ሕቶ ሳጹን
◼ ነቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዚርከቡ ሓገዝ ዜድልዮም ኣሕዋት ወፈያ ኽንገብረሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧
ሓድሓደ ግዜ: ኣብ ካልእ ሃገር ዚርከቡ ኣሕዋትና ብሰንኪ ስደት: ባህርያዊ ሓደጋ: ወይውን ካልእ ጽንኵር ኵነታት ስጋዊ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ንሰምዕ ኢና። ገሊኦም ኣሕዋት ኣብተን ሓገዝ ዜድልየን ሃገራት ናብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብቐጥታ ገንዘብ ብምልኣኽ: እቲ ገንዘብ ንውልቀ ሰባት ወይ ንሓንቲ ፍልይቲ ጉባኤ ንምሕጋዝ ወይውን ኣብ ናይ ህንጸት ውጥን ኪውዕል ይሓቱ እዮም።—2 ቈረ. 8:1-4
ንኣመንቲ ብጾትና ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ምርኣይና ዚምስገን እኳ እንተዀነ: መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ እቲ ወፈያ ዚህብ ዘሎ ሰብ ዚሓስቦ ንላዕሊ ሓገዝ ዜድልዮ ህጹጽ ኵነታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ እቲ ወፈያ ዚገብር ዘሎ ሓው ኪሕግዞ ዝሓስቦ ዘሎ ነገር ድሮ ሓገዝ ተገይሩሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ: እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ: ንማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይውን ብባህርያዊ ሓደጋ ንእተጠቕዑ ኣሕዋት ተባሂሉ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዚልኣኽ ገንዘብ: ኣብቲ እቲ ወፈያ ዚገብር ዘሎ ሰብ ዚደልዮ መዓላ ኸም ዚውዕል ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።
ነቲ ንኣሕዋትና ኼጋጥሞም ዚኽእል ሃንደበታዊ ዅነታት ቅልጡፍ ምላሽ ምእንቲ ኺህቡ ተባሂሉ ኣብ ኵለን ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈት ዚርከቡ ኣሕዋት ኣድላዪ ልምምድ ተዋሂብዎም እዩ። ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዅነታት ንኣመሓዳሪ ኣካል ሓበሬታ ትህብ እያ። ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ዜድሊ ኣመሓዳሪ ኣካል ካብታ ኣብቲ ኸባቢ ዘላ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወይውን ብቐጥታ ኻብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ኪልእኽ ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 8:14, 15
ስለዚ እምበኣር: ንዓለምለኻዊ ዕዮ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ንዚግበር ናይ ህንጸት ውጥናት ወይውን ብባህርያዊ ሓደጋ ንእተጠቕዑ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ዚግበር ኵሉ ወፈያታት ኣብቲ እትነብረሉ ዘሎኻ ሃገር ናብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብጉባኤ ወይ ብቐጥታ ኺልኣኽ ኣለዎ። በዚ ኣገባብ እዚ: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” በቲ ብኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢሉ እተገብረ ናይ ማሕበር ምድላው: ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ዜድሊ ሓገዝ ብስርዓትን በገባብን ምሕላይ ይቕጽል ኣሎ።—ማቴ. 24:45-47፣ 1 ቈረ. 14:33, 40