ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/04 ገጽ 1
  • ምዕጋስ ዓስቢ የምጽእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምዕጋስ ዓስቢ የምጽእ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ምስ ውድብ የሆዋ ለጊብካ ንበር
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንፈተና ብኸመይ ኢና ኽንምልከቶ ዘሎና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • “እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 8/04 ገጽ 1

ምዕጋስ ዓስቢ የምጽእ

1 “ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።” (ሉቃ. 21:19) እዘን ክርስቶስ ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም” እተዛረበን ቃላት: ንጽህናና ሓሊና ብምምልላስና ብዙሕ ፈተና ኸም ዜጋጥመና እየን ዜነጽራ። ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍና ብሓይሊ የሆዋ ‘ኽሳዕ መወዳእታ ተዓጊስና ኽንድሕን’ ኢና።—ማቴ. 24:3, 13፣ ፊል. 4:13

2 ስደት: ናይ ጥዕና ጸገማት: ቍጠባዊ ሽግራት: ስምዒታዊ ጭንቀት መዓልታዊ ዜጋጥመና ፈተናታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሰይጣን ንየሆዋ ዘሎና ንጽህና ንምብልሻው ሒዅ ከም ዚብል ኣይንረስዕ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቦና እሙናት ኴንና እንተ ውዒልና: ነቲ ጸራፊ መልሲ ንምሃብ የኽእለና። ፈተና ኼጓንፈና ኸሎ ‘እንነብዖ ንብዓት’ ከም ዘይርሳዕ ምፍላጥናስ ኣየ ኽንደይ ኰን ዜተባብዕ እዩ! ንብዓትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ኣለዎ: ንጽህናና ድማ ንልቡ የሐጕሶ እዩ።—መዝ. 56:8፣ ምሳ. 27:11

3 ፈተናታት ብሱላት ይገብረና:- ጸበባ: ሓደ ሰብ ዘለዎ ምጕዳል እምነትን ከም ትዕቢትን ዓቕሊ ምስኣን ዝኣመሰለ ሕማቕ ኣመልን የቃልዕ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ብዘይብሉ መገዲ ኻብ ፈተና ንምህዳም ወይ ነቲ ፈተና ደው ንምባል ኣብ ክንዲ ንጽዕር: ነቲ ቓል ኣምላኽ “ብትዕግስቲ ክሳዕ መወዳእታ ጽንዑ” ኢሉ ዝሃበና ምኽሪ ነቕልበሉ። ከመይሲ: ኣብ ፈተና ብእምነት ምጽናዕና “ፍጹማትን ምሉኣትን” ይገብረና። (ያእ. 1:2-4 ትርጕም 1990) ኣብ ፈተና ምጽማም ከም ልእመት: ሓልዮት: ምሕረት ዝኣመሰለ ብዋጋ ዘይሽነን ባህሪ ኸነጥሪ ይሕግዘና።—ሮሜ 12:15

4 እተዀልዐት እምነት:- ኣብ ፈተና ምስ እንጸንዕ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝያ ዝኸበረት እተዀልዐት እምነት ኢና እነጥሪ። (1 ጴጥ. 1:6 7) ከምዚኣ ዝበለት እምነት ንመጻኢ ኣብ ዜጓንፈና ፈተናታት ተባዓት ኴንና ኽንዋጽኣሉ ትሕግዘና። ብተወሳኺ: ስምረት ኣምላኽ ንረክብ: እዚ ኸኣ ንተስፋና የደልድላ: ዝያዳ ህያው ድማ ይገብራ።—ሮሜ 5:3-5

5 ኣብ ያእቆብ 1:12 እቲ ብምዕጋስና እንረኽቦ ዝበለጸ ዓስቢ “ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ: እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ” ይብለና። እምበኣርከስ: የሆዋ “ነቶም ዜፍቅርዎ” ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾም ብምትእምማን ክሳዕ መወዳእታ ንዕኡ ውፉያት ኴንና ንጽናዕ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ