ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/04 ገጽ 6
  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ድግማ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ‘ከመይ ጌርካ ኸም እትሰምዕ ተጠንቀቕ’
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 10/04 ገጽ 6

ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ

ናይ መጠንቀቕታ ምልክት ርኢና ወይ ሰሚዕና ኸነብቅዕ ኣድላዪ ስጕምቲ ምስ ዘይንወስድ ሳዕቤኑ ኣዕናዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ የሆዋ ዚህቦ መንፈሳዊ መምርሒ ንምስዓብ ድማ ዝያዳ ስጕምቲ ምውሳድ የድሊ። ኣብዛ ናይ ኣገልግሎት ዓመት እዚኣ ዚግበር ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እዚ ነጥቢ እዚ ኺጐልሕ እዩ። ቀንዲ ኣርእስቱ “ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ” ዚብል እዩ።—ሉቃ. 8:18

እቲ በጻሒ ተዛራባይ ኣብ ናይ መጀመርታ ዝርርቡ: ነቲ ጳውሎስ ንሰብ እብራውያን ኣብተን ቀዳሞት ምዕራፋት ኣብ ዝሰደዶ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ዚርከብ ምኽሪ: ኣብ ግዜና ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ኼረድእ እዩ። ኣብቲ “ኣምላኽ ንዚህበና መምርሒ ወርትግ ነቕልበሉ” ዘርእስቱ ናይ መዛዘሚ ዝርርቡ: ኵላትና ንየሆዋ: ንየሱስ ከምኡውን ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብሓቂ ንሰምዖ እንተሊና ርእስና ኽንምርምር ኪሕግዘና እዩ።—ማቴ. 24:45

ሓያሎ ኽፋል እቲ ኣኼባ ብፍላይ ንስድራቤታት ዚጠቅም እዩ። “እተን ንቓል ኣምላኽ ኣቓልቦአን ከይተሰርቀ ዚሰምዓ ስድራቤታት” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ነገራት ንመንፈሳዊ ዕቤትና ኸይሓንቆ ኽንጥንቀቕ ኪሕግዘና እዩ። ነቶም ኣብ ናብራኦም ለውጥታት ብምግባር ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ዝሃቡ ሰባት ቃለ-መጠይቕ ኪግበረሎም እዩ። እቲ “መንእሰያትና ቓል ኣምላኽ ጽን ኢሎም ምስ ዚሰምዑ ብኸመይ እዮም ኪዕጠቑ ዚኽእሉ፧” ዘርእስቱ ዝርርብ: መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ: ምስ መዛንኦም: ወይውን ኣብ ኣገልግሎት: ከመይ ኢሎም ንሓቂ ኸም እተጣበቑ ዜርኢ ቓለ-መጠይቓት ኬጠቓልል እዩ። እቲ “እቶም ንኣምላኽ ዚሰምዕዎን ካብኡ ዚመሃሩን ቈልዑ” ዘርእስቱ ዝርርብ ከኣ ነቲ ነኣሽቱ ዘለዎም ናይ ምምሃር ክእለት ትሑት ግምት ከይንህቦ ኺሕግዘና እዩ። እቲ ንቘልዑን ንወለዶምን ዚግበረሎም ቃለ-መጠይቕ: ንቘልዑ ኻብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝካ መገድታት የሆዋ ምምሃሮም ዘለዎ ረብሓ ኽንርዳእ ኪሕግዘና እዩ።

ሰይጣን ‘ንብዘላ ዓለም ኣብ ዜስሕተሉ ዘሎ’ ግዜ: የሆዋ ነቶም እሙናት ባሮቱ ኺመላለስሉ ዘለዎም መገዲ ይሕብሮም ኣሎ። (ራእ. 12:9፣ ኢሳ. 30:21) የሆዋ ዚህበና ምኽሪ ብኣቓልቦ እንተደኣ ሰሚዕናን ብተኣዛዝነት ኣብ ግብሪ እንተደኣ ኣውዒልናዮን: ጥበበኛታት ንኸውን: ሓጐስ የምጽኣልና: ከምኡውን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ይመርሓና።—ምሳ. 8:32-35

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ