ሞሳኻ ኣርኢ
1 እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን “ኽፉእ ዘመን” እኳ እንተዀነ: ንየሆዋ እነማስወሉ ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:1) ቅድም ቀዳድም ወዱ ኣብ ክንዳና ኺሓልፍ ብምፍቃድ ክቡር ውህበት ሂቡና እዩ። (ዮሃ. 3:16) ብዘይካዚ: እቶም ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዉ ብመንፈስ ኪጠምዩ ኸለዉ: ንሕና ግን ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ንምገብ ኣሎና። (ኢሳ. 65:13) ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኢና: ኣብቲ ዜሐጕስ ምድንፋዕ እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምክፋል ድማ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ። (ኢሳ. 2:3, 4፣ 60:4-10, 22) ስለቲ ብዙሕ በረኸቱ: ንየሆዋ ብኸመይ ኢና ሞሳና ኸነርእዮ እንኽእል፧—ቈሎ. 3:15, 17
2 ብሓጐስን ብምሉእ ልብን ዚግበር ኣገልግሎት:- ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ስጋዊ ልግሲ ኺገልጽ ከሎ: “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 9:7) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት እውን ዚውዕል እዩ። ሞሳና ኣብቲ ንሓቂ ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እነርእዮ ሓጐስ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት: ከምኡውን ኣብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ክንፍጽም ከለና እነርእዮ ሓጐስ ይንጸባረቕ እዩ።—መዝሙር 107:21, 22፣ 119:14፣ 122:1፣ ሮሜ 12:8, 11
3 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ገሊኡ መስዋእትታት ኪህልዎ ዚግባእ መጠን በቲ ሕጊ ኣይተወሰነን። ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ‘ኸምቲ ኣምላኹ ዝሃቦ በረኸት’ ገይሩ ብምሃብ: ሞሳኡ ኼርኢ ይኽእል ነበረ። (ዘዳ. 16:16, 17) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: መማሰዊ ልቢ እንተልዩና: ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ኵነታትና ዜፍቅደልና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር እዩ ዚድርኸና። ገሊኣቶም ካብ ስራሕ ወይ ካብ ቤት ትምህርቲ ዕረፍቲ ኺረኽቡ ኸለዉ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንምሕላፍ ወይውን ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ይጥቀሙሉ። ንስኻኸ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ምኸኣልካዶ፧
4 ብምስጋና ምምላእ:- ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ወይ ምስጋና እንገልጸሉ ቐንዲ መገዲ ጸሎት እዩ። (1 ተሰ. 5:17, 18) ቃል ኣምላኽ ‘ብምስጋና ኽንመልእ’ ይምሕጸነና። (ቈሎ. 2:7) ኣመና ትሑዛት ክንከውን ወይ ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ እውን: ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና ምስጋና ኽንርስዕ የብልናን። (ፊል. 4:6) እወ: በገልግሎትናን ብጸሎትናን ኣቢልና: “ብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ” ንሃብ።—2 ቈረ. 9:12