ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/05 ገጽ 5
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይግበር፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ኣብ ከባብን ኣብ ዓለምለኸን ንዚግበር ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ደግፍ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 1/05 ገጽ 5

ሕቶ ሳጹን

◼ ነቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዚርከቡ ሓገዝ ዜድልዮም ኣሕዋት ወፈያ ኽንገብረሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧

ሓድሓደ ግዜ: ኣብ ካልእ ሃገር ዚርከቡ ኣሕዋትና ብሰንኪ ስደት: ባህርያዊ ሓደጋ: ወይውን ካልእ ጽንኵር ኵነታት ስጋዊ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ንሰምዕ ኢና። ገሊኦም ኣሕዋት ኣብተን ሓገዝ ዜድልየን ሃገራት ናብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብቐጥታ ገንዘብ ብምልኣኽ: እቲ ገንዘብ ንውልቀ ሰባት ወይ ንሓንቲ ፍልይቲ ጉባኤ ንምሕጋዝ ወይውን ኣብ ናይ ህንጸት ውጥን ኪውዕል ይሓቱ እዮም።—2 ቈረ. 8:1-4

ንኣመንቲ ብጾትና ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ምርኣይና ዚምስገን እኳ እንተዀነ: መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ እቲ ወፈያ ዚህብ ዘሎ ሰብ ዚሓስቦ ንላዕሊ ሓገዝ ዜድልዮ ህጹጽ ኵነታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ እቲ ወፈያ ዚገብር ዘሎ ሓው ኪሕግዞ ዝሓስቦ ዘሎ ነገር ድሮ ሓገዝ ተገይሩሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ: እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ: ንማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይውን ብባህርያዊ ሓደጋ ንእተጠቕዑ ኣሕዋት ተባሂሉ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዚልኣኽ ገንዘብ: ኣብቲ እቲ ወፈያ ዚገብር ዘሎ ሰብ ዚደልዮ መዓላ ኸም ዚውዕል ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።

ነቲ ንኣሕዋትና ኼጋጥሞም ዚኽእል ሃንደበታዊ ዅነታት ቅልጡፍ ምላሽ ምእንቲ ኺህቡ ተባሂሉ ኣብ ኵለን ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈት ዚርከቡ ኣሕዋት ኣድላዪ ልምምድ ተዋሂብዎም እዩ። ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዅነታት ንኣመሓዳሪ ኣካል ሓበሬታ ትህብ እያ። ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ዜድሊ ኣመሓዳሪ ኣካል ካብታ ኣብቲ ኸባቢ ዘላ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወይውን ብቐጥታ ኻብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ኪልእኽ ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 8:14, 15

ስለዚ እምበኣር: ንዓለምለኻዊ ዕዮ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ንዚግበር ናይ ህንጸት ውጥናት ወይውን ብባህርያዊ ሓደጋ ንእተጠቕዑ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ዚግበር ኵሉ ወፈያታት ኣብቲ እትነብረሉ ዘሎኻ ሃገር ናብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብጉባኤ ወይ ብቐጥታ ኺልኣኽ ኣለዎ። በዚ ኣገባብ እዚ: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” በቲ ብኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢሉ እተገብረ ናይ ማሕበር ምድላው: ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ዜድሊ ሓገዝ ብስርዓትን በገባብን ምሕላይ ይቕጽል ኣሎ።—ማቴ. 24:45-47፣ 1 ቈረ. 14:33, 40

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ