ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ —ዓብይን ብርቱዕን ደገ
1 የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ “[ንህዝበይ] ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ: ድሕርዚ ኸኣ ኣይኪፈርሃን ኣይኪስምብዳን ገለ እኳ ኣይኪስእናን እየን” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (ኤር. 23:4) ሎሚ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ጕስነት ካብ ኵሎም ኣህዛብ ኣብ እተዋጽኡ ሰባት ይፍጸም ኣሎ። እዚ ኸኣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሽማግለታት ጉባኤ እዩ ዚፍጸም ዘሎ። ኣብ ርእሲ እዚ: ከም ኣውሊ ዝምብዛሖም መንእሰያት ነገልግሎት የሆዋ ፈትዮም ይመጹ ኣለዉ። (መዝ. 110:3) እዞም ትሑታት ኣሕዋት እዚኣቶም ንጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዮም ዚዀኑ! እቲ መንፈሳዊ ናይ ምእካብ ዕዮ ኽሳዕ ዝቐጸለ: ነሕዋቶም ኬገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ኬድልዩ እዮም።
2 ንጽል ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ተወሳኺ ሓላፍነታት ምእንቲ ኺስከሙ ንምስልጣኖም: ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ዚበሃል ጽቡቕ ምድላው ተገይሩ ኣሎ። እዚ ትምህርቲ እዚ ብ1987 ኻብ ዚጅመር ኣትሒዙ: ካብ 140 ንላዕሊ ሃገራት እተዋጽኡ ልዕሊ 22,000 ተመሃሮ ኣብ 999 ክፍልታት ስልጠና ተዋሂብዎም እዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” እዩ ዀይኑሎም።—1 ቈረ. 16:9
3 ዕላማ እቲ ቤት ትምህርቲ:- ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ብቕዓት ንዘለዎም ሰብኡት ኣብቲ ማሕበር እትደልዮም ዝዀነ ይኹን ቦታ ሓላፍነት ንኺስከሙ ንምስልጣንን ንምዕጣቕን ብዚብል ዕላማ እዩ ተዳልዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ግንባር ቀደም ንምዃን: ነተን መጓሰ ንምጕሳይ: ከምኡውን ኣብ ጉባኤ ንምምሃር ዘለዎም ክእለት የብልሖ። ገሊኦም ተመሃሮ ድሕሪ ምረቓ ኣብ ዓዶም ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ፍሉያት ፓይነራት ወይ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዀይኖም ይምደቡ። ገሊኦም ከኣ ናብ ጉባኤኦም ተመሊሶም ወይ ኣብ ውሽጢ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዜመሓድሮ ዞባ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኼገልግሉ ይምደቡ።
4 ተመሃሮ ኣብቲ ሸሞንተ ሰሙን ዚወስድ ትምህርቲ ጽዑቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚገብሩ። ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስን ሓላፍነት ጕስነትን ኣስፊሖም ይምርምሩ: ኣብ ክርስትያናዊ ናብራ ዚፍጠር ሽግራት ብኸመይ ከም ዚፈትሑ ድማ መምርሒ ይወሃቦም። ብዛዕባ ምምሕዳራውን ፍርዳውን ጕዳያት እውን ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚብል ይመሃሩ። ኣብ ህዝባዊ ዝርርብ ፍሉይ ስልጠና ይወሃቦም: መንፈሳዊ ዕቤቶም ንኺፋጠን ድማ ብብሕቲ ሓገዝ ይወሃቦም።
5 ኪማላእ ዘለዎ ብቕዓታት:- ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ኪማላእ ዘለዎ ብቕዓታት ክብ ዝበለ እንተዀነ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። እቶም ኣመልከትቲ እንተ ወሓደ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ዜገልገሉ ኪዀኑ ኣለዎም። ኵላቶም ንጽልን ካብ 23 ክሳዕ 50 ዝዕድሚኦምን ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ ስለ ዚወሃብ: እቶም ኣመልከትቲ እንግሊዝኛ ኼንብቡን ኪጽሕፉን ብጽቡቕ ኪዛረቡን ዚኽእሉ ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚውን ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎምን ፍሉይ ክንክን ወይ ኣመጋግባ ዘየድልዮምን ኪዀኑ ይግባእ። ስርዓታውያን ፓይነራት እንተዀኑ እውን ይምረጽ።
6 እቶም ወለንተኛታት ኣብ እተደልዩሉ ዘበለ ቦታ ንምግልጋል ፍቓደኛታት ኪዀኑ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ድማ ከምቲ “እኔኹ ልአኸኒ” ብምባል ንዝቐረበሉ ፍሉይ ዕዮ ንምፍጻም ብሃንቀውታ ገዛእ ርእሱ ዘቕረበ ነብዪ ኢሳይያስ ዝነበሮ ዓይነት መንፈስ የድልዮም። (ኢሳ. 6:8) ኢሳይያስ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ትሕትና እውን ኣርእዩ እዩ። እቶም ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ኺኣትዉ ዜመልክቱ: ምርኡያት ወይ ጕሉሕ ቦታ ዘለዎም ኪዀኑ ኢሎም ዘይኰነስ: በቲ ነሕዋቶም ዘለዎም ፍቕርን ንምግልጋል ዘለዎም ባህግን ተደሪኾም ኪዀኑ ኣለዎም። ጽቡቕ ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ: እቶም ተመረቕቲ ነቲ እተማህርዎ ንኻልኦት ብዚጠቅም መገዲ ኺፍጽምዎ ትጽቢት ይግበረሎም።—ሉቃ. 12:48
7 ዚርከብ ረብሓታት:- እቶም ተመረቕቲ ኣብቲ ሸሞንተ ሰሙን ዚወስድ ጽዑቕ ስልጠና: ‘ቃል እምነትን ጽቡቕ ምህሮን እዮም ዚምገቡ።’ (1 ጢሞ. 4:6) እዚ ኸኣ ኣብቲ እተመደብዎ ጉባኤታት ወይ ወረዳታት ንኻልኦት ንኺሕግዙን ንኼተባብዑን የዕጥቖም። ኣብቲ ኻብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ እተመረቑ ኣሕዋት እተመደቡሉ ሓያሎ ቦታታት: ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈታት ወሲኹ፣ ኣስፋሕቲ: ብፍላይ መንእሰያት: ፓይነር ኰይኖም ኬገልግሉ ተተባቢዖም፣ ከምኡውን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኪእከቡ ንዝጀመሩ ሓደስቲ ሰባት ዝያዳ ቘላሕታ ተገይሩ እዩ።
8 ካብ 23 ክሳዕ 50 ዝዕድሜኻ ንጽል ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዲኻ፧ ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ንምእታው ንምንታይ ዘይተመልክት፧ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ሸቶታትካ እትሓስብ ዘለኻ መንእሰይ ዲኻ፧ በቲ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ንምእታው ንምንታይ ንናብራኻ ቐሊልን ዕንቅፋት ዘይበዝሖን ዘይትገብሮ፧ እዚ ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን ኬምጽኣልካ እዩ። እወ: ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ነቶም ካብቲ ቤት ትምህርቲ ተመሪቖም ዚወጹ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን በረኸት ኣምጺኡ እዩ።
ካብቲ ስልጠና ዝረኸብዎ ረብሓታት
“እቲ ስልጠና ነገልግሎተይ ኰነ በቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጥበብ ገይረ ንምጕሳይ ዘሎኒ ኽእለት ብሓቂ ኣመሓይሽዎ እዩ።”
“እቲ ትምህርቲ ኣብ ጉባኤ ንዘሎኒ እተፈላለየ ሓላፍነታት ንምፍጻም ዝያዳ ምትእምማን ኣሕዲሩለይ እዩ።”
“ዳርጋ ንዅሉ መዳይ ህይወተይ እዩ ቐይርዎ: ብዛዕባ ቲኦክራስን ማሕበር ኣምላኽን ዝነበረኒ ስምዒት እውን ተቐዪሩ እዩ።”
“እቲ ዝረኸብክዎ ስልጠና ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድካ ምግልጋል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኽግንዘብ ኣኽኢሉኒ እዩ።”