ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/04 ገጽ 6
  • “ልብኹም ኣግፍሑ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ልብኹም ኣግፍሑ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ዕርክነት ምዕቃብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ፍቕርኻ ኸተግፍሕ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ነባሪ ዕርክነት ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 5/04 ገጽ 6

“ልብኹም ኣግፍሑ”

1. ነፍሲ ወከፍና እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧

1 ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነት ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጉባኤና ፍቕሪ ምእንቲ ኺሰፍን ኣበርክቶ ኽንገብር ሓላፍነት ኣሎና። (1 ጴጥ. 1:22፣ 2:17) ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ሃዋሁ ኺሰፍን ዚኽእል: ኣብ ንሓድሕድና ፍቕሪ ንምርኣይ ‘ልብና ምስ እነግፍሕ’ እዩ። (2 ቈረ. 6:12, 13) ነሕዋትናን ኣሓትናን ኣጸቢቕና ኽንፈልጦም ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

2. ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ምሕዝነት ከነደልድል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 ምሕዝነትና እናደልደለ ይኸይድ:- ንክርስትያናት ብጾትና ብዝያዳ እናፈለጥናዮም ብዝኸድና መጠን: ንእምነቶምን ጽንዓቶምን ካልእ ዜደንቕ ባህርያቶምን ብዝያዳ ኢና ኣኽቢርና እንርእዮ። ጕድለታቶም ንእሽቶ መሲሉ ይረኣየና: ምሕዝነትና ድማ ይዓቢ። ኣጸቢቕና ንፋለጥ እንተደኣ ዄንና: ብዝያዳ ኽንተሃናነጽን ክንጸናናዕን ንኽእል። (1 ተሰ. 5:11) ነቲ ሕማቕ ጽልዋታት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ምእንቲ ኽንጻወሮ: ንሓድሕድና ‘ንምጽንናዕ ክንከውን’ ንኽእል ኢና። (ቈሎ. 4:11) ኣብዘን ጸቕጢ ዝመልአን ዳሕሮት መዓልትታት: ኣብ ማእከል ህዝቢ የሆዋ ጥዑያት ፈተውቲ ብምርካብና ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!—ምሳ. 18:24

3. ንኻልኦት ንምጽንናዕ ክንኰኖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 እተፈላለየ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ: ዚቐርቡና ፈተውትና ምንጪ ፍሉይ ብርታዐን ምጽንናዕን ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 17:17) ሓንቲ ዋጋ ዘይብላ ዀይኑ ዚስምዓ ዝነበረት ክርስትያን: “ነቲ ዝነበረኒ ኣሉታዊ ሓሳባት ክዋጽኣሉ ምእንቲ ኺሕግዘኒ: ብዛዕባይ ኣወንታዊ ነገራት ዚዛረቡኒ ፈተውቲ ነበሩኒ” ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፈተውቲ: የሆዋ ዝሃበና በረኸት እዮም።—ምሳ. 27:9

4. ነቶም ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ብዝያዳ ኽንፈልጦም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ተገዳስነትካ ኣርኢ:- ነቲ ንክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ፍቕሪ ኸነግፍሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሰላም ካብ ምባል ሓሊፍና: ምሳታቶም ትርጕም ዘለዎ ዕላል ንምዕላል ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ከይኣተኻ: ተገዳስነትካ ኣርእዮም። (ፊል. 2:4፣ 1 ጴጥ. 4:15) ተገዳስነትካ እተርእየሉ ኻልእ መገዲ ድማ ምሳሕ ወይ ድራር ብምዕዳም እዩ። (ሉቃ. 14:12-14) ወይ ከኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምሳታቶም ንምግልጋል ምድላው ክትገብር ትኽእል ኢኻ። (ሉቃ. 10:1) ናብ ኣሕዋትና ብዝያዳ ንምቕራብ ተበግሶ ብዝወሰድና መጠን: ኣብ ጉባኤና ሓድነት ንኺሰፍን ኢና ኣበርክቶ እንገብር።—ቈሎ. 3:14

5. ሓደ ኻብቲ ምሕዝነትና ኸነስፍሓሉ እንኽእል መገዲ እንታይ እዩ፧

5 ነቶም መሳቱና ወይ ነቶም ንሕና እንፈትዎ ነገራት ዚፈትዉ ጥራይ ዲና ናይ ቀረባ ፈተውትና እንገብሮም፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ረቛሒታት ነቲ ኣብ ጉባኤ ኺህልወና ዚኽእል ምሕዝነት ከም ዚድርቶ ኽንገብር የብልናን። ዳዊትን ዮናታንን ብዕድመ ዀነ በተዓባብያኦም ፍልልይ እኳ እንተ ነበሮም: ጥብቂ ዕርክነት ግን ነበሮም፣ ሩትን ናእሚን እውን ብተመሳሳሊ ጥብቂ ምሕዝነት ነበረን። (ሩት 4:15፣ 1 ሳሙ. 18:1) ንስኻኸ ምሕዝነትካ ኸተስፍሕ ትኽእልዶ፧ ከምዚ ምስ እትገብር: ዘይተጸበኻዮ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።

6. ነሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ ምግፋሕና እንታይ ጥቕምታት ኬምጽኣልና ይኽእል፧

6 ንኻልኦት ዘሎና ፍቕሪ እናኣግፋሕና ምስ እንኸይድ: ንሓድሕድና ንበራታዕ: ኣብ ጉባኤና እውን ሰላም ይሰፍን። ብዘይካዚውን: የሆዋ ባዕሉ ስለቲ ነሕዋትና እነርእዮ ፍቕሪ ይባርኸና። (መዝ. 41:1, 2፣ እብ. 6:10) እምበኣር: ብእተኻእለካ መጠን ምስ ብዙሓት ሰባት ንምቅርራብ ንምንታይ ሸቶ ዘይትገብር፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ