መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያ.
“ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ምስጢር ማሕተም እቲ ኣራዊት ገይሩ ንሰባት ዜገድስ ነገር የለን። ብዛዕባ እዝስ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ራእይ 13:16-18 ኣንብብ።] መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ምስጢር እዚ ኽንፈትሓሉ ዜኽእለና ኣመት ይህበና እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ ኣመት እዚ እያ እትገልጽ።”
Apr. 8
“መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ሙሴ ይፈልጡ እዮም። ካብተን ሙሴ እተዛረበን ነገራት ሓንቲ ነቶም ኣብዚ ግዜ እዚ እንነብር ሰባት ከም እትትንክፍዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ዘዳግም 18:15 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ እቲ ኺመጽእ እዩ እተባህለሉ ነብዪ መን ምዃኑን ንደቅሰብ እንታይ ረብሓታት ከም ዜምጽእን ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሚያ.
“ሓድሓደ ሰባት ኣብ ህይወት ዜጋጥም ነገራት ኵሉ: ዋላ ዜሕዝን ፍጻመ እውን ይኹን: ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም። ብዛዕባ እዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መብዛሕትኦም ሰባት ነዛ ጸሎት እዚኣ ይፈልጥዋ እዮም። [ማቴዎስ 6:10ለ ኣንብብ።] መዓስ እዩ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዚኸውን: ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዓላማኸ እንታይ እዩ፧ እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Awake! Apr. 22
“ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ገለ ሰባት ተስፋ ዘይብሎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ንስኻኸ ኸምኡ ተሰሚዕካዶ ይፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ሮሜ 15:4 ኣንብብ።] መብዛሕትኦም ሰባት ተስፋ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ይሰማምዑሉ እዮም። እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ተስፋ ኣድላዪ ዝዀነለን ሸውዓተ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ዝሓዘት እያ። ኣንቢብካ ኸም እትጥቀመላ ርግጸኛታት ኢና።”