ነቲ ናይ ጉባኤኹም ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ኣኼባ ፕሮግራም ምሉእ ብምሉእ ደግፍዎ
1 ቍሩብ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ሓደ ሰብኣይ ኣኼባታት ጉባኤ ዝካየደሉ ዕለትን ቦታን እትነግር ሓንቲ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ረኸበ። ንሓቂ ይደልያ ስለ ዝነበረ: ኣብታ ሰንበት እቲኣ ኣብቲ ህዝባዊ ዝርርብ ዝካየደሉ ኣኼባ ክሳተፍ ስለ ዝመደበ ኣብቲ ኣደራሽ ኣቐዲሙ ኣተወ። ሓደ ኣስፋሒ ብምዉቕ ሰላምታ ተቐበሎሞ ኣብቲ ግዜ ዕላሎም ድማ ኣብይዎ ድኣምበር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረሉ ሓቲትዎ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር በቲ ኣዝዩ ተዳልዩ ዝቐረበ ህዝባዊ ዝርርብ ተመስጠ እሞ ኣተሓሳስባኡ ለዊጡ: እቲ ኣኼባ ምስ ተወደአ ሕራይ ጽንዓት ክገብር በለ። እዚ መንእሰይ እዚ ፈጣን ስጉምቲ ወሰደ እሞ ቍሩብ ኣዋርሕ ጸኒሑ ተጠምቀ። ካብዚ ተሞክሮ እዚ እንተወሓደ ሰለስተ ክሕግዙና ዝኽእሉ ትምህርቲ ክንመሃር ንኽእል ኢና።
2 ቀዳማይ ነገር እቲ ኣኼባ ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ብግልጺ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። በታ ንእሽቶ ሕትምቲ ጽሕፍቲ ተጠቒምኩምዶ ነቲ ናይ ጉባኤኹም ኣኼባ ፕሮግራም ብግልጺ ትነግሩ ኢኹም? እቲ ኣቦ መንበር ነቲ ኣብቲ ዝስዕብ ሰሙን ዝውሃብ ኣርእስቲ ህዝባዊ ዝርርብ ኣብ ዝነግረሉ ግዜ: ብዛዕባ እቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ እቲ ክቐርብ ዘለዎ ትምህርቲ ብፍላይ ከገድሶም ስለ ዝኽእል ነቶም ሓደስቲ ይቀበልዎ ኣይቀበልዎ ብዘየገድስ ክትዕድሞም ኢልካ ሕሰብ። ገሊኦም ሰባት ንባብ ዘይፈትዉ ወይ ድማ ብዙሕ ተጸጊሞም ዘንብቡ ኪኾኑ ይኽእሉ። ኣብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኮሰ ዝርርብ ንኽሰምዑ ግን ፍቓደኛታት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም።
3 ካልኣይ ነቲ ሓድሽ መጻኢ ሓደ ምዉቕ ዝኾነ ኣቀባብላ ኢዩ ተገይርሉ። ኣብቲ ኣደራሽ ብዓንተቦ ንኽትኣቱ መደብ እንተ ጌርካ ነሕዋትካን ነሓትካን ከምኡ እውን ግዱሳት ንዝኾኑ ሰባትን ሰላምታ ክትህቦም ኢኻ። (እብ. 10:24) እቲ ሓድሽ መጻኢ ንመጀመርያ ግዜ ዝመጽእ ዘሎ እንተ ኾይኑ ይሕርብቶ ይኸውን ኢዩ። ኣኼባ ብጸሎትን ብመዝሙርን ከም ዝኽፈትን እቲ ኣኼባ ከመይ ኢሉ ከም ዝካየድን ንገሮ። ዝጥዕም እንተኾይኑ ምእንቲ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ መዝሙርን ክምልከት ምሳኻ ኮፍ ክብል ዓድሞ። ሕቶታት እንተልይዎ ኮይኑ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝተወደኣሉ ግዜ ምሳኻ ክዘራረበሎም ዓድሞ።
4 ሳልሳይ: እቲ ዝርርብ ብግቡእ ዝተዳለወ ኢዩ ነይሩ። እቶም ንጉባኤ ወኪሎም ህዝባዊ ዝርርብ ንኽህቡ መሰል ዝረኸቡ ነቶም ሰማዕቶም ናብ ዝዓበየ ፍቕርን ንሰናይ ግብርን ምእንቲ ከለዓዕልዎም: ኽዳለዉን ነቲ ትምህርቲ ክደጋግምዎን ብዙሕ ሰዓታት ኢዮም ዘሕልፉ። ሎሚ ኩላትና ንጽቀጥ ኢና ዘሎና: እቶም ዕረፍቲ ዝህቡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከቡ ሓቅታት ድማ ኢዮም ንምጽማም ዘድልየና ሓገዝ ክህቡና ዝኽእሉ። እቲ ህዝባዊ ዝርርብ ፍረ ዘለዎ እኳ እንተኾነ: ነቲ ዝበሃል እንተ ዘየቕለብናሉ ብብሕቲ ኣይክንጥቀምን ኢና። ዝርርብ ክወሃብ ከሎ ሓሳባትካ ናብ ካልእ ናይ ምኹብላል ጸገምዶ ኣሎካ ኢዩ? ከምቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት እንገብሮ ሕጽር ዝበሉ መዘኻኸሪታት ምጽሓፍ ክድግፈካ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ክንበብ ወይ ክግለጽ ከሎ ብመጽሓፍ ቅዱስካ ከም እትካታተሎ ግበር።
5 ማሕበር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመስረቱ ዝተፈላለየ ኣርእስታትታት ዝሓዙ ህዝባዊ ዝርርብ ኣዳልያ ኣላ። እቶም ኣካል ሽምግሌታት በቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ድማ ንሱ ዝወከሎ ሓው ገይሮም ናይታ ጉባኤ ናይ ሕዝባዊ ዝርርብ ኣኼባ ፕሮግራም የዳልዉ። ብማሕበር ተሓንጺጾም ዝቐረቡ ትምህርታታት ኣብቲ ግዜ እቲ ነታ ጉባኤ ዘድልያ ተመሪጹ ይዝረብ። ነዚ ቀንዲ ፍልጠት እዚ ሓንትኳ ኣይተምልጥካ ነቲ ናይ ጉባኤኻ ሰሙናዊ ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ኣኼባ ድማ ምሉእ ደገፍካ ኣርኢ።