መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ሸቶ ግበር
1 “ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርአዩ።” (ዮሃ. 4:35) እዘን የሱስ ክርስቶስ እተዛረበን ቃላት ብርግጽ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ኣገልገልቲ ይውዕላ እየን።
2 መገድታት የሆዋ ኺመሃሩ ዚደልዩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ክሳዕ ሕጂ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ብብዝሒ እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዚጥመቑ ዘለዉ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኺርአ ይከኣል እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ብሓቂ ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ: እንታይ ክትገብር እዩ ዘሎካ፧
3 ሸቶ ኣውጽእ:- ፈለማ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምርን ብስሩዕ ንኽትመርሕን ሸቶ ኣውጽእ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትካፈል ከለኻ ነዚ ሸቶ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ። ክርስትያናዊ መዝነትና: ኣብ ርእሲ ምስባኽ: ምምሃር እውን ስለ ዜጠቓልል: ኵልና ኣብ ዕዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ግደ ኸነዕቢ ኽንጽዕር ኣሎና።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20
4 ክትሓስበሉ ዘሎካ ኻልእ ነጥብታት:- ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ልባዊ ጸሎት ኪጽልዩ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ መንፈሳዊ ሓገዝ ደልዮም ኪጽልዩ ዝጸንሑ ሰባት ንረክብ ኢና። የሆዋ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንምርካብን ንምምሃርን ክጥቀመልናስ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ በረኸት ኰን እዩ!—ሃጌ 2:7፣ ግብ. 10:1, 2
5 ሓንቲ ሓብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትረክብ ጸለየት: ቅዳሓት እታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ድማ ኣብ ስርሓ ኣብ ዚርአ ቦታ ኣቐመጠት። ሓንቲ ሰበይቲ ሓንቲ ቕዳሕ እታ ትራክት ኣልዒላ ድሕሪ ምንባብ: ነቲ ኩፖን ክትመልኦ ምስ ጀመረት እታ ሓብቲ ኣዘራረበታ፣ በዚ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀመረት።
6 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ምምራሕን ውጽኢታውያን ዝዀኑ ኣስፋሕቲ: ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዘሎካ ሸቶ ንምብጻሕ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትረክብ ብጸሎት እተሰነየ ጻዕሪ ግበር: ኣብዚ ሸቶ እዚ ንኽትበጽሕ ዜኽእል ኵሉ ሓገዛት ድማ ተጠቐመሉ። ምናልባት ድሕሪ ሓጺር ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ዚርከብ ሓጐስ ከተስተማቕር ትኽእል ትኸውን።