መምህር ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
1. ኵሎም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ዘለዎም፧
1 ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎት ዓስብኻ ጽቡቕ ጌርካ እትርእየሉ መዳያት፡ ንኻልእ ሓቂ ምምሃር እዩ። እቲ ተመሃራይ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሎ ኸሎ ምርኣይን ናብቲ ልዑል ኣምላኽ ኪቐርብ ምሕጋዝን፡ ባህ ዜብል ተመክሮ እዩ። (ያእ. 4:8) ንሓደ ንሓቂ ዚጠሚ ሰብ ምምሃርን ንሱ ኣብ ባህርያቱን ኣመለኻኽታኡን ኣካይዳኡን ዓብዪ ለውጢ ኺገብር ከሎ ምርኣይን፡ ኵሉ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኪህልዎ ዚግባእ ሸቶ እዩ።—ማቴ. 28:19, 20
2. ገሊኦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ኬድሓርሕሩ ዚኽእሉ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ነዚ ጸገም እዚ ንኺሰግሩ ዚሕግዞምከ እንታይ እዩ፧
2 ኣብ የሆዋ ተወከል፦ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ እሙናት ኣገልገልቲ ነቲ መዝነቶም ንምፍጻም ዘለዎም ብቕዓት ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ሙሴን ኤርምያስን ኣሞጽን ካልኦት ተራ ሰባትን ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ብምውካሎም፡ ጥርጣረታቶም ወይ ስክፍታታቶም ንኼሰንፉን ኣገዳሲ ዕዮ ንኺዓዩን ኣኽኢልዎም እዩ። (ዘጸ. 4:10-12፣ ኤር. 1:6, 7፣ ኣሞ. 7:14, 15) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ‘ተቢዑ’ እዩ። ብኸመይ ግን እዩ ተቢዑ፧ ባዕሉ “ብኣምላኽና” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ተሰ. 2:2) እወ፡ ኵላትና ፍረ ዘለዎ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንመርሕ ዜኽእለና ሓገዝን ጥበብን ብርታዐን ካብ የሆዋ ኸም ዚወሃበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 41:10፣ 1 ቈረ. 1:26, 27፣ 1 ጴጥ. 4:11
3, 4. ቃል ኣምላኽ ንኽንመሃር ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ ስልጠና እዩ ተዳልዩልና ዘሎ፧
3 ካብ ስልጠና ምጥቃም፦ እቲ ዓብዪ መምህርና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ከም መምህራን መጠን ፈጺምና እተዳለና ምእንቲ ኽንከውን፡ ብስሩዕ መደብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣቢሉ ስልጠና ይህበና እዩ። (ኢሳ. 54:13፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17) ካብዚ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎካ ምርዳእ ንኸተስፍሕን ኣብ ኣመሃህራ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ኽእለት ንኸተመሓይሽን ዚሕግዝ ኣጋጣሚታት ምሉእ ብምሉእ ብምጥቃም፡ ካብዚ ስልጠና እዚ ተጠቐም። ብቐዳምነት ነዚ ዕላማ እዚ ዝቘመ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ኣኼባታት ጉባኤ ኻብ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ንኽንምህር የሰልጥነና እዩ።
4 ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት እውን ከይተረፈ ብቐሊል መገዲ ኽትምህረሉ እትኽእል ሜላታት ክትፈልጥ ጽዓር። እታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 227፡ “ነቲ ፍረ ነገር ካልኦት ኪርድእዎ እንተ ዀይኖም፡ ንስኻ ንባዕልኻ ብንጹር ክትርድኦ ኣሎካ” ኢላ ትገልጽ። ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ምሃብ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ስለ ዚቐርጾ፡ ንመጻኢ ኽትጥቀመሉ ትኽእል። ስለዚ፡ ብግቡእ ተዳሎ፡ ኣብቲ ናይ ምምሃር ክእለትካ ዘሎካ ምትእምማን ድማ ኺዓቢ እዩ።
5. እንታይ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዘሎ ተወሳኺ ስልጠና እዩ ኸም መምህራን መጠን ምምሕያሽ ንኽንገብር ዚሕግዘና፧
5 ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ክርስትያን ኣገልገልቲ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኣብ ዚጽመዱሉ እዋን፡ ካብ ንሕድሕዶም ከም እተማህሩ ኣየጠራጥርን እዩ። (ሉቃ. 10:1) እንተ ተኻኢሉ፡ ኣብ ዕዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፈለምትን ሽማግለታትን ገየሽቲ ሓለውትን ካልኦት ምኩራት ኣስፋሕትን ኪድ። ነቲ ንመጽናዕቲ ኣብ እተዳለወ ጽሑፋትና ዘሎ ቐሊል ምሳሌታትን ካልእ ንምምሃር ዚሕግዝ ናውትን፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ንምግላጽ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ኣስተብህል። ብኸመይ ዝሓሽካ መምህር ክትከውን ከም እትኽእል ሓሳብ ንኺህቡኻ ሕተቶም። (ምሳ. 1:5፣ 27:17) ንዅሉ እዚ ስልጠና እዚ ኻብ ኣምላኽ ከም እተዋህበ ስልጠና ጌርካ ርኣዮ።—2 ቈረ. 3:5
6. መምህር ቃል ኣምላኽ ንምዃን እንታይ የድሊ፧
6 ኣብ የሆዋ ተወከል፡ ካብቲ ንሱ ዚህበና ስልጠና ኸኣ ተጠቐም። ምምሕያሽ ንኽትገብር ጸሊ። (መዝ. 25:4, 5) ንስኻ እውን ንኻልእ ሰብ ከማኻ መምህር ቃል ኣምላኽ ንኪኸውን ብምሕጋዝ፡ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ!