ክብረት ብምንጽብራቕ ንክርስቶስ ስዓቦ
1. ፍረ ነገር እቲ ናይዚ ዓመት እዚ ኣኼባ ኣውራጃ: ክብረት ምስ ምንጽብራቕ ዚዛመድ ብኸመይ እዩ፧
1 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ግርማ ኸም ዝለበሰ ገይሩ ይገልጾ። (መዝ. 104:1) የሱስ ወትሩ ንኣቦኡን ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ መሰናድዎታትን ብዜኽብር መገዲ እዩ ተዛሪቡን ተመላሊሱን። (ዮሃ. 17:4) ነፍሲ ወከፍና ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ “ንክርስቶስ ስዓብዎ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ: ንየሱስ ብምምሳል ንየሆዋ እነኽብረሉ ኣጋጣሚታት ኪህልወና እዩ።
2. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ኽንርከብ ምድላዋት ምግባርና ንየሆዋ ዜኽብሮ ብኸመይ እዩ፧
2 ምዕሩግ ኣምልኾ:- ኣብቲ የሆዋ ኣዳልዩልና ዘሎ መንፈሳዊ ድግስ ንኽንርከብ ብምምዳብ ንየሆዋ ኸነኽብሮ ንኽእል ኢና። ዓርቢ እውን ሓዊስካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ንኽትካፈል ምስ ኣስራሒኻ ተዘራሪብካን ጕዳያትካ ኣመዓራሪኻን ዲኻ፧ ኮፍ መበሊ ንኽትሕዝ ከምኡውን ኣብ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ንኽትካፈል ኣቐዲምካ ኽትከይድ መዲብካዶ፧ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ምስ ኣሕዋትካ ዄንካ ንኽትምሳሕ መዲብካዶ፧ ኣብ መኽፈቲ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ: እቲ ኣቦ መንበር ሙዚቃ ቕድሚ ምጅማሩ ሰስፍራና ኽንሕዝ ብሕያውነት ኪሓተና ኸሎ: ቀልጢፍና ዕላልና ወዲእና እቲ መደብ ቅድሚ ምጅማሩ ኾፍ ክንብል ይግባእ።
3. ነቲ መደብ ጽን ኢልና ምስማዕና ንኣምልኾና ዜኽብር ብኸመይ እዩ፧
3 ነቲ መደብ ጽን ኢልና ምስማዕና እውን ንሰማያዊ ኣቦና የኽብሮ እዩ። ሓደ ጋዜጠኛ ነቲ ኣብቲ ኸባቢኡ እተኻየደ ኣኼባ ኣውራጃ ድሕሪ ምዕዛቡ: ተዓዘብቲ በቲ “እቶም ተኣከብቲ ነቲ ዚበሃል ዝነበረ ብኣኽብሮት ጸጥ ኢሎም ብርኡይ መንፈሳዊ ባህጊ ኺከታተሉ ኸለዉ ዘርኣይዎ ኣብነታዊ ጠባይ” ከም ዚምሰጡ ጸሓፈ። ብዛዕባ እቶም “ኣዝዮም እዱባት: ጥቕስታት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ይውከሱ” ዝነበሩ “ብዙሓት ቈልዑ” እውን ሓሳብ ሃበ። እቲ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ: ብዘይረብሕ ምኽንያት ምስ ካልኦት ምዝርራብ: ብሞባይላት መልእኽቲ ምልእኣኽ: ምብላዕ: ወይ ኣብ መተሓላለፊታት ምምልላስ ግዜኡ ኣይኰነን። ንኣሽቱ ኻብቲ መደብ ንኺጥቀሙ ወለዶም ምእንቲ ኺሕግዝዎም ምስ ወለዶም ኮፍ ኪብሉ ይግባእ። (ዘዳ. 31:12፣ ምሳ. 29:15) ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ምግባር ንኻልኦት ኣኽብሮት: ነቲ እተቐረበልና ኣዝዩ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ምግቢ ድማ ሞሳ የርኢ።
4. ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ምዕሩግ ትርኢት ኪህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
4 ምዕሩግ ትርኢት:- ብዙሓት ነቲ ኣብ ናይ ዓሚ ኣኼባ ኣውራጃ ዝቐረበ “ወትሩ ክርስትያናዊ ኽብረት ኣንጸባርቑ” ዘርእስቱ መደረ እተዋህበ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ኣከዳድናኦምን ኣመለኻኽዓኦምን ክርስትያናዊ ኽብረት ኬንጸባርቑ ኸም ዘለዎም ዜጕልሕ መዘኻኸሪታት ኣማስዮምሉ እዮም። ሎሚ ዓመት እውን ነዚ ጕዳይ እዚ ዕቱብ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኣሎና። ትርኢትና ንየሆዋን ነቲ መሰኻኽሩ ንኽንከውን ዝረኸብናዮ መሰልን ዘሎና ስምዒት ዜንጸባርቕ እዩ። ወትሩ ኸምቶም ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዎም’ ክንክደን ኣሎና።—1 ጢሞ. 2:9, 10
5. ኣብታ ኣኼባ ዚግበረላ ኸተማ: ኣብ እዋን ዕረፍቲ ምዕሩግ ትርኢት ኪህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
5 ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ጥራይ ዲና ምዕሩግ ትርኢት ኪህልወና ዘለዎ፧ ብዙሓት ሰባት ኣብታ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረላ ኸተማ ባጅ ካርድ ለቢስና ኺዕዘቡና ምዃኖም ኣይትረስዕ። ትርኢትና ኻብቶም ካልኦት ሰባት ኪፈልየና ኣለዎ። ስለዚ: ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኽንምገብ ኢልና ኣብ እንወጸሉ እዋን ዕረፍቲ እውን ከይተረፈ: ክርስትያናዊ ኣኼባ ኺካፈሉ ናብታ ኸተማ ንዝመጹ ኣገልገልቲ ዚበቅዕ ክዳን ክንክደን ኣሎና። ከም ጅንስ: ሓጺር ስረ: ወይ ማልያ ዝኣመሰለ ኽዳን ክንክደን ኣይግባእን። ነዚ መምርሒ ተጠንቂቕና ምስ እንስዕብ ከመይ ዝበለ ምስክርነት ኰን ኢና እንህብ! ትርኢትና ነቲ ኸም ኣገልገልቲ ዘሎና ግደ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ከሎ: የሆዋ ይሕጐስ እዩ።
6. ክርስትያናዊ ኽብረት ምንጽብራቕ ዘለዎ ኣወንታዊ ውጽኢት እንታይ እዩ፧
6 ዜዕግብ ውጽኢት:- ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ክርስትያናዊ ኽብረት ምንጽብራቕ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚታት ይኸፍት: ንሰባት ድማ ጽቡቕ ጦብላሕታ ይገድፈሎም። ኣብ መዛዘሚ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ: ሓደ ብዓል ስልጣን: “ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም ሰባት ፈጺምና ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። ንስኻትኩም ከምቲ ኣምላኽ ክንኰኖ ዚደልየና ዓይነት ሰባት ኢኹም” በለ። ክብረት ምንጽብራቕ ንሓድሕድና ዘሎና ኣኽብሮትን ፍቕርን የርኢ: ንየሆዋ ድማ የኽብር። (1 ጴጥ. 2:12) ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዘሎና: ብኣቦና የሆዋ ኽንመሃር ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ኸኣ ከም እነማስወሉ የርኢ። (እብ. 12:28) ሃየ እምበኣር: ነቲ “ንክርስቶስ ስዓብዎ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ እዚ ዓመት እዚ እናተጸበና ኽብረት ከነንጸባርቕ ንጽዓር።