ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/08 ገጽ 4
  • ካልኦት ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካልኦት ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃሮም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንየሱስ ምሰሎ—ብፍቕሪ ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ፍቕርኻ ኽትዝሕል ኣይትሕደጋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 9/08 ገጽ 4

ካልኦት ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃሮም

1. ንገሊኦም ናብ የሆዋ ዝሰሓቦም እንታይ እዩ፧

1 ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ የሆዋ ዝሰማዕካሉ እዋን ትዝክሮዶ፧ ናብኡ ዝሰሓበካ እንታይ እዩ፧ ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያት ፈጣሪና ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ርሕራሐኡን ፍቕሩን ምስ ተማህሩ ኸም እተሳሕቡ ይዛረቡ።—1 ዮሃ. 4:8

2, 3. ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ንኼዕብዩ ኣብ ምሕጋዝ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧

2 “ኣምላኽና እዚ እዩ”፦ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ፡ ንፍቕሪ የሆዋን ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ምህላው ኣድላዪ ምዃኑን ተጕልሕ። ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ካልኦት ኣብ የሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ኼዕብዩ ንምምሃር ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧ ሓድሽ ነጥቢ ኸነጕልሕ ከለና ኸምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ዜመራምር ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና፦ “እዚ ሓቂ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይገልጽ፧” ወይ “እዛ ነጥቢ እዚኣ፡ የሆዋ ዅሉ ሰብ ዚደልዮ ብሉጽ ኣቦ ምዃኑ በየናይ መገዲ ተረጋግጸልና፧” ብኸምዚ ኣገባብ ምምሃር፡ ነቲ ተመሃራይ ምስ የሆዋ ንምሉእ ህይወቱ ዚቕጽል ርክብ ንኺጅምር ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።

3 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ በይኑ ናይ ሓቅን ህያውን ዝዀነ ኣምላኽ ምፍላጥ ፍሉይ መሰል ምዃኑ ንኺርድኡ ምስ እንሕግዞም፡ ከምቲ ኢሳይያስ ዝበሎ “ኣምላኽና እዚ እዩ” ብምባል ኣፍልጦ ኺህቡ ኺድረኹ እዮም። (ኢሳ. 25:9) ቃል ኣምላኽ ክንገልጽ ከለና፡ ዕላማታት የሆዋ በታ ክርስቶስ የሱስ ዝንጉሳ መንግስቱ ኣቢሉ ኺፍጸም ከሎ ብኸመይ ደቂ ሰብ ከም ዚባረኹ ኸነጕልሕ የድልየና።—ኢሳ. 9:6, 7

4, 5. ንየሆዋ ምፍቃር ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ዜርኢ መርትዖ፦ ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ሓሳብካን ምፍቃር ኪበሃል ከሎ፡ ብስምዒት ጥራይ ካብ ምፍቃሩ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ንፈልጥ ኢና። ንኣተሓሳስባኡ ኽንቀድሖን ክንስዕቦን ኣሎና። (መዝ. 97:10) ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ኣብ እዋን ፈተናታትን ምጽራርን እውን ከይተረፈ ንትእዛዛቱ ጠቢቕና ብምሕላው ከምኡውን “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ብምምልላስ እያ እትርአ።—2 ጴጥ. 3:11፣ 2 ዮሃ. 6

5 ብፍቕሪ ተደሪኽካ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ዜሐጕስ እዩ። (መዝ. 40:8) እቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ኵሉ ትእዛዛቱ ንነባሪ ጥቕሚ ኣገልገልቱ ኢሉ ኸም ዘዳለዎ ኺግንዘብ ኣለዎ። (ዘዳ. 10:12, 13) ሓደ ሰብ ምስ መምርሒ የሆዋ ተሰማሚዑ ብምምልላስ፡ ነቲ መስተንክር ግብርታት ኣምላኽ ዓሚቝ ሞሳ የርኢ። በቲ ጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ምምልላስ ካብ ብዙሕ ስቓይን ጓሂ ልብን ከም ዚባልህ፡ ነቲ ተመሃራይ ንኺርዳእ ሓግዞ።

6. ሓደ ሰብ ንየሆዋ ብምፍቃሩ እንታይ በረኸት ይረክብ፧

6 እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ዚረኽብዎ በረኸት፦ የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ትሑታት ሰባት ብሓቂ ይግደሰሎምን “መዓሙቝ ኣምላኽ” ይገልጸሎምን እዩ። (1 ቈረ. 2:9, 10) እዚ ዕላማታት የሆዋ ዚገልጽ ፍልጠት እዚ፡ ንጹር መጻእን ርግጽ ተስፋን ይህቦም። (ኤር. 29:11) እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሓለፍ ዝበለ ሕያውነቱ የስተማቕሩ እዮም። (ዘጸ. 20:6) ሳላ እታ ዓባይ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ድልዱል ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎም።—ዮሃ. 3:16

7. ካልኦት ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ብዛዕባ ምምሃር ከመይ ይስምዓካ፧

7 ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና ዝያዳ ምስ እንፈልጥ፡ ንኻልኦት እነካፍሎም ዝያዳ ፍልጠት ይህልወና። (ማቴ. 13:52) ንኻልኦት፡ ኣውራ ድማ ንደቅና፡ ንየሆዋ ንኼፍቅርዎ ምምሃርሲ ኸመይ ዝበለ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽብሪ ዀን እዩ! (ዘዳ. 6:5-7) ነቲ ‘ዓብዪ ሳህሊ የሆዋ’ እናኣስተማቐርና፡ ምስቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ኴንና ውዳሰኡ ነውሪ።—መዝ. 145:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ