ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/96 ገጽ 1
  • ናይ ምሸት ምስክርነት ፈቲንካዮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ምሸት ምስክርነት ፈቲንካዮዶ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መደብካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ኣጋ ምሸት ከተገልግል ምኸኣልካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ነቶም ብቑዓት ዘበሉ ኣናዲ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ስበኽዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 7/96 ገጽ 1

ናይ ምሸት ምስክርነት ፈቲንካዮዶ፧

1 ኵልና ኣብ ስራሕና ውጽኢታውያን ብምዃን ሓጐስ ንረክብ ኢና። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ኣወንታዊ ውጽኢት ምስ ዘይንርኢ: ስራሕ ኣድካምን ዘየዕግብን ክኸውን ይኽእል። ትርጕም ዝመልኦ ስራሕ ብብሕቲ ዓስቢ ኣለዎ: በረኸትውን ኢዩ። (ምስ መክብብ 3:​10-​13 ኣረኣእዮ።) እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ናይ ስብከት ዕዮና ክውዕል ይኽእል ኢዩ። ካብ ቤት ናብ ቤት ምስ እንኸይድን ምስ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክንዘራረብ ምስ እንኽእልን: ብመንፈስ ተሓዲስና ናብ ቤትና ከም እንምለስ ብተመክሮ ንፈልጦ ኢና። ብሓቂ ሓደ ነገር ከም ዝፈጸምና ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓና።

2 ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ውሱን ሰዓታት ናይታ መዓልቲ ንሰባት ኣብ ገዛ ክትረኽቦም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ናይ ንግሆ ክንበጽሖም ከሎና ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ከም ዘይርከቡ ጸብጻብ ይሕብር ኢዩ። ብዙሓት ጉባኤታት ናይ ምሸት ምስክርነት ክገብራ ምትዕርራይ ብምግባረን ነዚ ሽግር እዚ ተዋጺአናሉ ኢየን: ጽቡቕ ዓወት ድማ ረኺበን ኢየን። ኣስፋሕቲ ምብጽሖም ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ክገብርዎ ከለዉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ከም ዝርከቡ: ብሓፈሻ ድማ ነቲ መልእክቲ ናይታ መንግስቲ ክሰምዑ ዝያዳ ከም ዝፈኹሶምን ከም ዘድህቡን ጸብጻብ ሂቦም ኢዮም። ኣብ ዞባኻ ናይ ምሸት ምስክርነት ፈቲንካዮዶ፧​—⁠ምስ ማርቆስ 1:​32-​34 ኣረኣእዮ።

3 ሽማግለታት ናይ ምሸት ምስክርነት ኣተሓባብሩ:- ኣብ ገለ ከባቢታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ምውድኡ ወይ ምሸት ኣብ ምጅማሩ ዘሎ ግዜ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ። ነቶም ድሕሪ ቐትሪ ካብ ትምህርቲ ዝምለሱ መንእሰያት ኣስፋሕትን ነቶም ኣብ ምምሳዩ ዓለማዊ ስርሖም ዝውድኡ ዓበይትን ሓልዮት ክግበረሎም ይከኣል ኢዩ። ገለ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ናብ ግራት ኣገልግሎት ክወጹ ዘይክእሉ ኣስፋሕቲ: እቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዘሎ ናይ ምሸት ምስክርነት ኣብቲ ዕዮ ስብከት ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽሳተፉ ተግባራዊ መገዲ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም።

4 ኣብ ግዜ ናይ ምሸት ምስክርነት ክትጽመደሎም እትኽእል እተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ብመጽሔት ወይ በቲ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዝዕደል ጽሑፍ ጌርካ ካብ ቤት ናብ ቤት ክትምስክር ትኽእል ኢኻ። እቶም ኣስፋሕቲ ብግዜ ቀትሪ ወይ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ገዝኦም ዘይረኸብዎም ሰባት ምሸት ክበጽሕዎም ዘኽእል ምቹእ ግዜ ኢዩ። ካብ ስርሖም ናብ ገዝኦም ዝምለሱ ሰባት ንኽትረክብ ኣጋጣሚ ዝህብ: ውጽኢታዊ ናይ መገዲ ምስክርነት ክትገብረሉ እትኽእል ዞባ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ንኽትበጽሖም ምሸት እቲ ዝበለጸ ግዜ ከም ዝዀነ ረኺቦምዎ ኣለዉ።

5 ጥንቁቕን መስተውዓልን ኵን:- ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ኣብ እዋን እቶ እቶ ወይ ምስ ጸልመተ ምኻድ ሓደገኛ ኢዩ። በብኽልተ ወይ ብጕጅለ ኴንካ ኣብ ጽቡቕ ብርሃን ዘለዎ መገዲ ከምኡውን ድሓን ከም ዝዀነ እተረጋገጸ ኣባይቲ ወይ ኣፓርታማ ክትበጽሕ ጥበባዊ ኢዩ። ማዕጾ ክትኵሕኵሕ ከሎኻ ኣብ ክርእዩኻ ዝኽእሉ ቦታ ደው በል: ኣነጺርካ ድማ መንነትካ ግለጽ። መስተውዓሊ ኵን። ኣብቲ ዘይምቹእ እዋን: ንኣብነት እታ ስድራቤት እናተመገበት ከላ: ከም ዝበጻሕካዮም እንተድኣ ኣስተውዒልካ: ካልእ መዓልቲ ከም እትምለስ ንገሮም። ዝበዝሕ ግዜ እቲ ምስክርነትካ ምስ መሰየ: እቶም ሰብ ገዛ ክድቅሱ ክቕረቡ ከለዉ ኣብ ክንዲ እትገብሮ: ኣጸቢቑ ከይመሰየ ኸሎ ክትገብሮ እቲ ዝሓሸ ኢዩ።

6 ንኣምላኽ ‘ለይትን መዓልትን [“ቅዱስ” ትሓዓ ] ኣገልግሎት’ ከነቕርበሉ ከሎና: የሆዋ ነቲ ጻዕርታትና ብርግጽ ክባርኾ ኢዩ።​—⁠ራእ. 7:​15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ