ንናይ ዕድመ ወረቐት ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
ሓደ መዓልቲ ሓደ ወዲ 11 ዓመት ቈልዓ: ብዛዕባ ሲኦል ዚገልጽ ህዝባዊ ኣስተምህሮ ኸም ዚወሃብ ዚሕብር ናይ ዕድመ ወረቐት ረኸበ። ከምዚ ኢሉ ድማ ገለጸ:- “እዚ ናይ ሓቂ ተገዳስነት እዩ ኣሕዲሩለይ: ምኽንያቱ ወትሩ ሕማቕ ነገራት ምግባረይ ዘይተርፍ ስለ ዝነበረ: ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ዘለዎ ሲኦል ደዀን እኸይድ እኸውን እናበልኩ እጭነቕ እየ ነይረ።” ነቲ ኣስተምህሮ ሰምዖ: ድሕሪኡ እተወሰነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናተመርሓሉ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ ተጠምቀ። እዚ ክርስትያናዊ ጕዕዞኡ በዚ ኸምዚ ዝጀመረ ቘልዓ: እቲ ዳሕራይ ንሓያሎ ዓመታት ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልገለ ካርል ክለይን እዩ። ታሪኽ ህይወቱ ብሓንቲ ናይ ዕድመ ወረቐት እዩ ጀሚሩ።
ሎሚ እውን ናይ ዕድመ ወረቐት ኣሳልጦ ዘለዎ ናይ ምስክርነት መሳርሒ ዀይኑ ይቕጽል እዩ ዘሎ። ሓያሎ ኣስፋሕቲ: ምስ ሰባት ንምልላይን ዝርርብ ንምጅማርን ናይ ዕድመ ወረቐት ብቐሊሉ መገዲ ኸም ዚኸፍተሎም ተመኲሮምዎ እዮም። ወለዲ እውን ካብ ቤት ናብ ቤት ኪኸዱ ኸለዉ ንደቆም ናይ ዕድመ ወረቐት ንኺዕድሉ ኼተባብዕዎም ይኽእሉ እዮም። እቶም ብደብዳበ ምስክርነት ዚህቡ ኣስፋሕቲ: ናይ ዕድመ ወረቐት ምስኡ ብምልኣኽ ብዛዕባ ኣኼባታት ኬፋልጡ ይኽእሉ እዮም። ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሰባት ናብ ኣኼባታትና ኽንዕድመሉ እንኽእል ምሹእ መገዲ ናይ ዕድመ ወረቐት እዩ።
ኣብ ኣገልግሎትካ ንናይ ዕድመ ወረቐት ብዚግባእዶ ትጥቀመሉ ኣለኻ፧