ናይ ፓይነር መንፈስ ኣርኢ
1. ንናይ ፓይነር መንፈስ ብኸመይ ትገልጾ፧
1 ኵሎም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዋላ እኳ ፓይነራት ኰይኖም እንተ ዘየገልገሉ: ናይ ፓይነር መንፈስ ኬርእዩ ግን ይኽእሉ እዮም። ነቲ ንኺሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንኺገብሩን እተዋህቦም ትእዛዝ ኪፍጽሙ እዮም ዚደልዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 18:5) ብዛዕባ ሰባት ኣዝዮም እዮም ዚግደሱ: ምእንቲ ኣገልግሎቶም ድማ መስዋእትታት ይኸፍሉ እዮም። (ማቴ. 9:36፣ ግብ. 20:24) ካልኦት ነቲ ሓቂ ንኺፈልጡ ዜድሊ ዅሉ ንምግባር ድሉዋት እዮም። (1 ቈረ. 9:19-23) እስከ ኣብነት እቲ ኸምዚ ዓይነት መንፈስ ዘርኣየ: ቀናእ ወንጌላዊ ዝነበረ ፊልጶስ ንርአ።
2. ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንቕንኣት ፊልጶስ ብኸመይ ኪቐድሕዎ ይኽእሉ፧
2 ኣብ ምስባኽን ምምሃርን:- ፊልጶስ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሕ ከቢድ ሓላፍነታት እዩ ነይርዎ። (ግብ. 6:1-6) እንተዀነ ግን: ቀናእ ሰባኽ እቲ ብስራት ነበረ። (ግብ. 8:40) እምበኣር: ኣብዚ ግዜና ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ነቲ እተመዘዝዎ ዕዮ እናፈጸሙ: ኣብ ኣገልግሎት ብውዕዉዕ ስምዒት ብምስታፍ ናይ ፓይነር መንፈስ ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። እዝስ ንመንፈስ እታ ጉባኤ ኽንደይ ኰን ዜበራትዕ እዩ!—ሮሜ. 12:11
3. ኣብ ግዜ ፈተና ናይ ፓይነር መንፈስ ከመይ ጌርና ነርኢ፧
3 ድሕሪ ሞት እስጢፋኖስ እተላዕለ ስደት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ በተኖም። ይኹን እምበር: ፊልጶስ ምስባኹ ቐጸለ: ንሳምራውያን ኣብ ምስባኽ ድማ ዓብዪ ግደ ነበሮ። (ግብ. 8:1, 4-6, 12, 14-17) ንሕናውን ኣብ ግዜ ፈተና ነቲ ብስራት ብምንጋርን ብዘይ ኣድልዎ ድማ ንዅሎም እንረኽቦም ሰባት ብምስባኽን ኣብነቱ ኽንስዕብ ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 4:9
4. ከም መምህር መጠን ፊልጶስ እንታይ ኣብነት እዩ ገዲፉ፧
4 እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ እምነቱ ምቕያሩ ነቲ ፊልጶስ ከም መምህር ቃል ኣምላኽ መጠን ዝነበሮ ኽእለት የርእየና። (ግብ. 8:26-38) ስለዚ: ‘ብጽሑፋት ጌርካ ምዝርራብን’ ብመጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጥቃም ክእለት ምምዕባልን እምበኣር ናይ ፓይነር መንፈስ እነንጸባርቐሉ ኻልእ መገዲ እዩ። (ግብ. 17:2, 3) ከም ፊልጶስ ንሕናውን ሰባት ኣብ ዝርከብዎን ኣብ ኵሉ ምሹእ ኣጋጣሚታትን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ ኢና።
5. ክርስትያን ወለዲ ኣብ ደቆም ናይ ፓይነር መንፈስ ንኼሕድሩ እንታይ ይሕግዞም፧
5 ኣብ ስድራቤትን ጉባኤን:- ናይ ፊልጶስ ኣመለኻኽታን ኣብነትን ንደቁ ኣወንታዊ ጽልዋ ኸም ዘሕደረለን ኣየጠራጥርን እዩ። (ግብ. 21:9) ብተመሳሳሊውን: ኣብ ህይወቶም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ዚህቡ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ተመሳሳሊ ነገር ኪገብሩ ይድርኽዎም። ምሉእ ሰሙን ድኽም ዝቐነየ ወላዲ ንምስባኽ እንተ ዘይሰልክዩ: ኣብ ልቢ ደቁ ዘይሃስስ ጦብላሕታ እዩ ዚገድፍ።—ምሳ. 22:6
6. ኣብ ጉባኤና ንዚርከቡ ፓይነራት ዘሎና ኣድንቖት ብኸመይ ነርእዮም፧
6 ፊልጶስ ነቶም ጥቕሚ ርእሶም ሰዊኦም ንየሆዋ ዜገልግሉ ዝነበሩ ቐናኣት ክርስትያናት ጳውሎስን ሉቃስን ኣብ ገዛኡ ኣአንገዶም። (ግብ. 21:8, 10) ንሕናኸ ሎሚ ንዘለዉ ቐናኣት ኣገልገልቲ ደገፍናን ኣድንቖትናን ብኸመይ ነርእዮም፧ ምናልባት መብዛሕትኦም ኣሕዋት ኣብ ዘየገልግልሉ እዋን: ናይ ንግሆ ወይ ድማ ናይ ኣጋ ምሸት ኪኸውን ይኽእል: ምስቶም ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ንኽእል ኢና። (ፊል. 2:4) ንኽንተሃናነጽ እውን ናብ ገዛና ኽንዕድሞም ንኽእል ኢና። እምበኣር ዝዀነ ይኹን ኵነታት ይሃልወና ብዘየገድስ: ኵላትና ናይ ፓይነር መንፈስ ንኸነርኢ ንጽዓር።