ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 6-7
መግለጺ ምስጋና
እቲ ኣብ እስራኤል ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ሕብረት ብጸሎትናን ብኣካይዳናን ንየሆዋ ሞሳና ኽንገልጸሉ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኽረና።—ፊል 4:6, 7፣ ቈሎ 3:15።
ክንጽሊ ኸለና፡ ብዛዕባ እንታይ ፍሉይ ነገራት ኢና ንየሆዋ ኸነመስግኖ እንኽእል፧—1ተሰ 5:17, 18
ምስጋናና ምስ እንገልጽ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
ሓደ ሰብ “ካብ መኣዲ ኣጋንንቲ” ኺምቀል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ንየሆዋ ሞሳ ዘይምርኣይ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧—1ቈረ 10:20, 21