ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/09 ገጽ 1-9
  • ንመንፈሳዊ ድግስ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመንፈሳዊ ድግስ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብመንፈስ እንምገበሉን እንሕጐሰሉን ኣጋጣሚ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ኣኼባታት ኣውራጃ—ብታሕጓስ ኣምልኾ እነቕርበሉ እዋን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • መንፈሳዊ በረኸት ዚርከበለን ሰለስተ መዓልትታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ክብረት ብምንጽብራቕ ንክርስቶስ ስዓቦ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 8/09 ገጽ 1-9

ንመንፈሳዊ ድግስ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧

1. ድግስ ከመይ ዝበለ ምድላው እዩ ዚሓትት፧

1 ድግስ ብዙሕ ምድላው ይሓትት እዩ። ኣስቤዛ ኺዕደግን ጽቡቕ ጌርካ ኪኽሸንን ኪቐርብን የድሊ። እንግዶት ብስርዓት ኪግበር ምድላው የድልዮ። ብተወሳኺ፡ እቲ እንግዶት ዚቐርበሉ ቦታ ኣቐድሚካ ኺዳሎ የድሊ። ኣጋይሽ እውን ብፍላይ ካብ ርሑቕ ቦታ ዚጐዓዙ እንተ ዀይኖም፡ ኪዳለዉ ኣለዎም። ምስ ፈተውትኻን ስድራቤትካን ሓቢርካ ጥዑም ምግቢ ንምምጋብ ብዙሕ ዕዮ ዚሓትት እኳ እንተዀነ ኣዝዩ ግን ጠቓሚ እዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብዚ ብዝያዳ ትጽቢት ዚግበረሉ መንፈሳዊ ድግስ ንኺገብሩ ብዓብይን ንእሽቶን ጕጅለታት ኪእከቡ እዮም፣ እዚ መንፈሳዊ ድግስ እዚ ኸኣ “ንቕሑ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ እዩ። ነዚ መደብ እዚ ንምድላውን ንምቕራብን ዛጊት ብዙሕ ተዓዩ ኣሎ። ኵላትና ኣብዚ ተዓዲምና ኣለና። ንሕና እውን ኣብኡ ተረኺብና ብዙሕ ንኽንጥቀም፡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ክንዳሎ ይግባእ።—ምሳሌ 21:5።

2. ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣኼባ ንኽትርከብ እንታይ ምግባር የድልየካ፧

2 ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም፦ ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣኼባ ምእንቲ ኽትርከብ መደባትካ ኣተዓራሪኻዶ፧ ኣብ ኵሉ መደባት እቲ ኣኼባ ኣውራጃ እንተላይ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ንኽትእከብ ፍቓድ ምእንቲ ኺወሃበካ፡ እንተ ኣድልዩ ምስ ኣስራሒኻ ተዛራረብ። ንመጓዓዝያን መደቀስን ዜድሊ ምድላው ጌርካ ዲኻ፧ ኣረጋውያንን ስንኩላትን ሓገዝ ዜድልዮም ካልኦትን ቈላሕታ ንኺግበረሎም ሽማግለታት ኪከታተሉ ኣለዎም።—ኤርምያስ 23:4፣ ገላትያ 6:10።

3. ኣብ ዘይተዓድምናሉ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኽንካፈል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

3 ኣብ ገሊኡ ኸባቢ ኣህጕራዊ ኣኼባታት ኪግበር እዩ። ኣብዚ ውሱናት ጉባኤታትን ወጻእተኛታት ልኡኻትን ከም እተዓደሙ ኣይትረስዕ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነዚ መሰናድዎ እዚ ኺገብር ከሎ፡ ኮፍ መበልን ክፍልታት ሆቴልን ኣብ ግምት ብእታው ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ኪዕደሙ ኸም ዘለዎም ብጥንቃቐ ሓሲቡሉ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ዘይተዓደሙሉ ኣህጉራዊ ኣኼባ እንተ ተኻፊሎም ቦታ ኺጸብብ እዩ።

4. ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ዚቐርብ ኣኼባ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዝና ንኽንካፈል እንታይ መዘኻኸሪታት እዩ ዚሕግዘና፧

4 እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ፡ ኮፍ መበሊ ምእንቲ ኽትረክብ ኣብቲ ኣኼባ ኣቐዲምካ ንኽትበጽሕ ተዳሎ። እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ነቲ መደብ ርእይ ርእይ ኣብሎ። እዚ ድማ ነቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ልብኻ ንኸተዳሉ ዚሕግዝ እዩ። (እዝራ 7:10) ኣቦ መንበር፡ መኽፈቲ ሙዚቃ ኪቐርብ ምዃኑ ምስ ነገረ፡ ነቲ ሙዚቃ ስምዓዮ፡ ኣብቲ ናይ መእተዊ መዝሙርን ጸሎትን ከኣ ተኻፈል።

5 ስድራ ቤትና ኻብ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀም እትኽእል ብኸመይ እያ፧

5 ኣባላት ስድራቤት ኣብ እዋን ዓብዪ ኣኼባ ሓቢሮም ኮፍ ዚብሉ እንተደኣ ዀይኖም፡ ወለዲ፡ ደቆም ነቲ ኣኼባ ብኣቓልቦ ንኺከታተልዎ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። (ዘዳግም 31:12) ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንበብ ከሎ ዅሉ ሰብ ክከታተል ኣለዎ። ሕጽር ዝበለ መዘኻኸሪታት ምጽሓፍ፡ ብኣቓልቦ ንኽትሰምዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ግዜ እውን፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት እቲ መደረታት ንኽትዝክሮ ኺሕግዘካ እዩ። ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዘየድሊ ሕሽዅሹዅ ኣይትበል ወይ ኣይትተንስእ። ሞባይል ተሌፎን እንተ ኣልዩካ፡ ንዓኻን ንኻልኦትን ኪርብሽ ኣይተፍቅድ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ፡ ካብቲ ኣኼባ ዝተንከፈካ ነጥብታት ምስ ካልኦት ንምንታይ ዘይትመያየጠሉ፧

6. ሓደ ኻብቲ ኣኼባ ኣውራጃና ዘለዎ ፍሉይ መዳያት እንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርና ኢናኸ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧

6 ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣብ ዓለም ዘየለ ፍልይ ዝበለ ናይ ምቅርራብ ኣጋጣሚ ኣሎና። (መዝሙር 133:1-3፣ ማርቆስ 10:29, 30) ኣብ እዋን ምሳሕ ምስቶም ኣብ ጥቓኻ ኾፍ ኢሎም ዘለዉ ብምልላይ ንምንታይ ዘይተዕልሎም፧ እዚ ሓደ ኻብቲ፡ ናብ ቤት ምግቢ ኣብ ክንዲ ምኻድ፡ ፍኹስ ዝበለ ምግቢ ሒዝካ መጺእካ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ምምጋብ ዘለዎ ረብሓታት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ንሓድሕድካ ናይ ምጽንናዕ ኣጋጣሚ ኸየምልጠካ ተጠንቀቕ።—ሮሜ 1:11, 12።

7. ብዛዕባ እቲ እንኽደኖ ኽዳን እንታይ ዓይነት ምድላው ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

7 ኣከዳድና፦ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ዘዘፈር ወሰን ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘሁ. 15:37-41) እዚ ኸኣ ንየሆዋ ኼምልኹ እተፈልዩ ህዝቢ ምዃኖም ብዚርአ መገዲ ዜዘኻኽር እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን እቲ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ እንኽደኖ ምዕሩግን ሕንኪ ዘለዎን ክዳን ኻብ ዓለም ፍሉያት ይገብረና። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ቤት ምግቢ ኽንምገብ ምስ እንኣቱ እውን ንተዓዘብቲ ሓያል ምስክርነት እዩ ዚዀኖም። ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ እትኽደኖ ኽዳን ኣቐዲምካ ሕሰበሉ።

8. ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ኸባቢ፡ ንኻልኦት ክንምስክረሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 መስክር፦ ኣቐዲምና እንተደኣ ሓሲብናሉ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ኸባቢ ንሰባት ክንምስክረሎም ንኽእል ኢና። ሓደ ሓው ድሕሪ ኣኼባ ምስ ሰበይቱ ናብ ቤት ምግቢ ኸደ እሞ፡ ነቲ ኣሳሳዪ ናብቲ ናይ ኣኼባ ባጅ ካርዱ እናኣመልከተ፡ “እዚ ባጅ እዚ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ርኢኻዶ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኣሳሳዪ፡ ከም ዘስተብሃለሎምን ደንጽይዎ ኸም ዝነበረን ገለጸ። እዚ ናብ ምይይጥ መርሐ፡ እቲ ሓው ከኣ ነቲ ኣሳሳዪ ናብቲ ኣኼባ ዓደሞ።

9. ነቲ ኣአንጋዲና ዝዀነ የሆዋ፡ ብኸመይ ኢና እነማስዎ፧

9 ንዅሉ እቲ መደረታትን ቃለ-መጠይቓትን መርኣያታትን ዜቕርብዎ፡ ኣሕዋትና እኳ እንተ ዀኑ፡ ነዚ ዓመታዊ ዚቐርብ መንፈሳዊ ድግስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዜዳልወልና ግን ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ እዩ። (ኢሳይያስ 65:13, 14) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብቲ ኣኼባ ብምእካብን ንዅሉ ዚቐርብ መንፈሳዊ ምግቢ ብምስትምቓርን ነቲ ኣአንጋዲና ዝዀነ የሆዋ ነማስዎ ኢና። ከምዚ ንምግባር ተዳሊኻዶ ኣሎኻ፧

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ሳጹን]

ሰዓታት እቲ ኣኼባ

እቲ ኣኼባ ሰለስቲኡ መዓልቲ ሰዓት 9:20 ቅ.ቀ. ኺጅምር እዩ። ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት እዩ። እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅምር፡ እቲ መእተዊ ሙዚቃ ኺስማዕ ከሎ ዅላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። እቲ ኣኼባ ዓርብን ቀዳምን 4:55 ድ.ቀ.፡ ሰንበት ድማ 4:00 ድ.ቀ. ኺዛዘም እዩ። ኣብ ኣህጕራዊ ኣኼባታት፡ እቲ ኣኼባ ሓሙስ ሰዓት 1:20 ድ.ቅ. ጀሚሩ ሰዓት 4:45 ድ.ቀ. ኺዛዘም እዩ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ

◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ፦ ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳኻትኩም ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳኻትኩም ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ።

◼ ምሳሕ፦ ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ፡ በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራቤታት ኣብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ፡ ጠራሙዝ፡ ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።

◼ ወፈያታት፦ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ወፈያታት ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብቸክ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ን“የይሖዋ ምሥክሮች” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ።

◼ ሓደጋታትን ድንገተኛ ዅነታትን፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚካየደሉ ቦታ ንሕክምና ዚምልከት ድንገተኛ ዅነታት እንተ ተላዒሉ፡ በጃኹም ነቲ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ኣአንጋዲ ንገርዎ። ንሱ ድማ ብኡንብኡ ነቶም ክፍሊ ቐዳማይ ረድኤት ኬፍልጦም እዩ። እቶም ቀዳማይ ረድኤት ንኺህቡ ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ኸኣ ንኽብደት እቲ ዅነታት ብምግምጋም ዜድሊ ረድኤት ኪህቡኹም እዮም።

◼ ምቕዳሕ፦ ዝዀነ ይኹን መቕድሒ መሳርሒ፡ ምስቲ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ናይ ኤለክትሪክ ኰነ ናይ ድምጺ ገመድ ኪተሓሓዝ የብሉን። ንኻልኦት ብዘይርብሽ መገዲ ጥራይ ከኣ ኢና ኽንጥቀመሉ ዚግባእ።

◼ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን፦ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ኺመጽእ የብሉን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጥቓ እቶም ወለዲ ኪቕመጥ ዚኽእል ንድሕንነት ሕጻናት እተዳለወ ፍሉይ መናብር ይፍቀድ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ