ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/06 ገጽ 6
  • መደብካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣጋ ምሸት ከተገልግል ምኸኣልካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ናይ ምሸት ምስክርነት ፈቲንካዮዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ነቶም ብቑዓት ዘበሉ ኣናዲ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ኣብ ኣገልግሎት ንግዜኻ ብዝበለጸ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 4/06 ገጽ 6

መደብካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧

1. ናይ ስብከት መደብና ኸነተዓራሪ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

1 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ነቲ “ገፈፍቲ ሰብ” ክንከውን እተገብረልና ዕድመ ተቐቢልናዮ ኢና። (ማቴ. 4:19) ልክዕ ከም ገፈፍቲ ዓሳ: ንሕናውን ኣብቲ ሰባት ዚርከቡሉ ግዜ ኽንሰብኽ እንተደኣ መዲብና: ኣብ ናይ ምግፋፍ ዕዮና ዝሓሸ ውጽኢት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣጋ ምሸት ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዛኦም ይርከቡ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ: መብዛሕትኡ ግዜ ፍዅስ ኢልዎም ኣጋይሽ ኪቕበሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ንኽትሰብኽ መደብካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧—1 ቈረ. 9:23

2. ነቲ ብስራት ንብዙሓት ሰባት ከነብጽሓሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

2 ናይ ምሸት ምስክርነት:- ኣብቲ ናይ ኣጋ ምሸት ሰዓታት ንኽንሰብኽ ኣቐዲምና መደብ ምግባር: ብዙሓት ሰባት ንኽንረክብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 21:5) መንእሰያት ካብ ትምህርቲ ምስ ተፈደሱ ኺሰብኩ ይኽእሉ እዮም። ካልኦት ድማ ድሕሪ ስራሕ ኪሰብኩ ይኽእሉ እዮም። ገለ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ጕጅለታት: ትምህርቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምጅማረን ንሓደ ሰዓት ዚኸውን ኪሰብካ ኺምድባ ይኽእላ እየን።

3. ኣብ ዞባኻ ኣጋ ምሸት ብኸመይ ክትሰብኽ ትኽእል፧

3 ኣብ ናይ ኣጋ ምሸት ዘሎ ሰዓታት ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ: ነቶም ኣብ ቤቶም ብዙሕ ዘይርከቡ ሰባት ንኽትረኽቦም ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣብ ብዙሕ ዞባታት: ናይ መገድን ህዝባውን ምስክርነት ናይ ምሸት ኪግበር ይከኣል እዩ። ብዙሓት ድማ ኣጋ ምሸት ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን እቲ ዝበለጸ ግዜ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

4. ኣብ ናይ ምሸት ምስክርነት ክትካፈል ከለኻ መስተውዓልን ሓላዪን ክትከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ምስትውዓል የድሊ:- ኣብ ናይ ምሸት ምስክርነት ክትካፈል ከለኻ: ምስትውዓል ኣድላዪ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ: እቲ ብዓል ቤት ኪድቅስ ኪቀራረብ ከሎ ኣብ ክንዲ እትዅሕኵሖ: ኣብቲ ናይ ኣጋ ምሸት ዘሎ ሰዓታት ጥራይ እንተ መስከርካ ዝበለጸ እዩ። (ፊል. 4:5) ማዕጾ ኽትኵሕኵሕ ከለኻ: ኪርእዩኻ ኣብ ዚኽእሉሉ ቦታ ኹን: እንታዋይ ምዃንካ ድማ ብንጹር ሓብሮም። ዕላማ መምጽኢኻ እንታይ ምዃኑ ቐልጢፍካ ንገሮም። ኣብ ዘይጥዕም ግዜ እንተደኣ መጺኻ: ንኣብነት እቶም ስድራቤት ኪበልዑ እንተደኣ ጸኒሖም: ካልእ ግዜ ኽትምለስ ምዃንካ ንገሮም። ወትሩ ሓላዪ ኹን።—ማቴ. 7:12

5. ክንሰብኽ ከለና ኼጋጥም ዚኽእል ሓደጋታት ከነርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ነቲ ኼጋጥም ዚኽእል ሓደጋታት እውን ክንጥንቀቐሉ ኣሎና። ምሸት ወይ ኪጸላምት ከሎ ትምስክር እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ደሓን ዝዀነ ቦታታት ጥራይ ስበኽ። ምስ ጸልመተ ሓደገኛ ናብ ዝዀነ ቦታታት ኣይትኺድ።—ምሳ. 22:3

6. ካብ ናይ ኣጋ ምሸት ምስክርነት እንታይ ተወሳኺ ጥቕምታት ኪርከብ ይከኣል፧

6 ናይ ኣጋ ምሸት ምስክርነት ምስቶም ሓገዝትን ስርዓታውያንን ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል የኽእለና። (ሮሜ 1:12) ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ንኽትካፈል መደብካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ