“ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም: ንየሆዋ ኣፍቅርዎ”
ዝኽሪ ሞት የሱስ ብ4 ሚያዝያ ኺበዓል እዩ
1 ሓያሎ ዓመታት ይገብር ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ስርዓት ከላ: እቶም ሰበ-ስልጣን ብፍላይ ድራር ጐይታ ኺቀራረብ ከሎ ነቲ መአከቢ ቦታታት ንኺረኽቡ ኢሎም ነሕዋት ይከታተልዎም ነበሩ። እቶም ሰበ-ስልጣን ብግምት እቲ በዓል መዓስ ከም ዚበዓል ይፈልጡ ብምንባሮም: በዚ ኣሕዋት ወትሩ ይጽገሙ ነበሩ። እንታይ ደኣ እሞ ገበሩ፧ ሓንቲ ሓብቲ ምድሪ ቤታ ብማይ ተጥለቕሊቑ ነበረ። እቶም ሰበ-ስልጣን ኣብቲ ቦታ እቲ ሰባት ኪእከቡ ትጽቢት ስለ ዘይገብሩ: እቶም ኣሕዋት ብዕንጨይቲ ገይሮም ኣብ ልዕሊ እቲ ኽሳዕ ብርክኻ ዚበጽሕ ማይ ባይታ ሰርሑ። ኣብቲ ትሑት ዝናሕሱ ኽፍሊ ተጨቢጦም ኮፍ ኪብሉ እኳ እንተ ነበሮም: ብምሉኦም ኣባላት እታ ጉባኤ ነቲ በዓል ዝኽሪ ብሓጐስ ኬብዕሉ ኸለዉ ግን ዋላ ሓደ ኣይረበሾምን።
2 እዞም ዩክረይናውያን ኣሕዋትና እዚኣቶም ሞት የሱስ ንኼብዕሉ እተዋህቦም ትእዛዝ ንኺሕልዉ ዝነበሮም ቈራጽነት: ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ እዩ ዜርኢ። (ሉቃ. 22:19፣ 1 ዮሃ. 5:3) ኣብ ህይወትና ጸገማት ምስ ዜጋጥመና: በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ብምትብባዕ ኣብቲ ብ4 ሚያዝያ ዚበዓል ድራር ጐይታ ንኽንእከብ ቈራጽነት ንግበር። ከምዚ ምስ እነገብር: ከምቲ “ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም: ንእግዚኣብሄር [“ንየሆዋ:” NW] ኣፍቅርዎ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ከም ዚስምዓና ነርኢ።—መዝ. 31:23
3 ካልኦት ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ኼማዕብሉ ንሓግዞም:- ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ንኻልኦት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ንኺእከቡ ንኽንዕድሞም እውን ይድርኸና እዩ። ኣብ ናይ ለካቲት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት እታው: ንነፍሲ ወከፍና ነቶም ክንዕድሞም ዝመደብና ዝርዝር ኣስማቶም ክንጽሕፎም ኣተባቢዓትና እያ። ንዅሎም እቶም ዝመዝገብካዮም ሰባት ንምዕዳም ብትግሃት ትዓዪዶ ኣሎኻ፧ ግዜ ወሲድካ ኣገዳስነት እዚ ኣጋጣሚ እዚ ግለጸሎም። እቲ በዓል ዝኽሪ መዓስን ሰዓት ክንደይን ከም ዚበዓል ምዝኽኻሮም: ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኸኣ ሒዝካዮም ንኽትከይድ ምሕታቶም: ኣብቲ ኣኼባ ንኺእከቡ ኸተባብዖም ይኽእል እዩ።
4 ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ነቶም ዝዓደምካዮም ሰላም ንምባል ፍሉይ ጻዕሪ ግበር: ንኸይጋየሹ ድማ ተጠንቀቐሎም። ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ንኼዕብዩ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ሕቶታቶም ንምምላስ ድሉው ኩን። ኵነታት ዚፈቅድ እንተ ዀይኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጽናዕ ንኽትሕግዞም ሕቶ ኣቕርበሎም። ኣብ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትና ንኺመጹ ዓድሞም። ሽማግለታት ምናዳ ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ዚመጹ ዝዛሕተሉ ሰባት ቈላሕታ ኺገብሩሎም ይደልዩ እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንኺበጽሕዎም ቈጸራ ኺገብሩ ከምኡውን ኣብ ናይ በዓል ዝኽሪ ዝርርብ ዝቐረበ ነጥብታት ብምምርኳስ ወይ ብኻልእ መገዲ ናብቲ ናይ ቀደም ንጥፈታቶም ንኺምለሱ ኼተባብዕዎም ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 5:6-8
5 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ምዕማቝ:- ነቲ ውህበት በጃ ኣጸቢቕና ምስ እንሓስበሉ ንየሆዋን ንወዱን ዘላትና ፍቕሪ ኽትዓምቝ ትኽእል እያ። (2 ቈረ. 5:14, 15) ሓንቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ በዓል ዝኽሪ እትእከብ ዝነበረት ሓብቲ ኸምዚ በለት:- “ንበዓል ዝኽሪ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝያዳ ሃረርታ እዩ ዚሓድረና። ኣስታት 20 ዓመት ይገብር ነቲ ፍቑር ኣቦይ ኣብታ እተገንዘላ ቤት ደው ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ ነቲ በጃ ልባዊ ሞሳ ኸም እተሰምዓኒ ትዝ ይብለኒ። ቅድሚኡ ፍልጠት ጥራይ እዩ ነይሩኒ። ንዅሉ ጥቕስታት እፈልጦ: ብዚግባእ እውን እገልጾ ነይረ። ኣቦይ ድሕሪ ሙማቱ ግን ሳላ እቲ ኽቡር በጅነት እንታይ ኪፍጽም ምዃኑ ብምርድአይ ልበይ ብሓጐስ ተመልአ።”—ዮሃ. 5:28, 29
6 በዓል ዝኽሪ ዚበዓለላ ዕለት እናቐረበት ምስ ከደት: ግዜ ወሲድካ ንልብኻ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣዳልዎ። (2 ዜና 19:3) ነቲ ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2004 ዘርእስታ ጽሕፍቲ ወይ ነቲ ኣብ ናይ 2004 ዓውደ-ኣዋርሕ ዝወጸ ናይ በዓል ዝኽሪ ፍሉይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተንትነሉ። ገሊኣቶም ነቲ ኣብ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ መጽሓፍ: ካብ ምዕራፍ 112-16 ዚርከብ ትምህርትታት ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቶም ይደግምዎ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዘዳለዎ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ጽሑፋት ገይሮም ተወሳኺ ምርምር ይገብሩ። (ማቴ. 24:45-47) ኵላትና ነቲ ውህበት በጃ ኣብቲ ኻብ ልብና ዚፍልፍል ጸሎትና ኽንጠቕሶ ንኽእል ኢና። (መዝ. 50:14, 23) እወ: ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ዚኽበረሉ ወቕቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ለይትን ቀትርን ነስተንትነሉ: ፍቕርና እንገልጸሉ መገዲ ድማ ነናዲ።—ማር. 12:30፣ 1 ዮሃ. 4:10