ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/09 ገጽ 3
  • ንጽሑፋትና ብግቡእ ንጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጽሑፋትና ብግቡእ ንጠቐመሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብጥበብ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ካብ ዚኽዘን ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንጽሑፋትና ሞሳ ነርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 5/09 ገጽ 3

ንጽሑፋትና ብግቡእ ንጠቐመሉ

1. ነቲ ሳላ የሆዋ እተረኽበ መሰናድዎ ሞሳ ብምርኣይ ዝመጸ የሱስ ንዝሓደጎ ኣብነት ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

1 የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ንብዙሓት ሰባት ድሕሪ ምምጋቡ፡ እቲ ዝተረፈ ምግቢ ኸም ዚእከብ ገበረ። (ማቴ. 14:19-21) ነቲ ሳላ የሆዋ እተረኽበ መሰናድዎ ዝነበሮ ሞሳ፡ ንሕና እውን ነቲ የሆዋ ብ“እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ” ኣቢሉ ዚህበና ነገራት “መማሰውቲ” ኽንከውን ከም ዘሎና ዜርኢ ሰናይ ኣብነት እዩ።—ቈሎ. 3:15፣ ሉቃ. 12:42፣ ማቴ. 24:45-47።

2. ክንጥቀመሉ ኻብ እንኽእል ንላዕሊ መጽሔታት ኣብ ኣባይትና ኸይእከብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

2 መጽሔታት፦ ክንጥቀመሉ ኻብ እንኽእል ንላዕሊ መጽሔታት ኣብ ኣባይትና ኺእከብ ይኽእል እዩ። እቲ እንወስዶ መጽሔት ኵሉ ግዜ ዚተርፍ እንተ ዀይኑ፡ ንቝጽሪ እቲ እንእዝዞ ኽንንክዮ ኣሎና። ነቲ ናይ ቀደም መጽሔታትከ እንታይ እንተ ገበርናዮ ይሓይሽ፧ ነዊሕ ግዜ እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ገና ግን ጥቕሚ ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብ ኣባይትና እተኣከበ ናይ ቀደም መጽሔታት እንተ ኣልዩ፡ ሓላው ኣገልግሎት ወይ ካልእ ሽማግለ ነዚ መጽሔታት እዚ ኸነበርክቶ እንኽእለሉ ውጽኢታዊ መገዲ ኺሕብሩና ይኽእሉ እዮም።

3, 4. ካብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽሑፋት ክንወስድ ከለና፡ እንታይ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዚግብኣና፧

3 ካልእ ጽሑፋት፦ ነቲ ኣብታ ወርሒ እትዕድሎ ጽሑፍ ካብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምውሳድካ፡ ኣብ ቤትካ እንተ ኣልዩ ኸተረጋግጽ ኣሎካ። ኣብ ሓደ ሰሙን እተበርክቶ ዜድልየካ ጽሑፋት ጥራይ ውሰድ፣ ድሕሪኡ፡ ዝያዳ ጽሑፋት እንተ ደሊኻ፡ ካብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

4 ብብሕትኻ እትጥቀመሉ ጽሑፋት ክትእዝዝ ከለኻ እውን ዜድልየካ ጥራይ ኣዝዝ። ስምካ ጽሓፈሉ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ጽሑፍ ንኸይጠፍእ ኪሕግዘካ እዩ። ኣብ ሲዲ-ሮም ዝቐረበ ዎችታወር ላይብረሪ ትጥቀምን ናይ ብሕትኻ ቕዳሓት ተቐምጥን እንተ ዄንካ፡ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት ክትእዝዝ ኣየድልየካን ይኸውን።

5. ጽሑፋት ከነበርክት ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዚግባእ፧

5 ጽሑፋት ከነበርክት ከለና፦ ነቶም ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ጥራይ ኢና ጽሑፋት ከነበርክተሎም እንጽዕር። ነቲ ኣብ ኣገልግሎትና እንጥቀመሉ ኽቡር ጽሑፋት ዚወጽእ ወጻኢ፡ ብቐዳምነት ንሕና ኸም እንሽፍኖ ኣይትረስዕ። ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሰባት ጽሑፍ ከተበርክተሎም ከለኻ፡ ነዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ ብወፈያ ናይ ምድጋፍ ኣጋጣሚ ኸም ዘለዎም ካብ ምንጋር ድሕር ምሕር ኣይትበል።

6. ንጽሑፋትና ኣኽቢርና እንርእዮ ስለምንታይ ኢና፧ እዚኸ እንታይ ንኽንገብር እዩ ዚድርኸና፧

6 የሱስ ንሰባት ብተኣምራዊ መገዲ ስጋዊ ምግቢ እኳ እንተ መገቦም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን መንፈሳዊ ምግቢ እዩ ዚምግቦም ነይሩ። “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ድማ በለ። (ማቴ. 4:4) ጽሑፋትና ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚምህር። (ዮሃ. 17:3) ስለዚ፡ ፈጺሙ ኺባኽን የብሉን!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ