ንበኹሪ የሆዋ ብእልልታ ተቐበልዎ!
1 ሰንበት 9 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ ኣብ ኣእዳዎም ጨንፈር ስየ ዝሓዙ ሓደ ዓቢ ጭፍራ: ነቲ “ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ንጉስ” በኹሪ ወዲ የሆዋ: ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብዕልልታ ተቐቢሎምዎ ኢዮም። (ሉቃ. 19:38፣ እብ. 1:6) 10ን 11ን ኒሳን ሰኑይን ሰሉስን የሱስ ነዘን መወዳእታ መዓልትታት እዚኣተን ካብተን ናይ ምድራዊ ህይወቱ ዕዙዝ ስራሕ ዝመልአን ብምግባር ብብርቱዕ ኣገልግሎት ትሑዝ ነበረ።
2 ሎሚ እውን ካብኡ ዝዓበየ ጭፍራ ምሳሌያዊ ጨንፈር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ” እናበሉ ኢዮም ዝጭድሩ ዘለዉ። (ራእ. 7:9, 10) መጋቢት 26 ንዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንምብዓል ተኣኪብና ኢና። እታ መዓልቲ እናቐረበት ከላ አብቲ ኣገልግሎት ዘሎና ጻዕሪ ኣጠናኺርና ነቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝግበር ዘሎ ናይ ውዳሴ ጭድርታስ ክንውስኸሉዶ ንኽእል ኢና?
3 ኣብቲ ዕዮ ግራት ኣግልግሎት ወስኽ:- ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓገዝቲ ፓይኔራት ክኾኑ ተመዝጊቦም ኢዮም። ሓቢርካዮምዶ? ንዝመጽእ ወርሒ ትደሊ እንተድኣ ኾይንካ ተቓላጢፍካ ኣመልክት። ብዛዕባ እቲ ዕዮ እቲ ዝመጽኣካ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ሓደ ካብቶም ሽምግለታት ተሓጒሱ ክምልሸልካ ኢዩ።
4 ከም ሓጋዚ ፓይነር ኩን ኣይትኹን ብዘየገድስ: ኣብቲ ወርሒ እቲ ኣብቲ አገልግሎት ምሉእ ተኻፋልነት ክህልወካ ኣድላዪ ኢዩ። እታ ጉባኤ ኣብቲ ወርሒ እቲ ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ብጉጅለ ኮይንካ ምምስካር ኽትምድብ ትኽእል ኢያ። ነዚ ዕላማ እዚ ኢልካ ሓደ እኹል ዝኾነ ዞባ ክምደብ ይግብኦ።
5 መዓልቲ ድራር ጐይታ ናብ ግራት አገልግሎት ምውፋር ኵለን ጉባኤታት ሓደ ፍሉይ ኣኼባ ኪገብራ ይግብአን። ነቲ ዝኽሪ ብዓል ዝግበር ብዙሕ ምድላዋት እኳ እንተሎ ከገልግል ዝኽእል ዘበለ ኹሉ ንግሆ ኣብ ግራት ኣጋልግሎት ክሳተፍ ኢዩ ምኽሪ ተዋሂቡ ዘሎ። ኣብ ገዛ ገዛ እናገልገልካ ከሎኻ ድማ ነቶም ኣብ ዝኽሪ ብዓል ንኽርከቡ እትዕድሞም ሰባት መጐዓዓዚ ከም ዘለዎምን ቦታን ግዜ ናይቲ ኣኼባን ኣጸቢቖም ዝተረድእዎ ምዃኖምን ኣረጋግጽ።
6 ንኻልኦት ዓድምን ኣበራትዕን:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ኣዘዞም። (1ቈረ. 11:24) እቶም ኣስኣሰሩ ዝስዕቡ ናይ የሱስ ቅቡኣት ነቲ ትእዛዝ እቲ ይእዘዝዎ እኳ እንተኾኑ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ የሆዋ ድማ ኣብቲ ዝኽሪ ብዓል ተረኺቡ ከብዕል ኢዩ ዝዕደም ዘሎ። ገለ ካብቶም እትዕድምዎም ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣዝማድ: እቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እተመያየጥኩምዎም ሰባት: እቶም ዘይኣመንቲ ሰብ ሓዳርኩምን መሳርሕትኹምን ኢዮም። ሓደ’ኳ ከይተርፈኩምስ መዝግብዎም።
7 ኣብቲ ብዓልውን ከይተረፈ ነቶም ግዱሳት ሰባት እተበራትዓሉ ተወሰኽቲ ኣጋጣሚታት ኣለዉ። ምእንቲ ነቶም ንመጀመርታ ግዜኦም ዝመጹ ሓደስቲ ሰላም ክትብልዎምስ ኣቐዲምኩም ከም እትመጹ ግበሩ። ሓያሎይ ካብ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስኩም እንተ መጺኦም እቲ ኣኼባ ክሳዕ ዘሎ ካልኦት ኣሕዋት ምስ ገሊኦም ኮፍ ክብሉ ይከኣል ኢዩ። እቶም ሓደስቲ መጻእቲ ናብቲ ናይ ጉባኤ ስሩዕ ንኹሉ ሰብ ክፉት ዝኾነ ኣኼባ ክመጹ ዓድምዎም። እቲ ህዝባዊ ዝርርብ ንኽህብ ዝተመርጸ ሽማግለ ሓደ ዘበራብር ዝርርብ ምእንቲ ክህብ ኣጸቢቑ ይዳሎ።
8 ኣብ ምዕጻው እቲ ዝኽሪ ብዓል: ንመዝሙር 105 ድምጽና ኣተሓባቢርና ብምዝማር “ንበኹሪ የሆዋ ብዕልልታ ተቐበልዎ!” ክንብል ኢና። ናብታ ንየሆዋ ንምውዳስ ዝተገብረት ቅንኢ ዘለዋ ወርሒ ቲኦክራቲካዊ ስራሕ ተመሊስና እንጥምታ ይግበረና!