መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግን.
“ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት: እንደገና ብህይወት ክንርእዮ ኸም እንደሊ ፍሉጥ እዩ። ኣይመስለካን፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤ ይጸናንዑ እዮም። [ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ትንሳኤ መዓስ ከም ዚኸውንን ከመይ ዝበሉ ሰባት ከም ዚትንስኡን ትገልጽ እያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ May. 8
“መብዛሕትኦም ወለዲ ንደቆም: ዚርእይዎ ነገራት ይመርጹሎም እዮም። ንስድራቤትካ ዚኸውን ፊልምታት ክትረክብ ኣጸጊሙካዶ ይፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ኤፌሶን 4:17 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ወለዲ ንደቆም ጥዑይ መዘናግዒ ንኺመርጹ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ ትገልጽ እያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ግን.
“ኣብ ዓለም ድኽነት ዘይብሉ እዋን ዚመጽእዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ እንታይ ኢሉ ኸም እተመባጽዐ እሞ ኣስተብህል። [ኢሳይያስ 65:21 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ: እዚ መብጽዓ እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ትገልጽ።” ‘እዚ መብጽዓ እዚ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧’ ንዚብል ሕቶ ንምምላስ ተመሊስካ ኽትበጽሖ ቘጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ May 22
“ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ጥዕና ንኺህልወካ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ዘይገብሩ እዮም ዚእመኑ። ሓቀይዶ ኣይኰንኩን፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣዘውቲርካ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ዘለዎ ጥቕምን ኣብዚ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ህይወትና ብኸመይ ምስ ግዜና ኸነሰማምዖ ኸም እንኽእልን ሓሳባት ትህብ።”