ነቲ ፍሉይ መሰላትና ኣኽቢርና ንርኣዮ!
1 የሆዋ: ሰባት ካብ ዚፍጠሩ ኣትሒዙ ንኣገልገልቱ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፍሉይ መሰላት ሂብዎም እዩ። ጾታኦም: ዕድሜኦም: ወይ ደረጃ መነባብሮኦም ከይፈለየ እዩ ፍሉይ መሰላት ሂብዎም። (ሉቃ. 1:41, 42፣ ግብ. 7:46፣ ፊል. 1:29) ሎሚ ንዓና ተዋሂቡና ዘሎ ፍሉይ መሰላት እንታይ እዩ፧
2 ገለ ኻብቲ ፍሉይ መሰላትና:- ብየሆዋ እተመሃርና ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኣሎና። (ማቴ. 13:11, 15) ንየሆዋ በቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እንህቦ ሓሳባት ኣቢልና ምውዳስ ድማ ካልእ ኣኽቢርና እንርእዮ ፍሉይ መሰል እዩ። (መዝ. 35:18) ሓሳባት እንህበሉ ኣጋጣሚ ምስ እንረክብ ብውዕዉዕ ስምዒት ኢና እንጥቀመሉ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ጉባኤ ዘሎና እተፈላለየ ሓላፍነታት ብኽብሪ ንርእዮ እንተ ደኣ ዄንና: ብእተኻእለና መጠን ብዝበለጸ መገዲ ኽንፍጽሞ ኢና። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ናይ ምጽራይን ምጽጋንን ፍሉይ መሰል ወትሩ ንካፈል ዲና፧
3 ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ኣምላኽ ንጸሎቶም ዚሰምዖ እንተ ዀይኑ ዚጠራጠሩ እኳ እንተ ዀኑ: ንሕና ግን ጸሎትና በቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ኣካል ክንስማዕ ዜኽእለና ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና። (ምሳ. 15:29) የሆዋ ንጸሎት ኣገልገልቱ ይሰምዖ እዩ። (1 ጴጥ. 3:12) ክንደይ ሳዕ ናብኡ ኽንጽሊ ኸም ዘሎና ደረት ኣይገበረሉን። “ኵሉ ሳዕ” ናብኡ ኽንጽሊ ምኽኣልናስ ከመይ ዝበለ ኽቡር ውህበት ኰን እዩ!—ኤፌ. 6:18
4 “መዓይይቲ ኣምላኽ”:- ሓደ ኻብቲ ዝበለጸ ፍሉይ መሰላትና: “መዓይይቲ ኣምላኽ” ኴንና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ እዩ። (1 ቈረ. 3:9) እዚ ዜዕግብን ዜሐድስን ዕዮ እዩ። (ዮሃ. 4:34) የሆዋ ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ሰባት ኪጥቀም ኣይመድለዮን ነይሩ: እንተዀነ ግን ከም መግለጺ ፍቕሩ ነዚ ዕዮ እዚ ሃበና። (ሉቃ. 19:39, 40) ከምዚ ኺገብር ከሎ ግን: ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይኰነን ሂብዎ። እቶም ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዚካፈሉ ሰባት መንፈሳዊ ብቕዓታት ዘማልኡን ነዚ ብቕዓታት እዚ ሒዞም ዚመላለሱን ኪዀኑ ኣለዎም። (ኢሳ. 52:11) ኣገልግሎት ኣገዳሲ ኽፋል ሰሙናዊ ንጥፈታትና ብምግባር: ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኣኽቢርና ኸም እንሕዞ ነርኢ ዲና፧
5 የሆዋ ዝሃበና ፍሉይ መሰላት ንህይወትና የሀብትማ። (ምሳ. 10:22) ነዚ ፍሉይ መሰላት እዚ ፈጺምና ኣፍኲስና ኽንርእዮ የብልናን! ንፍሉይ መሰላት ኣገልግሎትና ብሓቂ ኸም እነኽብሮ ብምርኣይ: ነቲ ወሃቢ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ነሐጕሶ።—ያእ. 1:17