ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ መበል 12 ክፋል:-
ተመሃሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጀምሩን ኪመርሑን ምሕጋዝ
1 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኪሳተፉ እንተደኣ ጀሚሮም: ንኻልኦት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማርን ምምራሕን ኬፍርሆም ይኽእል እዩ። ስለዚ: ኣብዚ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣገልግሎትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኼማዕብሉ ብኸመይ ምሓገዝናዮም፧—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20
2 ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ድሮ ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተመዝጊቡ ኣድላዪ ልምምድ ረኺቡ እዩ ዚጸንሕ። እቲ ኽፍሊ ንምድላውን ንምቕራብን ዚገብሮ ምልምማድ: ነቲ “ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ” ንኪኸውን ዜድልዮ ናይ ምምሃር ክእለት ኣብ ምምዕባል ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።—2 ጢሞ. 2:15
3 ኣብነት ብምዃን ምሃር:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንጹር መምርሒ ብምሃብን ሰናይ ኣብነት ብምስራዕን እዩ ኣሰልጢንዎም። ‘ተምሂሩ ዝወድኤ ዅሉ ኸም መምህሩ እዩ ዚኸውን’ ድማ በለ። (ሉቃ. 6:40) ኣብ ኣገልግሎትካ ጽቡቕ ኣብነት ብምስራዕ: ንየሱስ ክትቀድሖ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ተመሃራይካ ኣብ ኣገልግሎት ንእተርእዮ ሰናይ ኣብነት ብምዕዛብ: ዕላማ ተመላሊስካ ምብጻሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ምዃኑ ኺርድኦ እዩ።
4 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና: ብዛዕባቲ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው ብዝርዝር ምግላጽ ኣድላዪ ኸም ዘይኰነ ነቲ ተመሃራይካ ኽትነግሮ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ንምርኣይ: ካብታ ናይ መጽናዕቲ ጽሕፍቲ ሓደ ወይ ክልተ ቝጽርታት ጥራይ ምጥቃም ዝበለጸ እዩ። ከምዚ ንምግባር ዚሕግዝ ሓሳባት: ኣብ ገጽ 8 እዛ ሕታም እዚኣ ኸምኡውን ኣብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ኺርከብ ይከኣል እዩ።
5 ኣድላዪ ምስ ዚኸውን: ምሳኻ ወይ ምስ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ኣብ ካልእ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚካፈል ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ጽሑፍ ወይ ቀንዲ ጥቕስታት ተመርኲሱ ሓሳባት ብምሃብ ኪካፈል ይኽእል እዩ። እቲ ተመሃራይ ነዚ ብምዕዛብ: ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪምራሕ ከም ዚኽእል ብዙሕ ኪመሃር ይኽእል እዩ። (ምሳ. 27:17፣ 2 ጢሞ. 2:2) ስለቲ ዝገበሮ ተሳታፍነት ንኣዶ: ብኸመይ ኬመሓይሽ ከም ዚኽእል ድማ ተመያየጥሉ።
6 ንሓደስቲ ተመሃሮ መምህራን ቃል ኣምላኽ ኪዀኑ ምልምማድ: ነቲ ‘ሰናይ ግብሪ’ ዚዀነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጀምሩን ኪመርሑን ኬዕጥቖም እዩ። (2 ጢሞ. 3:17) ነቲ “ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዚብል ዕድመ ምስቶም ሓደስቲ ተመሃሮኻ ዄንካ ኽትዝርግሖሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!—ራእ. 22:17