መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ
“ኣብዛ ሎሚ ብሽግር መሊኣ ዘላ ዓለም ብዙሓት ሰባት: ‘ህይወት ብኽንድዚ ዚኣክል ሽግራት መሊኣ ዘላ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ እንተ ኣልዩ: ንዅሉ ስቓይ ንምልጋስ ስለምንታይ እዩ ገለ ነገር ዘይገብር፧’ ኢሎም ይሓቱ። ብዛዕባ እዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚርከብ ፍልጠት ተመርኲሳ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚኸውን መልሲ ትህብ።” 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።
Awake! July
“ሎሚ ብዙሕ ሓዳር ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ እዩ ዘሎ። ናይ ሓዳር መጻምድቲ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ እንተ ደኣ ኣውዒሎምዎ ዚጥቀሙዶ ይመስለካ፧ [ኤፌሶን 4:32 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ሕጉስ ሓዳር ንምምስራት ዚሕግዝ ፍቱን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትጠቅስ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሓምለ
“ንሽግራት ደቅሰብ ክትፈትሕ እትኽእል መንግስቲ ትመጽእዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 6:9, 10 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላቱ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት መንግስቲ ኽትመጽእ ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። [ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ናይ ሰብ መንግስታት እትበልጸሉ ምኽንያትን ንደቅሰብ እተምጽኦ በረኸትን ትገልጽ።”
Awake! July
ንሓደ መንእሰይ ክትረክብ ከለኻ: ከምዚ ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ:- “ብዙሓት መሳቱኻ ብዛዕባ መርዓ ይሓስቡ እዮም። ብዛዕባ እዚ ዜተኣማምን ሓበሬታ ኻበይ ክትረክብ እትኽእል ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መርዓ መን ከም ዝመስረቶ እሞ ኣስተብህል። [ማቴዎስ 19:6 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ሕጉስ ሓዳር ንኽትሃንጽ ዚሕግዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።”