገልጽ ከሎ: “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 9:7) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት እውን ዚውዕል እዩ። ሞሳና ኣብቲ ንሓቂ ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እነርእዮ ሓጐስ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት: ከምኡውን ኣብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ክንፍጽም ከለና እነርእዮ ሓጐስ ይንጸባረቕ እዩ።—መዝሙር 107:21, 22፣ 119:14፣ 122:1፣ ሮሜ 12:8, 11

3 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ገሊኡ መስዋእትታት ኪህልዎ ዚግባእ መጠን በቲ ሕጊ ኣይተወሰነን። ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ‘ኸምቲ ኣምላኹ ዝሃቦ በረኸት’ ገይሩ ብምሃብ: ሞሳኡ ኼርኢ ይኽእል ነበረ። (ዘዳ. 16:16, 17) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: መማሰዊ ልቢ እንተልዩና: ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ኵነታትና ዜፍቅደልና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር እዩ ዚድርኸና። ገሊኣቶም ካብ ስራሕ ወይ ካብ ቤት ትምህርቲ ዕረፍቲ ኺረኽቡ ኸለዉ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንምሕላፍ ወይውን ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ይጥቀሙሉ። ንስኻኸ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ምኸኣልካዶ፧

4 ብምስጋና ምምላእ:- ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ወይ ምስጋና እንገልጸሉ ቐንዲ መገዲ ጸሎት እዩ። (1 ተሰ. 5:17, 18) ቃል ኣምላኽ ‘ብምስጋና ኽንመልእ’ ይምሕጸነና። (ቈሎ. 2:7) ኣመና ትሑዛት ክንከውን ወይ ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ እውን: ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና ምስጋና ኽንርስዕ የብልናን። (ፊል. 4:6) እወ: በገልግሎትናን ብጸሎትናን ኣቢልና: “ብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ” ንሃብ።—2 ቈረ. 9:12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ