ነቲ “ንክርስቶስ ስዓብዎ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ንምፍላጥ ዚግበር ስሙር ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ኣስፋሕቲ እንደገና ፍሉይ ወረቐት ዕድመ ኺዕድሉ እዮም
1 ዓሚ ነቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ንምፍላጥ እተገብረ ዓለምለኻዊ ወፈራ ኣብ ተገደስቲ ሰባት ሓያል ጽልዋ እዩ ነይርዎ። እቶም ነቲ ፍሉይ ዕድመ ተቐቢሎም ዝመጹ: ንፈለማ ግዜኦም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ብሉጽ መንፈሳዊ ምግቢ ዝነበሮ ድግስ ተኻፊሎም እዮም። (ኢሳ. 65:13) በቲ ሓድነት ዘለዎ ምዉቕ ክርስትያናዊ ሕውነትና ባህ ኢልዎም እዩ። (መዝ. 133:1) ኣብቲ “ንክርስቶስ ስዓብዎ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ብእተኻእለና መጠን ብዙሓት ሰባት ንኺካፈሉ ምእንቲ ኽንሕግዞም: ኣብ መላእ ዓለም እንደገና ፍሉይ ወረቐት ዕድመ ኽንዕድል ኢና።
2 ካብ ዓሚ እተረኽበ ውጽኢት፦ ብመሰረት እቲ ኻብ ኵሉ ኽፋላት ዓለም ዝረኸብናዮ ጸብጻብ: ነቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ብምፍላጥና ብሉጽ ውጽኢት ኢና ረኺብና። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺብና ኢና። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ኸተማ ሓንቲ ጋዜጣ ብዛዕባ እዚ ወፈራ እዚ ሽዱሽተ ዓምዲ ዘለዎ ዓንቀጽ ኣሕተመት፣ እታ ጋዜጣ: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምክያዱ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምርካብ ተወሳኺ ሰዓታት ብምስራሕ: ርሑቕ ቦታታት ብምኻድ: ከምኡውን ኣሕጽር ኣቢሎም ብምዝራብ ኣብዚ ኸባቢ ኣበርቲዖም ጽዒሮም እዮም” በለት። እቲ ተወሃሂድካ ዚግበር ዝነበረ ምዝርጋሕ እቲ ወረቐት ዕድመ: ንተገዳስነት ሓንቲ ኣብ ካልእ ከተማ እትርከብ ናይቲ ኸባቢ መራኸቢ ብዙሓን ኣለዓዒሉ እዩ። ቅድሚ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ብዛዕባ ዝነበረና ንጥፈታት ኣመልኪተን ብውሕዱ ሰለስተ ጋዜጣታት ኣወንታዊ ጸብጻብ ሃባ። ሓደ ጋዜጠኛ ንልዕሊ ኽልተ ገጽ እቲ ናይ ሰንበት ሕታም ሓንቲ ጋዜጣ ዚሽፍን ሰፊሕ ዓንቀጻት ጸሓፈ። እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ እንኣምኖ ነገራት: ሕውነትና: ምዝርጋሕ እቲ ወረቐት ዕድመ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ሓንቲ ኣስፋሒት ንሓንቲ ብዓልቲ ቤት ወረቐት ዕድመ ኽትህባ ኸላ: እታ ብዓልቲ ቤት ነታ ሓብቲ ዅልፍ ኣቢላ: “እወ: ብዛዕባ እዚ ኸኣ ቐቅድሜኺ ኣብ ጋዜጣ ኸንብብ ጸኒሐ!” በለታ። ካልእ ብዓልቲ ቤት ድማ “ብዛዕባኹም ሕጂ ሕጂ ኸንብብ ጸኒሐ: ንስኺ ድማ ድሮ መጺእኪ። እዚኣ እታ ናተይ ዕድመ ድያ፧” በለት። ወሲኻ እውን “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ምግባርኩም ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ” በለት።
3 ብዙሓት ተገደስቲ ሰባት እተዋህቦም ወረቐት ዕድመ ሒዞም ናብቲ ዓብዪ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ኺመጹ ተራእዮም እዮም። ገለ ተገደስቲ ሰባት ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ኺካፈሉ ኻብ ርሑቕ ቦታታት ብማኪና ተጓዒዞም እዮም። እቲ ንኻልኦት ንምዕዳም ዝገበርናዮ ሓያል ጻዕሪ: ቍጽሪ ተኣከብቲ ንኺውስኽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ዓመት ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ዝነበሩ ተኣከብቲ ብ27 ሚእታዊት ወሲኾም እዮም።
4 ክሊ ምሽፋን፦ ነዚ ወረቐት ዕድመ እዚ: እቲ ዓብዪ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲምካ ምዕዳል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ንብምሉኡ ኽሊ እታ ጉባኤ ንምሽፋን ዚከኣል ዘበለ ጻዕሪ ኺግበር ኣለዎ። ኣብተን ሰፊሕ ክሊ ዘለወን ጉባኤታት: ኣስፋሕቲ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ሰባት ኣብታ ቕድሚ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ዚካየደላ ዘላ ናይ መወዳእታ ሰሙን: ነቲ ወረቐት ዕድመ ብጥበብ ኣብ ማዕጾኦም ኪገድፉሎም ይኽእሉ እዮም። ጉባኤታት ነቲ እተዋህበን ወረቐት ዕድመ ብምሉኡ ንኺዕድላኦን ብእተኻእለን መጠን ንኽለን ንኺሽፍናኦን ኪጽዕራ ኣለወን። ከይተዓደለ ዝተረፈ መዓደሚ ወረቐት: እቶም ፈለምቲ እታ ጉባኤ ኺጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም።
5 እንታይ ከም እትብል፦ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ነቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዚካየድ ኣገዳሲ ኣኼባ ዚምልከት ዕድመ ኣብ ምዝርጋሕ ዚግበር ዘሎ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ኢና ንካፈል ዘሎና። እዚኣ ናትካ ቕዳሕ እያ። ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብታ መዓደሚት ክትረክብ ኢኻ።” ነቲ ኣቀራርባ ሓጺር ምግባሩ: ብዙሕ ንኽትዕድል ኪሕግዘካ እዩ። ርግጽ እዩ: እቲ ብዓል ቤት ሕቶታት ምስ ዚህልዎ: ግዜ ወሲድና ኽንምልሰሉ ኣሎና። ተገዳስነት ምስ ዜርኢ: መዝጊብካ ብእተኻእለካ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ተመሊስካ ብጽሓዮ።
6 ንክርስቶስ ክንስዕብ ምጽዓርሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! (ዮሃ. 3:36) እቲ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ኣውራጃ: ንዅልና እቶም ኣብኡ እንካፈል ንክርስቶስ ንኽንስዕቦ ኺሕግዘና እዩ። ከም ውጽኢት እቲ “ንክርስቶስ ስዓብዎ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ንምፍላጥ ዚግበር ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ብዙሕ ምስክርነት ከም ዚወሃብ ርግጸኛታት ኴንና ኽንጽበ ንኽእል ኢና። ስለዚ: ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ንኺካፈሉ ኣብ ምዕዳም ብቕንኣት ዕየ። የሆዋ ነቲ ኣብዚ ብሓድነት ዚግበር ዓለምለኻዊ ወፈራ እዚ ንምክፋል እትገብሮ ብሕታዊ ጻዕሪ ኣብዚሑ ይባርኮ።