ንየሆዋ ስለ ሳህሉ ነመስግኖ ዝኽሪ
ሞት ክርስቶስ 24 መጋቢት ኪበዓል እዩ
1. የሆዋ ሳህሉ ዘርኣየና ብኸመይ እዩ፧
1 እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን: ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ” በለ። (መዝ. 107:8) ሳህሊ ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ የሆዋ ንሰባት ዘለዎ ለውሃት ጥራይ ማለት ኣይኰነን። እዚ ኣብቲ: “ጐይታየ: እግረይ አንደልሀጸ ምስ በልኩ: ጸጋኻ [ወይ: ሳህልኻ] ደገፈኒ” ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ መግለጺ ምስጋና ብንጹር ተገሊጹ ይርከብ። (መዝ. 94:18) የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ኣብ ክንዳና በጃ ምሃቡስ: ኣየ ኸመይ ዝበለ ሳህሊ ወይ ጸጋ ዀን እዩ ዘርኣየና!—1 ዮሃ. 4:9, 10
2. ንየሆዋ ዘለና ሞሳ ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧
2 በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣብ ዚቐርበሉ ዘሎ እዋን ‘ነቲ ኣምላኽ ምሕረት’ ዝዀነ የሆዋ ብኸመይ ኢና ኸነመስግኖ ንኽእል፧ (መዝ. 59:17) ኵላትና ብዛዕባ እተን የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ግዜ ወሲድና ኸነስተንትን ኬድልየና እዩ። (መዝ. 143:5) ነቲ ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2005 ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዝወጸ ናይ በዓል ዝኽሪ ፍሉይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከምኡውን ዚከኣል እንተዀይኑ ነቲ ኣብታ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ መጽሓፍ: ካብ ምዕራፍ 112-16 ዚርከብ ትምህርትታት ምስ ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ጌርካ ተወሳኺ ምርምር ምግባር ጠቓሚ እዩ። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ግዜ ወሲድካ ብተመስጦ ኣንብቦ። (1 ጢሞ. 4:15) ኣብ ቃል ኣምላኽ ጸሎት እተሓወሶ ምስትንታን ምግባር ንልብና ዚዕንግል ጥራይ ዘይኰነስ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ እንገልጸሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ።—ማቴ. 22:37
3, 4. (ሀ) ኣብነት እቶም ኣብ ላይበርያ ዘለዉ ኣሕዋትና ኽንቀድሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣብ በዓል ዝኽሪ ንመን ክትዕድም ኢኻ መዲብካ ዘሎኻ፧
3 ካልኦት ንኣምላኽ ኬመስግኑ ኣለዓዕሎም:- ዓሚ ኣብ ብዘላ ዓለም 16,760,607 ዝዀኑ ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም ነይሮም። ገለ ዓመታት ይግብር: ኣብ ሓንቲ ኣብ ላይበርያ እትርከብ ዓዲ ዚነብሩ ኣሕዋት: ነቲ ኸንቲባ እታ ዓዲ: በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ኸም ዚደልዩ ዚገልጽ ደብዳበ ልኣኽሉ። እቲ ኸንቲባ ነቲ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ናይ ኵዕሶ መጻወቲ ሜዳ ኺጥቀምሉ ኣብ ርእሲ ምፍቃዱ ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ኣብቲ በዓል ምእንቲ ኺካፈሉ ምልክታ ኸም ዚንገር ገበረ። ኣብታ ዓዲ ሓሙሽተ ኣስፋሕቲ ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ግና 636 ሰባት ተኣከቡ።
4 ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብ በዓል ዝኽሪ ብዙሓት ሰባት ኪሓብሩና ንደሊ ኢና። ዝርዝር ኣስማት እቶም ክትዕድሞም እትደሊ ሰባት ንምንታይ ዘይትሕዝ፧ በቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገበር ናይ 8 መጋቢት ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኸምኡውን ናይ 15 መጋቢት ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ መብርሂታት ተጠቒምካ ሰባት ክትዕድም ትኽእል ኢኻ። ናይ ዕድመ ወረቐት ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ኣብቲ ናይ ዕድመ ወረቐት እቲ በዓል ዝበዓለሉ ዕለትን ቦታን ብንጹር ብምጽሓፍ ንነፍሲ ወከፍ እትዕድሞ ሰብ ሃቦ። 24 መጋቢት ምስ ቀረበ ድማ ነቶም ሰባት ንምዝኽኻሮም ካልኣይ ሳዕ ብጽሓዮም።
5. ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ በዓል ዝኽሪ ኺመጹ ኸነተባብዖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብሩ ዘለዉ ጌና ግን ኣኼባታት ምክፋል ዘይጀመሩ ተመሃሮ ኻብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኺጥቀሙ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ እቲ ተመሃራይ ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ዘለዎ ምርዳእ ንምዕባይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ እተወሰነ ደቓይቕ ኣሕልፍ። ነዚ ዚሕግዝ ጠቓሚ ሓሳባት ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 3-7 ኸምኡውን መጽሓፍ ሪዝኒን (እንግሊዝኛ) ገጽ 266-9 ይርከብ እዩ።
6. ነቶም ናብ በዓል ዝኽሪ ዚመጹ ኣጋይሽ ብጽቡቕ ክንቅበሎም ዘለና ስለምንታይ ኢና፧
6 ኣጋይሽ ተቐበል:- ነቶም ናብ በዓል ዝኽሪ ዚመጹ ኣጋይሽ ብጽቡቕ ተቐበሎም። (ሮሜ 12:13) ምስቶም ዝዓደምካዮም ሰባት ኰፍ በል: መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መዝሙር መጽሓፍን ድማ ኣዳልወሎም። ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ንምክፋል ጻዕሪ ዝገበሩ ዝዛሕተሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ምዉቕ ብዝዀነ መገዲ ኽንቅበሎም ኢና እንደሊ። እቲ እነርእዮም ፍቕራዊ ተገዳስነት እንደገና ንኺሓብሩና መገዲ ኺጸርግ ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 15:3-7) ኣብዚ ቕዱስ ኣጋጣሚ እዚ: ነቲ ‘ዜደንቕ ሳህሊ’ የሆዋ ምሳና ሓቢሮም ንምምስጋን ምእንቲ ኪኽእሉ ዚከኣለና ዘበለ ንግበር።—መዝ. 31:21