ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/07 ገጽ 1-2
  • “እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ንፈተና ብኸመይ ኢና ኽንምልከቶ ዘሎና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ምዕጋስ ዓስቢ የምጽእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ፈተናታት እናተጻወርና ብኸመይ ሓጐስና ንዕቅብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 7/07 ገጽ 1-2

“እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ”

1 ኵሎም ክርስትያናት ፈተናታት የጋጥሞም እዩ። (2 ጢሞ. 3:12) ፈተናታት ብኸቢድ ሕማም: ብቝጠባዊ ጸገም: ብመስጐጕቲ: ወይ ብኻልእ ብዙሕ መገድታት ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ሰይጣን ፈተናታት ዜምጽኣልና ንኼዝሕለና: ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ሸለል ከም እንብል ንኺገብረና: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ደው ንኼብለና እዩ። (እዮ. 1:9-11) ብፈተና ምዕጋስ ሓጐስ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧—2 ጴጥ. 2:9

2 ንፈተናታት ድሉው ኩን:- የሆዋ: ጸብጻብ ታሪኽ ህይወትን ትምህርትታትን የሱስ ዘጠቓለለ ሓቂ ዝዀነ ቓሉ ኣዳልዩልና እዩ። ንቓላት የሱስ ብምስማዕን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን: ንፈተናታት ድሉዋት ንኽንከውን ዚሕግዘና ድልዱል መሰረት ክንስርት ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 6:47-49) ካብ ከም ክርስትያናዊ ሕውነትና: ኣኼባታት ጉባኤ: ከምኡውን ካብቲ በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዚዳሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዝኣመሰለ መሰናድዎታት እውን ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ጸሎት እውን ወትሩ ንጥቀመሉ ኢና።—ማቴ. 6:13

3 የሆዋ ተስፋ እውን ሂቡና እዩ። ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ድልድልቲ እምነት ምስ እትህልወና: ተስፋና ኸም “መልህቅ ነፍሲ: ድልድልትን ጽንዕትን” ትኸውን። (እብ. 6:19) ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ሓንቲ መርከብ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣየር እውን ከይተረፈ: ብዘይ መልህቅ ካብ ወደብ ኣይትብገስን እያ። ሃንደበት ማዕበል ምስ ዚለዓል: ነቲ መልህቅ ናብ ባሕሪ ምድርባይ ነታ መርከብ ምስ ኣኻውሕ ካብ ምግጫው የድሕና። ብተመሳሳሊ: ሕጂ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ምድልዳል: ከም ማዕበል ዝበለ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንኽንሃድእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ፈተናታት ብሃንደበት ኪለዓል ይኽእል እዩ። ስብከት ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ልስጥራ ፈለማ ጽቡቕ ተቐባልነት እኳ እንተ ረኸበ: ኣይሁዳውያን ተጻረርቲ ምስ መጹ ግን እቲ ዅነታት ብሃንደበት ተቐየረ።—ግብ. 14:8-19

4 ትዕግስቲ ሓጐስ የምጽእ:- ምጽራር እናኣጋጠመ ኽነሱ ኣብ ኣገልግሎት ጸኒዕካ ምቕጻል ናይ ኣእምሮ ሰላም የምጽኣልና። ምእንቲ ስም ክርስቶስ ክንሓስር ብቑዓት ኴንና ምስ እንቝጸር ንሕጐስ ኢና። (ግብ. 5:40, 41) ፈተናታት ምዕጋስ ከም ትሕትና: ተኣዛዝነት: ከምኡውን ትዕግስቲ ዝኣመሰላ ባህርያት ብዝያዳ ኸነማዕብል ይሕግዘና። (ዘዳ. 8:16፣ እብ. 5:8፣ ያእ. 1:2, 3) ኣብ የሆዋ ኽንውከል: ኣብ መብጽዓታቱ ኽንተኣማመን: ከምኡውን ኣብኡ ኽንምዕቈብ ይምህረና።—ምሳ. 18:10

5 ፈተናታት ግዝያዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (2 ቈረ. 4:17, 18) ንኣምላኽ ዘላትና ዓማቝ ፍቕሪ ንኸነርኢ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልና። ብፈተናታት ምዕጋስ: ንኽስታት ሰይጣን መልሲ ንህበሉ። ስለዚ: ኣይንሕለልን ኢና! “ተፈቲኑ ምስ ወጸ: . . . ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ: እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።”—ያእ. 1:12

[ኣብ ገጽ 1 ዘሎ ስእሊ]

(ናብ 2ይ ገጽ 3ይ ዓምዲ ይቕጽል)

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ስእሊ]

ብፈተና ዚዕገስ (ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ