ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/04 ገጽ 1
  • የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ይሕግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ይሕግዞም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኻልኦት ምእማን ሓጐስ የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ንኣሕዋትካ እመኖም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ኣደልድል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መወዳእታ ኪቐርብ ከሎ፡ ኣብ የሆዋ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 6/04 ገጽ 1

የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ይሕግዞም

1 መብዛሕትኦም ሰባት ገንዘብ: ስልጣን: መንፍዓት ንህይወት ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ይስምዖም። (መዝ. 12:4፣ 33:16, 17፣ 49:6) ይኹን እምበር: መጽሐፍ ቅዱስ ነቶም ንየሆዋ ዚፈርሁን ኣብኡ ዚውከሉን “ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ” ኢሉ መረጋገጺ ሂብዎም ኣሎ። (መዝ. 115:11) እስከ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ እነርእየሉ ኽልተ መዳያት ንርአ።

2 ከም ክርስትያን ኣገልገልቲ መጠን:- ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ኣብ ጉባኤን ንእተዋህበና ዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ኣብ እንፍጽመሉ እዋን ኣብ የሆዋ ኽንምርኰስ ኣሎና። ንክርስቶስ እሞ ንዘክሮ። ዋላ እኳ ወዲ ኣምላኽ እንተ ነበረ: ኣብ ሰማያዊ ኣብኡ ደኣ እምበር ኣብ ናይ ገዛአ ርእሱ ጥበብን ክእለትን ኣይተመርኰሰን። (ዮሃ. 12:49፣ 14:10) ንሕና ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኣብኡ ኽንምርኰስ ዘይግብኣና! (ምሳ. 3:5-7) ንኻልኦት ክንሕግዝን ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ እንኽእልን: የሆዋ እንተ ባሪኹና ጥራይ እዩ።—መዝ. 127:1, 2

3 መምሪሒኡን መንፈስ ቅዱሱን ኪህበና ምጽላይና ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ የርኢ። (መዝ. 105:4፣ ሉቃ. 11:13) ብዘይካዚውን: ንሰባት ካብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃር ትውክልትና ኣብ የሆዋ ኸም ዝዀነ ነርኢ። እቲ መልእኽቱ ኣልባብ ሰባት ናይ ምትንካፍ: ንህይወቶም ከኣ ናይ ምቕያር ሓይሊ ኣለዎ። (እብ. 4:12) ‘ከምቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓይሊ ጌርና ኸነገልግል ከለና’ የሆዋ ይኽበር።—1 ጴጥ. 4:11

4 ጸገማት ኣብ ምእላይ:- ጸቕጥታትን ጸገማትን ምስ ዜጋጥመና የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘና ናብኡ ኽንጽጋዕ ኣሎና። (መዝ. 46:1) ንኣብነት: ኣስራሒና ኣኼባታት ንኽንከይድ ፍቓድ ኪኸልኣና ወይ ከኣ ኣብ ናብራ ስድራቤትና ጸገማት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። የሆዋ በቲ ቓሉን ማሕበሩን ገይሩ ዚህበና መምርሒታት ኣብ ግብሪ ምውዓልና ኸምኡውን ናብኡ ምጽላይና ነቲ ኣብኡ ዘሎና እምነት የርኢ። (መዝ. 62:8፣ 119:143, 173) ከምዚ ዝገበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ሓገዙ ኣብ ተመክሮ ህይወቶም ርእዮምዎ እዮም።—መዝ. 37:5፣ 118:13, 16

5 የሆዋ ባዕሉ “ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል: ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ” ኢሉ መረጋገጺ ሂቡና እዩ። (ኤር. 17:7) እምበኣር: ብእንገብሮ ዅሉ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ነርኢ!—መዝ. 146:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ